2015-09-29 16:05:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ መናድቕ መፍትሒ ኣይኰነን፣ ናይ ሕሊና ተቓውሞ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 27 መስከረም 2015 ዓ.ም. ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ፊላደልፊያ ንዝተኻየደ ሻምናይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት መዕጸዊ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ብናይ ፊላደልፊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ 45 ደቒቓ ፊላደልፊያ ኣብ ዝርከብ ዓለ ለኻዊ መዕፍሮ ነፈርቲ ተረኺቦም ንኽብሮም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ኣመሪካ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርሲያን ብፁዓን ጳጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወከልትን ናይ ምፍናው ስነ ስርትዓት ተገይርሎም ኣብታ ንመልሲ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንጋዜጠይናታት ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ በሰላን ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ዘማእከለ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ሕልናዊ ተቓውሞ ክፍሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰላም ኣብ ኰሎምቢያ ኣብ ቻይና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምክያድ ዘለዎም ድላይን ኣብ ቻይና ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግደ ደቂ ኣንስትዮ  ኣብ ዝብሉ ኣርእስተ ጉዳያት ኣተኵይሮም ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ሰኑዕ ዕለት 28 ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መልዓልቲ ምስ ኣተዉ ድማ ቅድሚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምምላሶም ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓባይ ጸሎት ንኸዕርጉ ከምዝኸዱ ገሊጾም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዝበጽሕወን ከተማታት ናይ ሕዝቢ ምውቕ ኣቀባብላን ዝተገብረለይ እንገዳን  ናይ ሕዝቢ ሓልዮትን ለውሃትን ብሓቂ ኣገሪሙኒ፣ ናይ ሕዝቢ እምነትን ሃይማኖተይናነትን ውፉይነቱን ጸላይነቱን ብሓቂ ተንኪፉኒ እዩ። ብድሆ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንሕዝቢ ቀረባ ምዃን ዝብል እዩ። ካብ ሕዝቢ ዝተፈልየትን ርሒቓ እትነብር ኣብ ገዛ እርሳ ዝተዓጽወት ቤተ ክርስቲያን ክትህብሉ የብላን። እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ብድሆ ቤተ ክርስቲያን።

ናይ ወሲብ ዓመጽ ጠሪሹ ክኸወል ዘይግብኦ ጸረ ሰብኣዊ ገበንን ናይ ርኽሰት ግብሪ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲህ ዓመጽ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ እቲ ዓይነት ዓመጽ ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ዝዀነ በርአያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ሰብ ምርካስ እዩ። ስለዚህ ኣብ ዋሽንግተን በዚ ዓመጽ’ዚ ዝተጠቕዑ ሕጻናትን ከምኡ እውን እታ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈት ተሳቒያ እያ። እዚ ተግባር’ዚ ብሓቂ ርኹስ እዩ። ሓደ ካህን ክፍጽሞ እንከሎ ድማ እቲ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከዕብን ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ብስለት ከሰንይ ዝተጸውውዔ ብምዃኑ፣ እቲ ገበን ከቢድ እዩ ዝኸውን። ነዚ ምዕባይ’ዚ ምጽቃጥን ምድንጋርን ምዕንቃፍን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሕግን ዓቢይ ገበን እዩ።

ነቲ ብውሉደ ክህነት ዝተፈመጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘይምምሓር ቅቡልን ርድኡን እዩ

ነዚ ዓቢይ ገበን ብምሕረት ዓይኒ ምጥማት ዝብል ሓሳብ፣ ቅድም ቀዳድም እቲ ገበን ፈጻሚ ኣባል ውሉደ ክህነት ስለ እቲ ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ዓመጽ ይቕረታ ክሓትት ካብ ጥልቂ ብዝነቅል ጣዕሳ ምሕረት ክሓትት ትሑዝ እዩ። ንምሕረትን ይቕረታን ገዛእ ርእሱ ዝዓጸወ ክፉት ማዕጾ ዘይብሉ በሓቂ የሕዝን ስለኡ ምጽላይ የድሊ። እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ግዳይ ዝዀነን ቤተሰቡን ምሕረት ከይህቡ ዘከኣል ጥራሕ ዘይኮነ ቅቡልን ሰብኣውን እውን እዩ። ስለኦም ድማ እጽልይ።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ልቦም ተሓቲሙ ዝተርፍ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፦

