2015-09-26 17:15:00

ቅዱስ ኣቦና፦ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኒው ዮርክ መዲሶን ቅርዓት ስፍራ ኣታኽልቲ


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኒው ዮርክ መዲሶን ቅርዓት ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “እቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ሕዝቢ ዓቢዪ ብርሃን ረአየ” (ኢሳ. 9,1)። እቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብርኡ ዲልን ምውዳቕን ፍርሕን ዕድላትን ዘጓንፎ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ። እቲ ምስ ሓጎሱን ተስፋኡን ምረቱን ምድንጋራትን ዝመላለስ ሕዝቢ ብርሃን ረአየ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ዝለገስዎ ስክበት፦  

ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝመላለስ ህዝቢ ነዛ ብርሃን እዚኣ ከስተንትን ዝተጸውዔ እዩ። ናይቲ ኣማኒ ህዝቢ መለለዪ ድማ ኣብቲ ድቅድቕ ዝበለ ጸልማት ነታ ብርሃን ምልላይን ምርኣይን ብቕዓቱ እዩ። እምነት ድማ እዚ እዩ። ኣቲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ከተማታትናን ሃገራትን ክበጽሕ ዝደሊ ብርሃን ድማ እዩ። እቲ ኣብ ጸላም ዝመላለስ ዝነበረ ሕዝቢ ብርሃን ረአየ እዩ መለልዪ።

ኣማኒ ህዝቢ ክርእን ከለልን ከስተንትንን ኣብ ሕይወቱ ኣብ ህላዌ እግዚኣብሔር ዘንብርን ዝነብርን እዩ። ኣብቲ እንነብረሉ ዘሎና ከባቢ ኣየር ዝተበከለሉ ዓለም እቲ ነቲ ዓቢዪ ብርሃን ዝርእይ ሕዝቢ ኰይንና ክንርከብ፣ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ከነስተማቕር።

ዓቢይ ከተማ ዝተሓላለኸን ኩነታቱ ህብረኣዊ እዩ፣ ህብረ ባህልታት ብቐሊሉ ክፍታሕ ብዘይከኣል ህብረ ብድሆታት ዝተመልኤ እዩ። ሃብቲ ህብረ ባህልን ህብረ ታሪኽን ህብረ ልምድታት ዝተመልኤ እዩ። ብቐዳማይን ብካልኣይን ደረጃ ዝስርዑ ዜጋታት ዝነብርዎ እዩ ዝመስል። ዋዕዋዕን ጫውጫውታን ጻዕቒ መካይን ዝተመልኤ፣ ናይ ብዙሓት ዝሳቐዩ ዜጋታትን ዝተናዕቁን መሰልን ክብርን ገጽን ኩሉ መሰል ዝተነፍጎም ስደተይናታትን ደቃቶም ከይትርእይ ዝኽውል ጫውጫው ዝተመልኤ እዩ። ትምህርትን ሕክምናን ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብሩን ዝተነፍጎም ግዳም ሓደር ዝተመልአ፣ እዚ ዘይባርህያዊ ባህርያዊ እናዀነ ቅቡል ክይኑ ይርአይ። ብፍላይ ድማ እቲ ዘሕዝን እቲ ቁብልነት ኣብ ልባትና ምብጽሑ እዩ።

ሎሚ እውን ኣብ መገዲ ከተማታትና ኢየሱስ ይሓልፍ ከምዘሎ ምፍላጥ የድሊ። ንዅሉ ሕዝቢ ኣብ ሓንትን እንኵን ታሪኽ ድሕነት ከሳትፍን ካብታ ብተነጽሎ ንኽንነብርን ናይ ካልኦት ስቓይን መከራን ከይንርእይ ካብ ዝድርኽ ሓይሊ ናጻ ብዘውጽእ ተስፋ ክመልኣና ቢሉ ኣብ መንጐ ሕዝብ ኣብ መንጐናን ሎሚ ኢየሱስ ይሓልፍ ኣሎ።

ነቢይ ኢሳያስ ስለ እቲ ኢየሱስ ዝዀነ ብርሃን ይዛረብ። እግዚኣብሔር ቃል ሰደደ ኣብ ምዕራፍ 9,5 ኢሳያስ ኢየሱስ መን ምዃኑ ይሕብረና። ስለዚህ ነዚ ብርሃን ምርኣይ ክንመሃር ኢሳያስ ክመርሓና ኢዩ።

ኢየሱስ “ግሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘለኣለም መስፍን ዘላም” ምዃኑ ኢሳያስ ክምህረናን ክመርሓና እዩ።…. እዚ ድማ ወንጌላውያን መምህር እንክብሉ ዝገልጽዎ ኢየሱስ ዘረጋግጸልና ሓቂ እዩ።

ብርቱዕ ኣምላኽ፦ ኣማኑኤል ምስና ሓቢሪ ኣብ ዝጓዓዝን ኣብ ጉዕዞና ዘሰንየና እግዚኣብሔር ኣብ መንጐና ኰነ።

ኣቦ ዘለኣለም፦ ሓደ እኳ ካብ ፍቕሪ ዝፈልየናን የልቦን፣ ምሕረትን ፈቃርን ኣምላኽ ምዃኑ ኩዱ ንኹሉ ኣበስሩ። ከምቲ ሓደ ኣቦ ደቁ ካብ ገዛ እንክወጹ ክምለሱ ዝጽበ ኣምላኽና እውን ከምኡ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ክሓቕፈና ወትሩ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝጽበ ኣምላኽ። ኢሳያስ ምዕ 61,1 “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሔር ቀቢኡኒ እዩ እሞ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኸዘንን ንምሩኻት ሓርነት ንኡሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ እተን ኣእዳው እግዚኣብሔር ሓርነት ሒዘን እየን ዝሓቝፋና።

ናይ ሰላም ንጉስ ናብ ኩሉ ምብጻሕ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ከተማታትኩም ይነብር ኣሎ፣ እታ ኣብ ከተማታትኩም እትነብር ቤተ ክርስቲያን እቲ ግሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘላኣለም መስፍን ሰላም እትምስክር እያ። “እቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ሕዝቢ ዓቢዪ ብርሃን ረአየ” (ኢሳ. 9,1) መሰኻኽር ኢና። እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.