2015-09-26 16:55:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዛባዊ ባይቶ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባይቶ ብናይታ ሃገር ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 10 በጺሖም ናብቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ኣተዉ ብውዕዉዕ ጣቕዒት ዝተሰነየ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይታ ሃገር ህዝባዊ ባይቶ ዘረባ ዘስምዑ ቀዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኾኑ እንከለዉ፣ ሰላምታኦም ንምኽትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንኣፈይና ባይቶን ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ባይቶን ሰላምታ ብምቕራብ ዘስምዕዎ ቃል ኣበጊሶምን ገዛእ ርእሶም ካብ ስደተይና ስድራ ዝተወልዱ ወደ ክፍሊ ዓለም ኣመሪካ ምዃኖም ኣላልዮም እቲ ምእንጋድን ምኽባር ነጻነትን ኩለ መዳያዊ ዓመጽን ናይ ሞት ፍርድን ንግድ ኣጽዋር ውግእን ካብ ሰብ ሓለፋ ንኤኮኖምን ምቅዋም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘማእከለ ዘረባኦም፦

ብድሆ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ኣባላት ባይቶ ናይ ሓባር ጥቅምን ሓድነትን ሓልዮ ንተኣፈፍቲ ክህሊ ሕብረተሰብ ምርግጋጽ ዝብል እዩ። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ከምቲ ሙሴ ኣቦን ሓጋጊ ሕዝበ እስራኤል ብመጋበሪያ ሕጊታት ኣቢሎም እቲ በኣርአያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽከላኸሉ ዝተጸውዑ እያቶም ኢሎም።

ናይ ሓባር ጥቕሚ ከናድዩን ከረገግጹን ከምዝግብኦም እተሓሳሲቦም እቲ ዘገድስ ዜጋታት ዝኸፈልዎ ሃገራዊ ግብሪ ጥራሕ ዘይኰነስ በቢ ዕለቱ ዕለታዊ ናብራ ሕዝቦምን ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ክድግፉ ዝብል እዩ።

ቅዱስነቶም እዋናዊ ኩነት ምስቲ ወትሩ ዝኽፈል መስዋዕትነት ኣተሓሒዞም ከምቶም ዝሓለፉ ኣብርሃም ሊኮልን ማርቲን ሉተር ኪንግን ዶሮትይ ደይን ቶማስ መርቶንን ንሰናይ መጻእን ንናይ ሓባራዊ ጥቐምን ዝተጋደሉን ዘኪሮም፣ ነቲ በዚ መንፈስ’ዚ ድማ ሓደ ሕዝቢ ማእለያ ብዘይብሎም ቅልውላዋት ዝሓልፍ እውን እንተዀነ ወትሩ ንቕድሚት ዘብሎ ሓይሊ ክረክብን ብኽብሪ ክፍጽሞ ዝከኣሎ እዩ።

እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ወትሩ ብሽም እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ኣውን ከይተረፈ ናይ ዓመጽን ጽልእን ዘስካሕክሕ ጭካኔን ተግባራት ባይታ ኰይኑ ኣሎ፣ ክንፈልጦ ዝግብኣና ድማ ዝዀነ ይዅን ሃይማኖት ካብ ውልቃዊ ምትላላትን ካብ ስነ ሓሳባዊ ኣኽራርነትን ፈተና ናጻ ከምዘይኰነ እዩ። መንፈስ ክኣፍትን ሰናይን ቅኑዕን ሓጢኣትን ናብ ዝብል ገማማዒ ዋልታውነት ፈተና ከይውደቕ ኩለ መዳያዊ ነጻነት ክኽበር ኣለዎ። ብሉጽ ዓለም ዝሕነጽ፣ ስኒ ብስኒ ዓይኒ ብዓይኒ ዝብል ምርጫ ኣይፋል ምባል ምዃኑ ዘቃልህ ሓሳብ እውን ኣቕሪቦም።

