2015-09-22 16:10:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 መስከረም 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ኩባ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባ ፈሊክስ ቫረላ ኣተሰምየ ናይ ባህሊ ማእከል ፊት ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ምስ መንእሰያት ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ካብቶም መንእሰያት ንዝቐረበሎም ሕቶ ድሕሪ ምስማዕ መንእሰይ ወትሩ ልዑል ክብሪ ክሓስብን ኣብ ጉዕዞ ጎዳና ንበይኑ ኣይኹን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው መንእሰይ ዓቢይ ነገር ክሕልን ዘይከኣሎ እዩ፣ ጸኒዕኩም እቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ብሉጽነት እትዕድሉ እንትድኣ ኰይንኩም ዓለም ክልወጥ እዩ። ዝበለጸ ንምልጋስ ተለማመዱ። ካባና ዝተፈልይ ሓሳብ ዘለዎ ንምኽባር ንመሃር፣ ብዙሓት ኣብ ገዛእ ርእስና ዕጹዋት ምዃን ንመርጽ፣ ኣብ እተቐበልናዮን ኣብ እንኣምኖን ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብን ናይ ሃይማኖት ኣመለኻኽታን ውሽጥ ገዛእ ርእስና ንዓጽው፣ ሃይማኖት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘዕጽው ጽንሰ ሓሳብ ገርና ክንጥቕመሉ እንከለና ናይ ሃይማኖት ልዑል ክብሩ ነጥፍእ። ብእንስዕቦ ርእየት ዓለምን ግብረ ገብን ሃይማኖትን ገዛእ ርእስና ኣይንዕጸው ሓደራ። ክፉት ልብን ኣእምሮን ይሃልወኩም፣ ምርኻብን ዘተን ዝጠፍኤ እኮ ኣብቲ ዝፈላልየና ስለ እነተኵር ኢና። እቲ ዘወሃህደና ሓደ ዝገብረና ንሕሰብ፣ ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ንትጋህ። ዓለም ዘባድም መንፈስ ጽልእ እዩ። እቲ ኣዚዩ ዝለዓለ መንፈስ ክፋኣት ድማ ውግእ እዩ። ምግምማዕ ምስ ዝህሉ ሞት ኣሎ፣ ብልባትና እቲ ሓደ ዝገብረና ንሞት ኣሕሊፍና ካብ ምሃብ ደለይቲ ማሕበራዊ ምሕዝነት ንኹን።

መንእስይ ናይ ሕዝቢ ተስፋ እዩ፣ ተስፋ ማለት ትስፉውነት ማለት ኣይኰነን፣ ትስፉውና ሓደ ናይ ውሽጢ ኩነት ደኣ እምበር ተስፋ ማለት ኣይኰነን፣ ተስፋ ማለት እቲ ዝተወጠነ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ፈተናን ስቓይን እውን እንተጋጠመ ንዓኡ እናበዳህካ ንቕድሚ ምባል ማለት እዩ። መስዋዕትነት ዝሓትት እዩ። ፍጻሜኡ ድማ ሰናይ ፍረ እዩ። ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ ቢልካም ምሕሳብ ትስፉውነት እዩ ስለዚህ ተስፋ ግና ብመስቀል ምሕላፍ ዝንበረሉ ሰናይ ክኸውን ምእማን ማለት እዩ።

ተስፋ ክቐትሉ ዝደልዩን ዝጓየዩን ብዙሓት እያቶም፣ እዚኣቶም ድማ እቶም መንእሰይ ከም ውዳቕ ዝርእዩ እያቶም፣ ኣብዚ ገንዘብ ኣብ ዝምለኸሉ እዋን መንእሰይ ተዘንጊዑን ከም ውዳቕ ዝረአይ ኰይኑ ኣሎ። ገና ከይተወልዱ ዝቕተሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣርጋውያን ምርሳዕን ኣብ ገዛእ ርእሶም ምሕዳግ ዝብል ባህሊ መምዘኒኡ ምህርቲ ዝብል ገንዘብ ዘምልኽ ባህሊ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ድማ ተስፋ ዝሰርቕ እዩ።

ተስፋ ምግባር ንበሩ፣ ተስፋ ዘይምግባር ገና መንእሰይ እንከለኻ ጡረተይና ኰይንካ ምንባር ማለት እዩ። ብቕልጡፍ ክኸይድ ዝደሊ ንበይኑ ይጓዓዝ ርሑቕ ክበጽሕ ዝደሊ ግና መካይድቲ ይህልዎ፣ ስለዚህ ናይ ርክብ ባህሊ ብምንባር ካባና ዝተፈልየ ኣመለኻኽታ ምስ ዘለዎም ንራኽብ ሓቢርና ንጓዓዝ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.