2015-09-19 19:34:00

ሰንበት ዘፍሬ መስከረም 9- 2008 ዓ.ም. (9/20/2015)


መዝሙር፡ እኩት አንተ ወስቡሕ ስምከ ወዓቢይ ኀይልከ. .. ። “ኦ ጎይታይ ንፍሬ ምድርኻ ባርኽ ብኽረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጎይታ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ? እታ ጠምያ ነራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኽካ አላ፥ አብ ሰማይ እትቕመጥን ብትሑታት እትባረኽን ምስጉን ንስኻ ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢይ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ገርካ ዝሰራዕካን ንኹሉ ዘዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን”።

ንባባት፡ ፊሊጲ 1፡20-27፥ ያዕ. 2-፡14--18፥ ግ.ሓ.19፡21-ፍ፥ ማር 8:27-35.    ምስባክ፡ ምድርኒ ወሃበት ፍሬሃ፥ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፥ ወይባርከነ እግኢአብሔር።  “ምድሪ ፍሬአ ትህብ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ይባርኸና፥ እግዚአብሔር ክባርኸና እዩ”። መዝ. 85፡12።  መዝሙር፡ “ኦ ጎይታይ ንፍሬ ምድርኻ ባርኽ ብኽረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጎይታ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ? እታ ጠምያ ነራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኽካ አላ፥ አብ ሰማይ እትቕመጥን ብትሑታት እትባረኽን ምስጉን ንስኻ ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢይ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ገርካ ዝሰራዕካን ንኹሉ ዘዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን”።

ካብ 9-15 መከረም ዘሎ ዘመነ ፍሬ ይብሃል። እዋኑ መሬት ፍሪአ እትህበሉ ሓረስታይ ፍረ ጻምኡ ዝርእየሉ መስቀል በሪቑ አዕዋፍ ድምጸን ዘስምዓሉ ጠለበግዕን ከብትን ብዝያዳ ዝሕጎሳሉን ዝሰብሓሉ እሞ ዋንአን በረኸተን ዝርእየሉ ፍሉይ እዋን እዩ። እቶም አብ ሃገረሰብ ዝዓበና ብፍላይ ከም እንፈልጦ እዋናቱ ሰብ አብ ስራሕ ተዋሒጡ ዝረከበሉ ኵሉ ዝወፍረሉ እዋን እዩ። ነዚ ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና ክነተሓሕዞ ከሎና አምላኽ አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክህልዎ ዘለዎ ጻዕርን ፍረን ርኢና ክንዓብን ክንሕደስን እሞ ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክንጅምር ዘበግሰና እዋን እዩ።

አምላኽ አብ ግራቱ ክንወፍር እሞ ፍረ ክነፍሪ እዩ ዝደሊ፥ ፍረ ግን ብዘይ ጻዕርን ድኻምን አይመጽእን እዩ አፍረይቲ ክነከውን ንኹሎም ከይነፍሪ ዝዓግቱና ነገራት ክንአልዮም አሎና። ንርክብና ምስ አምላኽን ሰብን ዘምክኑ ተግባራት አሊና አብ ሰናይ ግብሪ ክንወፍር እሞ ገለና ሰላሳ፥ ስሳ፥ ሚእቲ ክነፍሪ እዩ ድላይ አምላኽና።

አብዚ እዋን ብፍሉይ ክነስተንትኖ ዝድለ ንድላይ አምላኽ ርኢና ክንክእል፥ አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ ከም አቦ፥ አደ፥ ውሉድ እንታይ ክገብር ክኸውን ይደልየኒ እናበልና ንርእስና ክንሓትት።

