2015-09-19 16:23:00

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፦ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ህልው ክነት መሪርን ዘሳቕን እዩ


ሰላም ኢራቕ ዝተሓረመቶ መሰልን ግቡእን። ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤጳራቅና ባቢሎን ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ኣብ ዒራቕ ኣቦ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ብጳጳሳዊ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ዝተጸወዔ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ብፁዕ ኣቡነ ስለሞን ዋርዱኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣተሓሳሲቦም ኣብ ዒራቕ ዘሎ ህሉው ኩነታት ጽንኩር ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ሕዝቢ ንሞትን መቁሰልትን ስደትን ምዝብልናን ይዳርግ ኣሎ ኢሎም።

ሕቡራት መግንስታት ዓለምን እተን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ኢራቕ ሰላም ክረጋገጽ ኩለ መዳያዊ ደገፈን ከቕርባ ጻውዒት ኣቕሪቦ፣ ሕዝቢ ዒራቕ ደላይ ሰላም እዩ። ኣብ ሃገሩ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት መዕለቢ ስኢኑ ኣሎ፣ እዚ ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ዝርእዮ ዘሎ ዘሳቕይ ኩነተ ማሕበረሰብ ዓለም ብሱቕታ ምርኣይ ልሙድ ዝገበሮ እዩ ዝመስል፣ ስቓይ ብጻይካ ልሙድ ጌርካ ምቕባሉ ካብቲ ስቓይ ዝገደደ ስቓይ እዩ ኢሎም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.