2015-09-22 16:07:00

ኣስተምሆር ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር


ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብታ ደቃ ሰላም ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ኣብ ዝተጸምዱላ ኣብታ መስቀለይና ኩንት እትርከብ ዘላ ሃገረ ኮሎምቢያ ብዝተሓደሰን ካብ ተስፋ ብዝተነቓቕሔን ሓይሊ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣስተውዕሎ ክረክብን፣ ሰላም ንምርግጋጽ ኣሚቱ ብርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ መንጐይናነት ኣብ ሃቫና ኣብ መንጐ መንግስቲ ኮሎምቢያን ሶውራዊ ዕጡቕ ሓይሊ ኰሎምቢያን ዝካየድ ናይ ሰላም ዘተ ነቲ ዝተሓደሰን ካብ ተስፋ ዝተነቓቕሔ ሰላም ዝኣመተ እዩ ኢሎም።

ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ግጭት ናይ ብዙሓት ንጹሓን ደም ክፈስስ ዝገብር እዩ። እቲ ደም ንጹሓን ነቲ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ምስ ዝሃበ ናይ ኢየሱስ ክርቶስ ደም ውህደት ዘልዎ ነቲ ስለ ኰሎምቢያ ኣብ ኵባ ዝካይድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ይደግፍ፣ በዚ መገዲ’ዚ ድማ እቲ ናይ ነዊሕ ለይቲ ስቓይን ዓመጽን ናብቲ ዘይዓርብ ስምምዕን ፍትሕን ሕውነትን ፍቅርን ምክብባርን ምኽባር ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሉኣላውነት ሕጊ ዝብል ናይ መላእ ኰሎምቢያውያን ድላይን ዘረጋግጽ ይዅን። በጃኻትኩም እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘተ ከይፈሽል ሓደራ።

ቅዱስ ኣቦና ስለ እቶም ተስፋ ዝቖረጹን ናይ ምንባር ቃልሲ ምኽንያት ዝስኣኑን ብኢፍትሓውነት ዝሳቐዩን ዝተሓድጉን ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮን ኣብ ጽምዋ ንኽነብሩ ዝተገዱን ኣረጋውያንን ህሙማንን ሕጻናትን መንእሰያትን ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ እኖና ማርያም ንብዓቶም ክትሕብሰሎምን ተስፋን ሓጎስን ዳግም ከተጸግዎም በቲ ኣናታዊ ፍቕራ ከተጸናንዖም ንጸልይ። ኦ ቕድስቲ ማርያም ደቂ ኵባ ንኣኺ የማዕቁብ ቢሎም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.