አብ ካልአይቲ ንባብና አብ መልእክቲ ያዕቆብ ሓዋርያ ንነፍሲወከፍና ዝምልከት ወጣሪ ዝኾነ ብድሆ ተግባራውያን ክርስትያን ኮና ክነብር ዝሕግዝ ቃል የስምዓና። ከም ክርስቶስ መምህርና ንድላይ አምላኽ ጽን ኢልና እንሰምዕ ክንከውን እንከሎና እዩ ብዝያዳ ኵሉ ክበርሃልና ዝኽእል። ቅ. ያዕቆብ አብ ሓቂ ዝተመስረተ ሕቶ “ሓቀኛ ክርስትያን ማለት እንታይ ማለት እዩ? ያዕቆብ ከም ዘዘኻኽሮ “እምነት ምግባር እንተ ዘይብላስ ንርእሳ ምውቲ እያ” (2፡17)። ነዚ ከስተንትን እንከሎኹ ናይ Jenifer Lopez ዝተባህለት አብ ኽንዲ ዝሓመሙ ሕፃናት ክትገልጽ እንከላ አብ ዝበለቶ “ተአምራታት ብቐሊል አይመጽኡን እዮም. . . . ብድሕሪ ዝኾነ ተአምራት ርሕሩሕን አፍቃርን ልቢ አሎ” ትብል። እዚ ርሕርሑን ፈቃርን ልቢ ናይ ሓደ ተግባራዊ እምነትን ግብሪ ዘለዎ ሰብ እዩ። ስለዚ አምላኽ አብ ሕይወትና ንርእስናን ንኻልኦትን ተአምራት ክገብር ጸሎትና ይደሊ፥ እምነትናን አብ ግብሪ እንገብሮ ነገራትን ክርኢ ይደሊ። ክርስቶስ አባና ዘለዎ ፍቕሪ ብግብሪ አርእዩና። ጸልዩን ንገዛእ ርእሱ አብ ዕፀ መስቀል ሕይወቱ ብምሃብ ገሊጹልና። እዚ አብ ግብሪ ዝተራእየ ሓቀኛ ፍቕሪ አምላኽ ኵልና አመንቲ ክንገብሮ ዘሎና እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ማርቆስ ዝተነበ ኢየሱስ አብ ሕይወትና መን ምዃኑ ክንፈልጦን ክነለልዮን ይደልየና። ንሓዋርያት ንስኹምከ መን ትብሉኒ ክብል እንከሎ ነፍስወከፎም አፍልጦኡን አብዚ ዓለም እንታይ ከምዘምጽኦን ክፈልጡ ስለ ዝደለየ እዩ። ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢልዎ። እዚ ብጸጋ አምላኽ ዝመለሶ እዩ። ንኢየሱስ ክንፈልጥ ጸጋ አምላኽ ክንዕደል የድልየና። ሎሚ አበይ ክነለልዮ ይደልየና አሎ?

አብ ዕለታዊ ሕይወትና። ግብርና አተሓሳስባና ከምኡ ርክባትና አብ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ዝገልጽ ክኸውን ይግባእ። አብ ሕይወትና እንተ ርአና ብዙሕ ጊዜ ናትና ክእለትን ዘሎና ዓቕምን ከምኡ ብዛዕባ ርእስና ክነርኢ ክነፍልጥ ኢና እንደሊ ሓቀኛ ክርስትያን ግን ተኸታሊ ክርስቶስ ምዃኑን እዩ ክገልጽ ዝደሊ ስለዚ ሰባት አባይ ንመን ይርእዩ ክንብል ግቡእ እዩ።
አብ ርክባትና፡ ከም ክርስትያን አብ ሕይወትና አብ መንጎና ዘሎ መለለዪ ፍቕሪ አምላኽና እንተ ኾነ ብዙሓት አባና ክርስቶስ ክርአ ይክአል። ናይ ክርስቶስ ምዃና አብቲ አብ ዕለታዊ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ክግለጽ ይግባእ። ፍቕሪ ሰላም ምትሕልላይን ክነርኢ እንተ ኸኣልና ንክርስቶስ ፈሊጢናዮን አፍሊጥናዮን አሎና ማለት እዩ።
አብ ኵሉ ዝጓነፈና ፈተና። አብ ዓለም ምልእኽቲ አምላኽ አብ ገለ እዋን ብጽቡቕ ነገራት አብ ጉዕዞ ሕይወት ዝጓነፉና አብ ገለ እዋን እውን አብ ከቢድ ግላውን ማሕበራውን ጸገማት አለሊና ክንርኢ እሞ ምስ አምላኽ ዝያዳ ከም እንራኽብ ክገብረና እንገብር እንተ ኾና አባና ክርስቶስ አሎ ማለት እዩ። ስለምንታይ እዚ ወሪዱኒ ወይ ትጓኒፉኒ ዘይኮነ ሕቶና አምላኽ ካብዚ ወሪዱ ዘሎ እንታይ ክብለኒ ይደሊ አሎ ክንብል እንተ ኸአልና ክነለልዮ አይ ከጸግመናን እዩ።

