2015-09-29 16:01:00

ክብረ በዓል ቅ. እስጢፋኖስ ኣብ ቁምስናታት ደግራ ልብኤን ዓደንጐፎምን


ክብረ በዓል ቅ. እስጢፋኖስ  ኣብ  ቁምስናታት ደግራ ልብኤን ዓደንጐፎምን ኣብ ዝሓለፈ  ቀዳም  26 መስከረም  2015 ዓ .ም ዓመታዊ  ክብረ በዓል ቅ. እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ካበየ ቦታኡ ዝመጹ ወገነ ክህነትን ምእምናንን ዝተሳተፍዎ ኣብተን  ዓበይቲ ቁምስናታት ደግራ ልብኤን ዓዲንጎፎምን ብክብ ዝበለ ዓጀብን መንፈሳውነትን ብድምቐት ተባዕሉ። ድሮ እቲ በዓል ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ሊቃውንቲ መዘምራንን ካህናትን ሓቢሮም “እስጢፋኖስ ክቡር፡ጽሑፍ ውስተ ወንጌል ኮነንዎ ከመ ገብር፡ ሰሓብዎ በኣሕባል እንዘይጸውዕ ስሞ ለእግዝኣብሔር እስጢፋኖስ ጸሊ በእንቲኣነ” ("እስጢፋኖስ ክቡር ኣብ ወንጌል ጽሑፍ፡ ከም ሓደ ግዙእ ኮነንዎ፡ ስም ኣምላኽ እናጸወዐ ብገመድ ሰሓብዎ እስጢፋኖስ  ለምነልና") እናበሉ ብዓብይ ክብርን መንፈሳውነትን ሥርዓት ዋዜማ ክገብሩ ኣምስዮም።  

ንቅዱስ እስጢፋኖስ ዘመጉስ ቅኔታትን ወረባትን'ውን ብሊቃውንቲ  ቀሪቡ። ለይቲ’ውን ሰዓት 3፡30 ብምንቓሕ ሊቓውንቲ ብማኅሌትን መዝሙርን ክሳዕ ወጋሕታ ምስጋናኦም ቀጸሉ። ኣብ ደግራ ንግሆ ቀዳም ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ብዓሰርተ ሰለስተ ለባስያን ካህናት ተሰንዮም፡ ንክብሪ ቅ.እስጢፋኖስ መስዋእተ ቅዳሴ ኣዕርጎም። ሲዒቡ ሥርዓት ዑደት ተኻይዱ። ድሕሪ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት" ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ንእስነቱ ሕይወቱ ንክርስቶስ ዘወፈየ፡ ኣሰር ክርስቶስ ተኸቲሉ፡ ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ መስኪሩ፡ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ መሊኡ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝሃቦ ምስክርነት ተቆጢዖም፡ ብዳርባ እምኒ ዝወረርዎ ከም ጎይታኡ “ጎይታይ ! እዚ ኃጢኣት እዚ ኣይትኃዘሎም” እናበለ ንቐተልቱ ክምሕር  ዝተረኽበ ሰማዕት ኢዩ። ኣብዚ ኃው ንኃው  ስድራቤት ንስድራቤት ተጨኻኪኑሉ፡ ባእስን ሁውከትን ነጊሱሉ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ ንኣና ዘሕልፈልና መልእኽቲ ከኣ ንሕና’ውን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅ.እስጢፋኖስን ዝሓደጉልና ኣብነት ተኸቲልና፡ መሐርቲ ኪንኸውን ኢዩ። እዚ ምምሕሓር ስለዝተሳእነ፡ ልብና ስለዝዓጾና ኢዩ ጸጋን በረከትን እግዚኣብሔር ክንቕበል ዘይከኣልና፡፡ ምእንቲ’ዚ ኣምላኽ ይቕረ ኪብለልና፡ ብምሕረቱ ክዕረቀና፡ በደል ኣሕዋትና ገዲፍና ንመሓሓር።ልብና ንኽፈት ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ  ንኣምላኽ ብግሩህን ትሑትን ልቢ ምሕረቱ ክህበና ብኣማልድነት ቅ.እስጢፋኖስ ክንልምኖ  ሚዒዶም፡ ርሑስ በዓል መስቀል ተመንዮም፡ ብቡራኬ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ። ክብረ በዓል ቅ.እስጢፋኖስ ኣብ ዓንደጎፎም'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ እቲ በዓል ብዋዜማ ጀሚሩ፡ ብሸውዓተ ለባስያን ካህናት ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝተዘከረ ክምልከት ከሎ፡ ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ቃለ እግዚኣብሔር ዘስምዑ፡ ክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ሓለቓ ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ፡ ታሪኽ ቅ.እስጢፋኖስ ካብ ግብረሓዋርያትን ትውፊትን ብሰፊሑ ገሊጾም፡ ከምቲ ተርቱርያን “ደም ሰማዕታት ዘርኢ እምነት ክርስትና ኢዩ”፣ ዝበሎ እዚ ዘርኢ እምነት እዚ ሽዑ ሽዑ ነቲ ኣብ ቅትለት ቅ.እስጢፋኖስ ዝነበረ ሳውል ደሓር ግን ንሽሓት ወንጌል ዝሰበኸ ቅ.ጳውሎስ ናይ ጽኑዕ እምነት ዘርኢ ኮይንዎ ኢዩ።  ስለዚ ደሙ እምነት ፈርዩ ኢዩ። እዚ ንሕና እንነብሮ ዘሎና ሕይወትን እምነትን’ውን ክንደይ ተጋድሎን ሰማዕትነትን ዝተከፍሎ ስለዝኾነ ብጽኑዕ እምነትን ምስክርነትን ክንነብሮ ይግባእ ኢሎም። ደብረ ቅ.እስጢፋኖስ ደግራ-ልብኤን ዓደንጎፎምን ብ1867 ዓ.ም ካቶሊካዊ እምነት ዝተቐበለ፡ ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ዘፍረየ፡ ገለ  ካብ ዓበይቲ ቁምስናታት ሰበኻ ሰገነይቲ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.