ኣቲ ኣብ ኮሎምቢያ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ ኣብዚ መዳይ ቅድስቲ መንበርን ቅዱስነቶም እውን ኣውን ዘካይድዎ ዓቢይ ጻዕሪ ዝነኣድ ምዃኑ ጋዜጠይናታት ከምዝሓበርዎ ኩላትን እንፈልጦ እዩ። ናይ ሰላም ስምምዕ ክንደይ ደስ ዘብል ዜና እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኰሎምቢያ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ምስ ርእሰ ብሔር ሳንቶስ ክልተ ሳዕ ክሌኣዊ ዝርርብ ከምዘካይዱ እውን ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም፣ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ኣእምሮይ ዝተሓትመ እቲ ኩሉ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ሕዝቢ ኣብ ሓሳብካ ይመላለስ እሞ ስለኡ ክትጽሊ ትድረኽ ስለኡ ክትጽልይ ባህ ይብለካ፣ ጐይታይ ንዓይ ምሕረትካ ነቲ ሕዝቢ ድማ ዓቅቦ ሓልዮትካ ኣንብረሉ ዝብል ጸሎት የቕርብ።

መናድቕ ይቕደም ይድሓር ክፈርሱ እያቶም፣ ስደተይናታት ምእንጋድ

ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ኣፍሪቃ ዝምዝመዝ ዘሎ ክፍሊ ዓለም እዩ። ኣክዲ ምዝምመዛ ኣብታ ክፍሊ ዓለም ንመደብ ልምዓት ዝሓለነ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ እንተዝኽወን እቲ ሎሚ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ኣይመሃለወን ቢሎም፣ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ስደተይና ንምንጻግ ተባህሉ ዝቐውሙ መናድቕ ብሓቂ መፍትሒ ኣይኰነን ብርግጽ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኽሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ኤውሮጳ ኣብ ጽንኩር ኩነት እያ ትርከብ ዘሎ፣ እዚ ኣይስሕቶን እየ፣ መናድቕ ምንዳቕ ግና መፍትሒ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ኣይፈልጥን፣ ይውዓል ይሕደር ፈራሲ እዩ። እቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት እዩ መፍትሒ ክረክብ ዝግብኦ። እዚ እዩ እቲ መገዲ፣ እዚ መገዲ’ዚ ድማ ብርግጽ ኩሉ ዝፈልጦ እውን እዩ። መንደቕ ምሕናጽ ካልእ ጽልእ ይወልድ። ስለዚህ መንደቕ መፍትሒ ዘይኰነስ ካልእ ሽግር ዝቕስቅስ እዩ ኢሎም።

ካቶሊካዊ ፍትሕ ዝበሃል የልቦን፣ ምስጢረ ተኽሊል ዘይብተኽ ነባሪ እዩ

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ኣተኵይሩ ዝካየድ ሲኖዶስ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ፍሩስ ዝብል ውሳኔ ዝምልከት ሕዳሴ ዝተሰርዓ ምስጢረ ተኽሊል ዝምልከት እዩ። እዚ ድማ ነቶም ተፋቲሖም ዝነብሩ ዘለዎ ምእመናን ካቶሊክ ዝምልከት እዩ። እቲ ዝኣሰርዎ ቃል ኪዳን ፍሩስ ዝብል ውሳኔ ከይተወሃቦ ብፍትሓ ብሔር ፍቱሓት ተባሂሉ ዝነብሩ ካልአይ ሓዳር ዘቖሙን እያቶም፣ ካቶሊካዊ ፍትሕ ዝበሃል ዘረባ የሎን፣ ከምዚ ዝሓስቡ እንተለዉ ይጋገዩ። ብሕገ ቀኖና ፍሩስ ክብሃለሎም ሰብ ሓዳራ ዘቕርብዎ ሕቶ ኣጻሪኻ ውሳኔ ንምሃብ ዝግበር ከይዲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ተደናጓይ ከይከውን መታን እቲ እዋናዊ ኣሰራርሓ ክቕየር ዝብል ሕቶ ድማ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ዘቕረብዎ እዩ።