ፖለቲካ ናይቲ ዘይዓርብ ብሓባራዊ ሓድነት ምንባር ዝብል ድላይ መግለጺ እዩ። ከምቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ካብ ሰልማ ክሳብ ሞንትጎመርይ ስለ ምሉኣዊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጸልመቲ-ኣመሪካውያን ዝጽውዕ ዘካይዶ ናይ ሰላም ጉዕዞ እግሪ ባዕሉ ዝሓልሞ ሕልሚ እንክብል ዘቃልሖ ተግባር ሎሚ ንብዙሓት ደቂ’ዛ ሃገር ኣስተንፎ ኰይኑ ኣሎ፣ ንሕና ደቂ ክፍሊ ዓለም ኣመሪካ ስደተይና ከፍርሓና የብሉን፣ ሓደ እዋን ገዛእ ርእስና ስደተይናታት ዝነበርና ኢና።

እቲ ካልኦት ክገብሩልካ እትደልዮ ንኻልኦት ምግባር፣ ውሕስነት ንደሊ እንተድኣ ኰይና ውሕስነት ንሃብ፣ ሕይወት እንደሊ እንተድኣ ኰይና ሕይወት ንሃብ፣ ዕድል ንደልይ እንተድኣ ኰይና ዕድል ንሃብ ምስ ዝብል ሓሳብ ድማ ኣተሓሒዞም ናይ ሞት ፍርዲ ጠሪሹ ክውገድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፣ ሕይወት ክቡርን ቅዱስን እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘይግሃስ ክብሪ ዝተጸገወ እዩ፣ መኽሰብ ሓደ ሕብረተሰብ እቶም ገበነይናታት ተሓዲስም ምስ ሕብረተሰብ ምንባር ክኽልኡ ካብ ምግባር ደኣ እምበር ካብ ምቕታሎም ኣይኰነን። ቀጺሎም እታ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ዝመስረተት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዶሮትይ ዳይ ዘኪሮም ሰብ ካብ ሕሱም ድኽነት ኣብ ምልቓቕ ዝሃብቶ ኣብነት ሎሚ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንምውጋድ ሓባሪ መገዲ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ነታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዙሕ ጊዜ እናተወከሱ  ናይ ሓባር ጥቅሚ ንምርግጋጽ ድማ ተፈጥሮ ምኻባርን ምክንኻንን ከምዘድሊ ኣዘኻኪሮም፣ መነኮስ ተማስ መርቶን ጸላይን ኣብ መንጎ ሕዝብታትን ሃይማኖታትን መራኸቢ ድልድል ክህሉ ስለ ሰላም ዝሃቦ ኣብነት ጠቒሶም፣ ሎሚ ኣብ መንጐ ኵባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተበጊሱ ዘሎ ሰናይ ርክብ ኣብ መንጐ ሃገራት መራኸቢ ድልድል ኣገዳሲ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢሎም።

ናይ ፖለቲካ ኣካል ናይ ዘተን ሰላምን መጋበርያ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ። ኣተሓሒዞም ንግድ ኣጽዋር ውግእ ኮኒኖም፣ ነዚ ብንጹሓን ደም ዝጨቀወ ተግባር ደው ክብል ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት ምስ በሉ፣ ነቲ ኣብ ፊላደልፊያ ዝካይድ ሻምናይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ጠቒሶም፣ ጽባቔን ውህበትን ስድራ ቤት ኣብሪሆም፣ እቲ ናይ ምዝማድ መሰረት ዝኾነ ናይ መርዓን ስድራ ቤትን መሰረት ሎሚ ኣብ ሕቶ ክኣትው ይረአይ ኣሎ፣ መንእሰያት ካብ ዝተፈላለዩ መጻወዲያታት ንምልቓቕ ዕድላት ክፍጠረሎም ናይ ብሩህ መጻኢ ዕድላት ክፍጠረሎም፣ ጸገሞም ጸገምና እዩ ቢሎም ብሉጽ መጻኢ ኣብ ምህናጽ ክትጋህ ተላብዮም፣ እግዚኣብሔር ንኣመሪካ ይባርኽ ቢሎም ሓደራ ስለይ ጸልዩ ካባኻትኩም ዘይኣምን እንተሎ ድማ ሰናይ ይመነየልይ።

የቐንየለይ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.