2015-09-19 16:03:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ናብ ኩባን ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ሓጐስን ተስፋን እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 10 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ኵባን ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ካብ ዕለት 19 መስከረም ክሳብ ዕለት 28 መስከረም 2015 ንምክያድ ሎሚ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 11ን 45 ደቒቓ ከምዝነቐሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካይድዎ 10 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ብዙሕ ትጽቢትን ተስፋን ዝተነብሮ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ኵሉ ከምዝፈልጦ ኣብ ልዕሊ ኵባ ዝተወስደ ስጉምቲ ማዕቅብ ኤኮኖሚ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ምኽንያት ዝወሃቦ እውን እንተዀነ እዚ ብዘየገድስ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኩሉ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ዘይቅቡል ውሳኔ ቢላ እትገልጾ ምዃኑን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋዕላ እውን እቲ እገዳ ክሕከኽ ብተደጋጋሚ ከምዝሓተተት ኣዘኻኺሮም ሕጂ እውን እቲ ማዕቅብ ተኣልዩ ሃገረ ኵባ ኣብ ኤኮኖሚያዊ ድዩ ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ርህው ክትኸውን ዝድግፋን ንናይታ ሃገር ሕዝቢ ዕለታዊ መነባብሮ ዝድግፍ ኩነት ክረጋገጽ ተስፋ ቅድስቲ መንበር እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ብማእጾ ኩባ ዝሓልፍ ማለት ድሕሪ እቲ ኣብ ኩባ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ክኸውን ምድላዮም ታሪኽ ስደተይናታት ዘበክር ተግባር እዩ። ቅዱስነቶም ኣብዚ 10 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝብልዎ ሓሳብ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኰነን ስለዚህ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ብኩባ ኣቢልካ ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ምሕላፍ መንፈሳውን ሰብኣውን መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መስራቲ ኣቦ ሃገር እንክብሉ ንዝገለጽዎ ንፍራንቸስካዊ ካህን ብፁዕ ሓው ኹኒፐሮ ሰራ ቅድስና ክእውጅሉ እዮም፣ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 2 መስከረም ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ጳጳሳዊ ተቛም ኣብ ተክለ ሰብነት ዅኒፐሮ ሰራ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ናይ ካሊፎርኒያ መስራቲ ኣቦ እንክብሉ ገሊጾምዎ ኔሮም፣ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝምልከት ኣገላልጻ እዩ። እዞም ዝሓለፉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከማና ድኻምነትን ውስንነት ኔርዎም እዩ። ኰይኑ ግና እቲ ዝነበሮም ቅንኣትን ፍቕር ወንጌልን ኣንሕና’ኸ ኣለናዶ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም እውን ኔሮም፣ ስለዚህ ናይቲ ናይ ቅድስና እዋጅ መልእኽቲ ድማ ቅንኣትን ፍቕርን ትብዓትን ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዝባዊ ባይቶን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከስምዕዎ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ዘረባ ነቲ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝትንፍክ ኽኸውን ይክእል። ሰብ ኣብ ውሽጢ ተፈጥሮ ዝሓስብን ግምት ዝህብን ሓሳብ ድማ እዩ። ብጠቕላላ ዛዕባ ከባብን ተፈጥሮን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍላይ ድማ ናይ ምንባርን ናይ ሃይማኖትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዝተጸዋዕናን ዝተፈጥርናን ኢና ስለዚህ ድማ ምስ እዚ ጸዋዕታና’ዚ ዝሰማማዕ ኣገባብ ሕይወትን ኣነባብራን ክህልወና ዝዕድምን ነቲ መዝመዝትን ዓመጽትን ተፈጥሮ ምዃን ኣገባብ ሕይወትን ኣነባብርን ኣይፋል ክንብል ዘተባብዕ እዩ።

ብዙሓት እቲ ንሴባሕ ዝብል ዓዋዲ መልእክቲ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ርእሰ ማልነት ኤኮኖሚ ዝነቅፍ እዩ እንክሉ ዝሃብዎ ጸቢብ ትንተና ብዘየገድስ ቅዱስነቶ ሰብ ሎሚ ዝኽተሎ ኣገባብ ሕይወት እንተዘይሓዲሱን እንተዘይለዊጡን ተፈጥሮን ገዛእ ርእሱን ብጻዩን እዩ ዝጐድእ፣ ምኽባር ተፈጥሮን ብጻይን ምስ ገዛእ ርእስኻ ምኽባር ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ። ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየር ተፈጥሮን ፍጥረትን ብምኽባር ምውጋድ ዝከኣል ምዃኑ ዘተሓሳስብ ዓዋዲ መልእኽቲ ደኣ እምበር ውዱብ ባንዴራዊ ስነ ሓሳብ ዘንበልብል ዓዋዲ መልእኽቲ ኣይኰነን ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፊላደልፊያ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ሻምናይ ዋዕላ ስድራ ቤት ብዝልግስዎ ምዕዳን ከጀመሩ እዮም እዚ ድማ ኩሉ ከምዝፈልጦን ተደጋጊሚ ዝተገልጸ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካይድ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ኣብ ቤተሰብ ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝመርሕ እውን እዩ። ናይ ስድራ ቤት ጽባቔን ወንጌላዊ ምዃን ስድራ ቤት ዘቃልሕ ምዕዳን ከምዝኸውን ዘየጠራጥር እዩ። ስድራ ቤት ንእንነብረሉ ዓለም ብድሆ ምዃኑ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኖላዊ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.