2015-09-26 17:09:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃርለም ምስ ሕጻናትን ስድራ ኣባይቲ ስደተይናታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ መላእክት


ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብሩኽ ምሸት

ኣብዚ ኣብ መንጐኹም ብምርኻበይ ኣዚየ ሕጉስ እየ።…ንዘገበርኩምለይ ኣቀባብላን እንገዳን አመስግን። ኣብ መንጐ ናይ ትምህርቲ ሰዓት ስለ ዝተረኽቡ ድማ ነቶም መምሃራን ኣይትሓዙለይ እብል….።

ቅድም ክብል ከምእተሓበረኒ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወጻኢ ዝመጹ ተመሃሮ ብብዝሒ ይርከቡ። እዚ ድማ ጽቡቕ እዩ። ካብ ሃገርካ ወጺእካ ካልእ ቤት ከተናድን ሓደስቲ መሓዙን መካይድትን ከተናዲ ቀሊል ከምዘይኰነ እፈልጦ እየ። ኣቲ ዘገድስ ግና ንቕድሚት ምኻድ እዩ። ሓድሽ ቋንቋን ሓድሽ ባህልን ምስ ዘእንገደካ ሃገር ክትላለንን ምስ ባህሉ ክትወሃድ ቀሊል ኣይኰነን፣ እዚ ድማ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ ክትመሃሮ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ቦታ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስም ኣሎ፣ እዚ ድማ ንመጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝገልጽ እዩ። ሓደ እዋን ንሱ  “ሕልሚ ኣሎኒ” በለ እዚ ድማ ብዙሓት ሕጻናትን መንእሰያትን ዜጋታትን ማዕረ ዕድል ዝብል ሕሊሚ ዝመሳሰል እዩ። ብኽብሪ ተኸቢርኩም ግቡእ ዕለታዊ መነባብሮ ኣማዕዲኹም ዝሓለምኩም እውን ኢኹም፣ ሰናይ ሕልሚ ክህልወካ ክንደይ ባህ የብል፣ ስለ እዚ ሰናይ ሕልሚ ምቅላስ ጽባቔ እዩ። ሓደራ ከይትርስዕዎ።

ሰናይ ሕልሚ ምሕላም መሰልን ክብርን ኣለኩም። ኣብቲ ሰናይ ሕልሚ ኢየሱስ ህልው እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ እቲ ክፍኣት ዝዘርእ ዲያብሎስ ኣይድቅስን እዩ። ዘይግብእ ድላይ ክዘርእ ዝነቅል እዩ። ሕጉሳት መታን ከይትዀኑ ትካዘ ክዘርእ እዩ። ክንሓልም ኣይደልየናን እዩ፣ ስለምታይ ሓጐስ ኣብ ዘለሉ ቦታ ኢየሱስ ኣሎ። ኢየሱስ ሓጐስ እዩ። እዚ ሓጐስ እዚ ድማ ዕለት ብዕለት ነባሪ ክኸውን ክድግፈና እዩ።

ቅድሚ ምፍናወን ዕዮ ገዛ ክህበኩም ባህ ይብለኒ። እዚ ዕዮ ቤት ድማ ስለይ ጸልዩ ዝብል እዩ። ከይትርስዕዎ ሓደራ። እቲ ናይ ኢየሱስ ሓጐስ ምስ ብዙሓት ክካፈሎ መታን እዩ። ኩሉ ናይ ኢየሱሱ ሓጐስ ሱታፌ ክህልዎ መታን ንጸልይ፣ ጸገም ዘሎ እውን እንተዀነ ኢየሱስ ስለ ዘይሓድገና እቲ ሰላም ኣብ ልብና ክህልው እዩ።

ንነፍሲ ወከፍኩም እግዚኣብሔር ይባርኽኩም እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትዓቅብኩም

የቐንየለይ፣ ቢሎም ብሓባር እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነርብ ጸሎት ደጊሞም ተሰናቢቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.