2015-09-29 15:29:00

ቃል እግዚአብሔር ነቲ ሕይወት ብምሃብ ህላዌ እግዚአብሔር ንዝገልጸልና ትንቢት ኪዳን ሰብአይን ሰበይትን ንክንሳተፍ ይዕድመና፡ ር.ሊ.ጳ


ብጸጋ እግዚአብሔር ረድኤት እኖና እግዚእትነ ማርያምን ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ነቲ ብክዩባ ዝጀመርዎ ንዓሠርተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓሥራይ ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ብዓወት ዛዚሞም ትማሊ ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ዓሠርተ አብ ቻምፒኖ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ወሪዶም፣ ቀንዲ ናይቲ ሓውጾተ ኖልዎ ምኽንያት ንዝነበረ ሻምናይ ዓለምለኸ ጉባኤ ስድራቤት አብ ፊላደልፍያ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ምእመናንን በሽሓት ዝቍጸሩ ጳጳሳትን ብቅዳሴ ብምዝዛም “ቃል እግዚአብሔር ነቲ ሕይወት ብምሃብ ህላዌ እግዚአብሔር ንዝገልጸልና ትንቢት ኪዳን ሰብአይን ሰበይትን ንክንሳተፍ ይዕድመና፡” እንክብሉ ንሥድራቤት ኵልና ክንግደሰሉን ክንሰርሓሉን ሓደራ ቢሎም፣

ቅዱስነቶም ከምቲ ቅድሚ ነቲ ጕዕዞ ምጅማሮም ዝገበርዎ ካብ ነፋሪት ውርድ ምስ ብቀጥታ አብታ ሕምብርቲ ሮማ እትርከብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ነታ ሳሉስ ሮማኖሩም ጥዕና ሮማውያን እትፍለጥ ናይ ታቦት እኖና እግዚ እትነ ማርያም ብምኻድ ብግሊ ናይ ምስጋና ጸሎት አዕሪጎም፣

ከምቲ አብ ዝሓለፈ መደባትና ዝገለጽናልኩም እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ንምሉእ አመሪካን ዓለምን ብብዙሕ መንገዲ ዝተንከፈን ዘዘራረበን አብ ርእሲ ምዃኑ ከምቲ ንሶም ብተግባር ዘርአይዎ “ቅድስናን ታሕጓስን ምናዳ አብታ መሠረትና ዝኾነት ሥድራቤት አብ ነንሕድሕድና እንገብሮ ናአሽቱ ሠናይ ነገራት ዝተአሳሰረ ምዃኑ እዚ ከአ ካብ ሥድራቤት ጀሚርካ ካብ ፍትፍቱ ፊቱ ከምዝበሃል ንዝቅረብ ብፍሕሽው ገጽን ብፍቅርን ምቅራብ ንዝበሃል ብልዙብ ቃላት ምባል ሓደርካ መዓልካ ምስ ሠናይ ምንዮቱ ምግላጽ ዚአመሰሉ ነአሽቱ ነገራት እዩ” እንክብሉ ነዚ ውሕስነት ኩሉ ዝኾነ ሥድራቤት ክንከናኸኖ ሓደራ ቢሎም፣