እቲ ዘጽደቕዎ ሓድሽ ዛዕባ ፍትሕ ዝምልከት ውሳኔ ምስጢረ ተኽሊል ዘይብተኽ ነባሪ ምዃኑ ዝኽሕድ ኣይኰነን፣ ወይ ድማ ፍትሕ ዝፈቅድ ኣይኰነን፣ ምስጢረ ተኽሊል ምቕያር ኣይከኣል እዩ። ክፍሊ ዓንቀጸ እምነት እዩ። እቲ ዝተኣስረ ምስጢረ ተኽሊል ቅዱስ ምስጢራዊ ዘይነበረ እንተድኣ ነይሩ ምጽራይ የድሊ፣ ስለዚህ ዝተፈላለዩ ፍሩስ ዘብሎ ምኽንያት ክህልዉ ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ተነቢሩ ኣሎ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጽንሲ ስለ ዝሓዘት ናይ ግድን ክትምርዓው ቢልካ ቁልጡፍ መርዓ ምፍጻን እቲ ሓደ ጌጋ እዩ። ደጋዊ ክብርኻ ንምሕላው ቢልካ ስድራ ቤትን እቶም ሕጹያትን ተቓላጢፎም ዝኣስርዎ ቃል ኪዳን ክተርፍ ኣለዎ። እዚ ዓይነት መርዓ ብዙሕ ዘይጸንሕ እዩ። ዝጸንዕ የሎን ማለት ኣይኰነን። ዝተፋትሑ ካልእ ሓዳር መስሪቶም ዝነብሩ እውን ኣለዉ፣ ሰለዚህ ነዚ ኹሉ ጸገም ግምት ምሃብ የድሊ። ዝተፋትሑ ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ሱታፌ ዝብልሉ ነጥብታት እቲ ዓቢይ ጸገም ኣይኰነን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰያት ዳርጋ ካብ መርዓ ዝርሕቑ እያቶም እዚ ኩሉ ድማ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆ እዩ። ብዛዕባ ፍትወትን ፍቕርን ብስለት ክህልወካ ይግባእ። እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ሕቶ እዩ። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ መንእሰይ ንምስጢረ ተኽሊል ምስንዳው ዝግበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሱል ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘቕርብ ካህን ድዩ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ክንዳይ ዝተሰናደወን ሰብኣውን መንፈሳውን ብስለት ዘለዎ ክኽውን ከምዝግብኦ ድማ ዘይስሓት እዩ። ተራ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝበሃል ከይዲ የሎን።

ናይ ሕሊና ተቓውሞ ክፍሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ

ሓደ ጋዘጠይና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ክምርዓዉ ዝፈቅድ ዝጸደቐ ውሳኔ ዝነጽጉ ወይ ድማ ናይ መርዓ ወረቐት ምስክር ኣይንፍርምን ዝብሉ ናይ ቤት ምኽሪ ከተማታት ኣካላት ኣለዉ፣ እዚ ከመይ ትርእይዎ እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፣ ቅዱስ ኣቦና እንክምልሱ ናይ ሕሊና ተቓውሞ ክፍሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፣ ስለዚህ ማንም ክኽሕዶ ክሓኰን ተኽእሎ የብሉን።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ንርሑቕ ምስራቕ ክፍሊ ዓለም ዘለዎን ፍቕሪ ገሊጾም፣ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ሰናይ ስምምዕ ጸኒዑ ብሓቂ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ዓቢይ ሃንቀውታ ከምዘለዎም ገሊጾም፣ ቻይና ብባህላውን መንፈሳውን ስነ ፍልጠትን ሃብቲ ዝተዓደለት ሃገር እያ ምስኣ ምሕዝነት ዘዕብይ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ነናቱ ሓላፍነትን ጸዋዕታን ኣለዎ፣ ምትሕንፋጽ ጸዋዕታ ዝበሃል ወይ ድማ ጸዋዕታ ከከም ዝደለኻዮም ምቅይያር ኣይከኣል እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዝበልዎ ክህነት ንደናግል ዘይክወን እዩ። እዚ ድማ ውስንነት ምለት ኣይኰነን፣ ሰብኣይን ሰበይትን ነናቶም ጸዋዕታን ምዃንን ኣለዎም፣ እዚ ምዃን ምዝባዕ ኣየድልይን።

ስልጣን ሓላፍነት ሓላፊ እዩ፣ ከም ኣገልግሎት እንተድኣ ዘይተረዳእካዮን ዘይነበርካዮም ኩሉ ሳዕ ሃረርታኡ ከሳቕየካ እዩ። እቲ ስልጣን ሊሚ ኣሎ፣ ጽባሕ ከይህሉ ዝከኣል እዩ። ሓይልን ዓቅም እውን ክውሕደካ እዩ። እቲ ስልጣን ከም ኣገልግሎት ምርኣዩ ናጽነት እዩ።

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ደኣ እምበር ኰኾብ ኣይኰንኩን

ኣብ ኩባን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ ስፍራ ንቕድስነቶም ዝግበረሎም ኣቀባብላን ህዝቢ ዘርእዮ ፍቕሪ  ከም ሓደ ውሩይን ኰኸብን ሰብ እንክብሉ ብዙሓት ይገልጽኹም ንስኹም እንታይ ትብሉ ዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉስ ኣብዚ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ መለለዪ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣገልጋሊ ናይ ኣገልግልቲ ዝብል እዩ። እዚ ካብ ጥንቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝግለጽሉ ቃል እዩ። እዚ መለለዪ’ዚ ድማ ከንደይ ደስ የብል፣ ዘይበርስ ቀጻሊ መለለዪ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.