ኢየሱስ ድለት ሰማያዊ አብኡ ስለ ዘለለየ አባና ዘልኦ ፍቕሪ ኽገልጽ አብ ግብሪ አርእዩና። ከምቲ አብ ኢሳያስ ነብይ ብዛዕባ እቲ ዝሳቐ አገልጋሊ ዝብል እቲ ቀንዲ ዓላማ ንደቂ ሰብ ብሕማማቱን ስቓያቱን ምድኃን እዩ። ጴጥሮስ እዚ አይተረድኦን አብ ጊዜና እውን እዚ አተሓሳስባ ከመይ ኢሉ ናይ አምላኽ ሰብን መንፈሳውን አብ አብ ሕይወቱ ንድላይ አምላኽ አብ ግብሪ ዘርኢ ከመይ ኢሉ እዚ ይወርዶ ይገጥሞ ክንብል ባህርያዊ እዩ። ኢየሱስ “አታ ሰይጣን ናይ ሰብ እምበር ናይ አምላኽ አይትሓስብን ኢኻ እሞ ኺድ ካባይ ርሓቕ” ክብሎ እንከሎ ሰይጣን ኢኻ ማለቱ አይኮነን። ንሱ ነቲ ዝተዛረቦ ቃል እዩ ገኒሕዎ።

ጴጥሮስ ቅድሚ ቍሩብ ደቓይቕ ብመንፈ ቅዱስ ተመሪሑ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ድሕሪ ገለ ድቓይቕ ከአ ብሰይጣን ንድላይ አምላኽ ክቋወም ተራእዩ። እዚ ብኽልተ ምኽንያት እዩ ኮይኑ፡ 1. ጴጥሮስ ኢየሱስ ክሳብ ክንድዚ ክዋረድ ክትሕት ብደቂ ሰባት ክቕተል ክአምኖ አይከአለን። 2. ጴጥሮስ እዚ ነገራት አብ ኢየሱስ እንተ ወረደ አብ ልዕሊኡ ዝመጽእ ክሳራ ስለ ዝፈለጠ እዩ። ምናልባት ስልጣኑ አብዚ ምድራዊ ንግስነት እቲ ክርስቶስ ከቑሞ ዘለዎ ይስእን ይኸውን። በዚ ምኽንያት ክርስቶስ ብዛዕባ ሕማማትን ሞትን ክዛረብ አይደለዮን። ምናልባት እዚ ክብል እንከሎ አንጻር ድላይ አምላኽ ይዛረብ ከምዘሎ አይተረድኦን ይኸውን።