ንሕና ዝተኻእለና እንተገበርና አቦና ዝኾነ እግዚአብሔር ከአ ፍቅሩ አብ ልብናን ዓለምን እናዘርኤ ይሕግዘና፣ አቀዲሙ ንሱ እዩ ዘፍቅረና ብ አስተንፍሶ መንፈሱ እናመርሓና ከአ በታ አብ ፍቅሪ ዝተመሥረተት እምነት አሜን ክንብሎ ይደሊ ብትዕግሥቲ ከአ መልስና ይጽበ፣ ስለዚኸስ ኩልና ምናዳ ሥድራቤት አብ ሓልዮት አምላኽ ክተአማመኑ ከምቲ ዝብለና ኸአ ንጽቡቅ ነገር ከይዓንቀጽና ንክድንፍዕ ክንሕግዞ አሎና፣ ዝነዓቅ ወይ ን እሽቶ ዝበሃል ሠናይ ነገር የለን ከምቲ አብ ወንጌል ዝብሎ “ንሓደ ካብዞም ናአሽቱ ብሽመይ ሓደ ብርጭቆ ማይ ዘስተየ ዓስቡ ከምዘይስእን ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” እዩ ጉዳዩ፣ እሞ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን እንተደአ ቢልና ነቢያት ናይዚ ዘመንና ክንከውን ስለ እንኽእል ከምቲ ንደቅና መጻኢ ክንሃንጸሎምን ክነውርሶምን እንደሊ ነዛ ናይ ሓባር ማሕደርና ዝኾነት አይነምክና፣ ብሓፈሻ ከም ሓደ ሥድራ ናይ ዓለምና ሓባራውን ተደጋጋፍን ምዕባሌ ሃሰስ ንበል፣ ደቅና ካባና ናይ ምፍልላይ ዘይኮነ ናይ ሓድነትን ውህደትን ነገራት ክወርሱ ንግበር፣ ደቅና አባና ነቲ ሰማያዊ አቦና አባና ዝዘርኦ ሠናይ ነገር በቍሉን ዓንቢቡን ከምዝር እዩ ንግበር፣ አብዚ ብምክፍፋልን ዕንወታትን ደኺሙ ዘሎ ዘመንና ናይ ሥድራቤት በዓል እንክንገብር ብሓቂ ትንቢታዊ ዝኾነ ሓደ ነገር አሎ ስለዚኸስ ሥድራቤታ ኩለን ብቃል አምላኽ እምነተን ከሓድሳን በዚ ሕይወት እናሃበ ህላዌ እግዚአብሔር ዝገልጽ ናይ ሰብአይን ሰበይትን ኪዳናዊ ትንቢት ከአ ኵልና ክምንሳተፍ ይኹን ክብሉ ሓደራ ምስ በሉ፣ ብምስጋና ናይ ፊላደልፍያ ሊቀጳጳሳትን ዝመጽእ ዓለምለኸ ሶሙን ሥድራቤት ድሕሪ ሠለስተ ዓመት አብ ከተማ ዳብሊን ሃገር አየርላንድ ብ2018 ክካየድ ምዃኑ ብምግላጽን አብ አጋ ምዝዛም በጺሑ፣ ቅዱስነቶም ቅድሚ ቡራኬ ምሃቦም ንሓሙስቲኤን አህጉር ብዝውክል መንገዲ ንወንጌል ሉቃስ ከም ናይ ሥድራቤት ወንጌል ካብ ነፍሲወከፍ አህጉር ንሓንቲ ሥድራቤት ብምሃብ ነቲ ኪዱ ንኩሉ ዓለም መሃሩ ዝብል ቃል አምላኽ ደጊሞም፣

ከምቲ አብ ዝሓለፈ መደባትና ገሊጽናዮ ዝነበርና መደብ ከአ ካባኡ ናብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ፊላደልፍያ ብምኻድ ነቶም ነቲ በዓል ዘሰናደወት ኮሚቴን ወለኛታትን ደገፍትን አመስጊኖም ባሪኾም በብሓደ ሰላም ቢሎሞም፣

ንከፋንውዎም አብቲ ቦታ ካብ ዝነበሩ ሰበሥልጣን መንግሥቲ ምስ ምክትል ፕረሲደንት ጆ ባይደንን ሥድራቤቶም ብምርኻብን ከምቲ ናይ አቀባብላ ዝመስል ድሙቅ ስንብት ገሮምሎም ንሮማ ገጾም ነቀሉ፣ አብ ነፋሪት ምስ ጋዜጠኛታት አብ ዝተዘራረቡሉ ዝቀረበሎም ሕቶን ዝሃብዎ መልስን አስዒብና ነቅርበልኩም፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.