2015-10-01 15:31:00

ኣባ ተስፋይ ታደሰ ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮምቦናውያን


ማሕበር ኮምቦናውያን ኣብ ዘካይዶ መበል 14 ጠቕላሊ ናይ ማሕበር ጉባኤ ዕለት 30 መስከረም 2015 ዓ.ም. ንፈለማ ጊዜ ኣፍሪቃዊ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ከምዝምረጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣባ ተስፋይ ታደስ ገብረስላስየ ዕለት 22 መስከረም 1969 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ክፍሊ ሃገር ሃረር ዝተወልዱ ኣብ ሰበኻ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበዩ ምዃኖም እንክንገር ዕለት 26 ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኢትዮጵያዊ መበል 14 ቀዳማይ ኢትዮጵያዊ ጥራሕ ዘይኰኑስ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ጠቕላሊ ሓለቓ ኮምቦናዊ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ምስልምና መጽናዕቲ መንበረ ጥበብ ዝተማህሩን ኣብዚ መንበረ ጥበብ ሊቅነት ዘመስከሩን ድሕሪ ማዕርገ ክህነት ቋንቋ ዓረብ ንኽመልኩ ናብ ግብጺ ዝተላእኹን ካብ 1997 ዓ.ም. ኣታሒዞም ድማ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ካርቱም ዘገልገሉን ናይ ኮምቦናውያን ማሕበር ናይ መሰረተ ሕንጸትን ብጀካ ኤርትራ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዝይና ጉዳይ ንጠቕላሊ ሓለቓ ኣማኻሪ ኮይኖም ክሳብ ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዝተመረጹላ ዕለት ንሽዱሽተ ዓመት ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣባ ተስፋ ታደሰ ነቶም ናይ ጠቕላሊ ሓለቓ ተልእኾኦም ዘጠናቀቑ መክሲካዊ ኣባ ኤንሪከ ሳንቸስ ጎንዛለዝ ዝተክኡ መበል 46 ቀዳማይ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኰምቦናውያን እዮም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.