ከም ኩልና ሎሚ ጴጥሮስ ኢየሱስ መን ምዃኑ ይፈልጥ ነሩ እዩ እንተ ኾነ ነቲ ዝወርድ ነገራት ሓቂ ግን ክቕበል አይደልን። አኽሊል ክብሪ ክቕበል ይደሊ እንተ ኾነ ቅድሚኡ ዝመጽእ መስቀል ክቕበል አይደልን። ከም ጴጥሮስ አብ ሕይወት ዝጓነፍ ጸገማት ክንቅበል ወይ ክንሰምዕ አይንደልን ኢና። ብአንጻሩ ክነጽጎምን ከምዘየለዉ ኮና ክንካየድ ኢና እንደሊ። እንደልዮ አብ ሕይወት ዝኾነ ጸገም ከይወርደና ክንርኢ ክንሰምዕ አይንደልን ኢና። ካብ መስቀልና ክንሃድም ንደሊ ንኢየሱስ ከአ ክንስዕቦ ንደሊ እንተ ኾነ ክልቲኡ ተገራጫዊ እዩ። ንአምላኽ ክነጠፋፍኦ አይክአልን። ሓቀኛታት ክርስትያን አብ ግብሪ እምነቶም ዝነብርዎን ዝገብርዎን ክንከውን እዩ ዘሎና። እዚ ማለት ከአ መስቀልና ብትሕትናን ትዕግስትን ጸርና ዕለት ዕለት አብቲ ንክርስቶስ ዝሓገዘ ጸጋ እምነት ገርና ክንስዕቦ እዩ መጸዋዕታና። 

ክርስቶስ መስቀል ጸይሩ አብኡ መይቱ ሓቀኛ ፍቕሪ፥ ሕያውነት፥ ልግስናን እምነትን አብ ግብሪ አርእዩና። ስለዚ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ይደልየና። በዚ ምኽንያት እዩ ሎሚ ከምዚ እናበለ ዝዛረበና አሎ “እቲ ደድኅረይ ኪስዕብ ዝደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፥ መስቀሉ አልዒሉ ኸአ ይስዓበኒ፥ እቲ ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ኸጥፍአ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍአ ግና ኼድኅና እዩ” (ማር 8፡34-37)። እቲ ዘሓጉስ ነገር እንተሎ ናይ ነፍስወከፍና መሳቕል ንዘለዓለም ነባሪ አይ ኮነን እንተ ተዓገስናን ምስ ክርስቶስ እንተ ጾርናዮን ብዓወት ክዛዝም እዩ፥ ግዝያውን ሓካፋይን እዩ።

ክርስቶስ ሕይወት ስዓብቱ ከመይ ክኸውን ከምዝኾነ ነቲ ህዝብን ንአርድእቱን ገሊጹ እዩ ነጊሩ። ክስዕበኒ ዝደሊ ከምቲ አነ ዝተጎዓዝክዎ ተጎዓዙ ዝብል እዩ። ሕይወት ኵልና ከም ዝምስክሮ ዝተፈላለየ መሳቕል ዝመልኦ፥ ጸልማትን ዘሰንብድን ዘይተጸበኻዮ ነገራት ዘጓንፍ እዩ። ሰባት አብ ጉዕዞ ሕይወት መስቀል እንተ ቐየርኩ ይሕሸኒ እናበሉ ካልእ ዝፈኾሰ መስቀል ከናድዩ ይርአዩ። አብዚ ዘብጽሕ ሓደ ንመስቀልካ አለሊኻ ዘይምኽአል ምስጢርን መስቀልካ ዘይ ምርዳእ ንኻልእ ክትመርጽ ይደፍአካ። ካልአይ ብዘይ መስቀል ክትሕጎስ ክጥዕመካ ንአምላኽን ንድለትካን ብሓንሳብ ሒዝካ ክትጉዓዝ ምድላይ እዚ ኸአ ንርእስኻ ምጥፍፋእ እዩ። ስለዚ አብቲ ክርስቶስ ዝብሎ ክነድህብ እሞ ክንሰምዖ ክንትግብሮ ይግብአና።

