2015-10-03 15:46:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምስታ ኣብታ ሃገር መንግስቲ ዘጽደቖ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም መርዓ ዝፈቕድ ሕጊ ዝቃወማን ኣብ ኣውራጃ ከንቱክይ ቤት ምኽሪ ዝሰርሓ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ዜጋታት ዝፍጽምዎ መርዓ መረጋገጺ ምስክር ወረቐት ኣይፍርምን ምስ ዝበላ ኪምስ ዳቪስ ተራኺቦም ዝብል ዝፈነወኦ ዜና ቅዱስነቶም ብፍላይ ምስአን ነቲ ዝኽተልኦ ውሳኔ ንኸተባብዑ ዘካይድዎ ርክብ ዘይኰነስ ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ዋሽንግቶን ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሕንጻ ብፍላይ ነቶም ተማሃራዮም ዝነበሩ ተወላዲ ኣርጀንቲናን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ዜጋታት እዮም ተራኺቦም፣ ሰላምታ ጥራሕ እዮም ዝተለዋወጡ እምበር ምስአን ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ውሳኔአን ድዩ ምርጫኤን ዝበልዎን ሓሳብ ኣይነበረን። ኣብ ኒው ዮርክ እውን ምስ ብዙሓት ዜጋታት ተራኺቦም እዮም። ስለዚህ ምስአን ብፍላይ ኣይኰኑን ዝተራኸቡ እንክብሉ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. መግለጺ ሂቦም።

ኣብቲ ዘካይድዎ ርክብ ብዛዕባ ውሳኔን ኵነትን ዳቪስ ኣይተዘራረቡን ናተን ሓሳብ ዝድግፍ ቃል እውን አየስምዑን፣ እቲ ዘካይድዎ ርክብ ነቲ ናተን ሓሳብ ዝድግፍ እዩ ዝብል ትርጉም ምሃብ ትኽክል ኣይኰኖን ዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩሉ ክራኸቡ ዘለዎም ጽቡቕ ድላይ ከከም ዝደለኻዮን ምስቲ ናይቲ ዝራኸብዎ ሰብ ታሪኽ ኣተሓሒዝካ ደጋፍን ዘይደጋፍን ቢልካ ምትንታኑ ዘይቅቡልን ዘይቅኑዕን እዩ ኢሎም።     








All the contents on this site are copyrighted ©.