2015-10-03 15:36:00

ቅዱስ ኣቦና ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ርእሰ ጉዳይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ካርዲናል መር ደል ቫል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ነቶም ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ፒዮስ 10 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ካብ 1903 ዓ.ም. ክሳብ 1914 ዓ.ም. ዘገልገሉ ኣብ 1953 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ብፁዕና ንኽትእወጀሎም መጽናዕቲ መንፈሳውን ሰብኣውን ክቡራት ገድልታቶም ዝተበገሰሎም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ካርዲናል መር ደል ቫል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝገበረ ርክብ ተሳተፍቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ካርዲናል መር ደ ቫል ኣብ ሎንደን ካብ ስፓይኖላዊት ልዑልቲ ስድራ ቤት ዝተወልዱ ለምዘበም ዝተወልድሉ መበል 150 ዓመተ ልደቶም ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ዝካይድ ዘሎ ርክብ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ደል ቫል ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መቓብር ስፍራ ዝዓረፉን ኣብታ ንሶም ዝዓረፉላ መቓብር ቦታ ድማ ስመይ ዝተሓትሞ ተራ ዝዀነ “ኦ ጎይታይ ካልእ ኵሉ ውሰድ ነፍሳት ጥራሕ ሃበኒ” ዝብል ጽሑፍ ክሕተም ክንደይ ባህ ምበለኒ እንክብሉ ባዕሎም ዝተላበዎ ጽሑፍ ተነቢሩ ከምዘሎ ሓቢሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተሳተፍቲ ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ልደት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ደል ቫል ብቛንቋ እስፐይን ኣብ ዝለገስዎ መርሕ ቃል ኣቲ ኣብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ደል ቫል ዝዓረፉላ ስፍራ ተነቢሩ ዘሎ ጽሑፍ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ደል ቫል ክሳብ ክንደይ ትሑትን ከም ፍቓድካ ባሃልን ከምዝነበሩ ዘረጋግጽ እዩ  ቢሎም ታሪኽ ናይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ደል ቫል ሰብኣውን መንፈሳውን ገድልታት ከመይን ምንባር ከምዘረድኡ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.