ሓደ ካብቲ ኢየሱስ አጥቢቑ ዝነግረና “ንርእስና ክንክሕድ” “መስቀሉ ክንጸውር” እዩ፥ እዚ ክብለና እንከሎ እንታይነትና ክንቆጻጸር ንማለት እዩ። ድኽመታትና፥ ስቓይትና፥ ሕማቕ ዕድላትናን ሞትን ከምቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ክንቅበል። እቶም ንርእሶም አብ ከምዚ ሕይወት አጥፊኦም ዝነብሩ ብአምላኽ ክርከብዋ እዮም። ክርከቡ ጥራሕ አይኮኑን አብ ትሕት ጽላንን ሓልዮት አምላኽን ክርከቡ እዮም።

ኢየሱስ ደጋጊሙ ዝብለና ዘሎ ነቲ ብምልኡ ንርእስና ክንቆጻጸር ኢልና እንገብሮ ክንሓድግ እዩ ዝዛረበና ዘሎ። ሕይወት ምሉእ ብምሉእ አብ ትሕተና ክኸውን አይክእልን እዩ። ሕይወትና ብአምላኽ ዝተዋህበ ፍሉይ ህያብ ንሓጺር እዋን ብእምነት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንመርሕ ዝተዋህበና እዩ። ሓደ ንሕይወቱ ክቆጻጸር ዝኽእል የለን ኩልና መወቲ ድኹማት ተጋገይቲ ኢና። መጠን ንሕይወትና ምሉእ ብምሉእ ክንመልኽን ክንቆጻጸርን ዝፈተናዮ መጠኑ አይንዕወትን ኢና። አብ ሞት ምሉእ ምቁጽጻር ነጥፍእ፥ብዙሓት ካብ ተመክሮ ሕይወቶም ንነገራት ብምዕዛብን ብምርአይን ክቖጻጸሩ ብዘይ ምኽአሎም አብ አምላኽ ዝምለሱ አለዉ ገለ ኸአ ካብ ዓቅሞም ምስ ወጸ አብዘይተደለ ፈተናን ውድቀትን ይአትዉ።

ነዚ ኹሉ ክፈትሓልና መልሲ ክህበና ዝኽአል ሓደ ክርስቶስ እዩ፥ ብምሉእ አብ ትሕቲኡ ክንከውን ፍቓደኛታት እንተ ኾና ንኹሉ ስምዒትናን ርድኢትናን ሓዲግና አብ ናቱ እንተ ተመለስና ሕይወትና ትርጉም ጉዕዞ ሕይወት ክሕዝ አይከብደናን እዩ። አብቲ ሕይወት ብርእሳ ዝብሃበና እሞ ሓደ መዓልቲ ነታ ዝሃበና ህያብ አብኡ ዝወስድ አብኡ እንተ ተመለስና ጥራሕ ኢና ንክርስቶስ ክንፈልጦ እንኽእል።

ኢየሱስ እምብአር ሎሚ ንነፍስወከፍና አብ ሓቂ ክነብር ዓመትና እንጅምሮ ዘሎና ምስኡ ክንመርሖ አብ ጉዕዞ ፈተና ክህሉ እዩ፥ ሰይጣን ዓለም ናታቶም ግደ ክጻወቱ እዮም ግን ምስ ኢየሱስ እንተ ተጎዓዝና ዝመጽአ ይምጻእ ዝወረደ ይውረድ አይክንደክምን ኢና ከምኡ አብ ሕይወትና ንኢየሱስ መን መዃኑ ክነለልዮ ኢና።

እመንትና ክነብሮ እንተ ኸአልና ኵሉ ነገርና ብምልኡ አብ አምላኽ ክነረክብ እንተ ኸአልና ነቲ ሓቀኛ ትርጉም ሕይወት ኢየሱስ ክንፈልጥን ክንርዳእን ኢና። ነዚ ርድኢት ምስ ሓዝና ነቲ ኢየሱስ ዝሓቶ “ንስኹምከ መን ትብሉኒ ዝብል” ክንምልሶ ክንክእል ኢና።

ዕለት ዕለት “ንስኻ/ንስኺ መን እዩ ትብለኒ ንዝብል መሊስና ክንክእል አሎና”።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ     

 








All the contents on this site are copyrighted ©.