2015-09-19 19:20:00

ሐዋርያ መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ!


 

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በተረ ሥልጣነ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝርከቡ ንዓሥራይ ጊዜ ናይ ዓሠርተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ክዩባን ሕቡራት መንግሥታት አመሪካን ቤት ጽሕፈት ኅቡራት መንግሥታትን ንምግባር ሎሚ ንግሆ ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ካብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ለዮርናዶ ዳቪንቺ ፍዩሚቺኖ ነቂሎም፣ እዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝገበርዎም ጕዕዞታት ብጊዜን ስፍሓትን ዝነውሔ ኮይኑ ቀዳማይ ጕዕዞም ብናይ ሃገረ ክዩባ ርእሰ ከተማ ከተማ ሃቫና እዩ ክጅምር፣

ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ናብታ ወላዲተ አምላኽን ወላዲትናን ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ንምውፋይን ምምዕቋብን አብ ሕምብርቲ ሮማ አብ ዝርከብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ብሕታዊ ጸሎት አዕሪጎም፣ደጋጊሞም ከምዝተማሕጸንዎ እውን ኩሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ብጸሎት ክነሰንዮም ተማሕጺኖም፣

ሕዝቢ ክዩባ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት አብ ትሕቲ አልቦ እግዚአብሔር ዝብል ሠይጣናዊ ናይ ዘመንና ምሕደራ ኮይኖም አሽንኳይ እምነቶም ብነጻ ክገልጹን ሥርዓተ አምልኾ ክፍጽሙን ኩሉ ናይ እምነት ምልክት ንምጥፋእ አብ ዝተገብረ ውዲት ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ክፍጠር እዩ ዝብል ምንም ተስፋ አብ ዘይነበረሉ ብጻዕሪ ቅዱስነቶም ጸሎቶምን ብናይ ቅድሚኦም ደጋጊሞም ማዕጾ ደፊኦም ብምእታው ንዘርኢ ክርስትና ናይቲ ሃገር ተስፋ ዝኾኑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል ዓሠተው ሽድሽተን እቲ ኩሉ ጭቆናን ሃገር ምሉእ ዳርጋ ቤት ማእሰርቲ ተቀዪሩሉን ዝነበረ ኩነታት ሓሊፉ ዝሓለፈ አዋርሕ ምስታ ጐረበታ ዝኾነት ር እሰ ኃያላን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ርክብ ክትፈጥርን ኤምባሲታት ክትለዋወጥን ንፋስ ነጻነት ክተተንፍስን ዝጀመረት ሃገረ ክዩባ ነዚ ትዕድልቲ እዚ ከም ዓቢ ህያብ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ገሮም ስለዝጥምትዎ ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ቅዱስነቶም ብ ዓቢ ሃንቀውታ እዮም ዝጽበይዎ ዘለው፣

ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ነዚ ክሳብ ተስዓታት ወግዓዊ አቅዋማ አልቦ እግዚአብሔር ዝነበረት ሃገር ንክበጽሑን አምላኽ ብሓቂ ብምሕረቱ ከምዝበጽሖም ንኽገልጹን ብርቱዕ ሃረርታ ከምዘለዎምን ትማሊ ንመላእ ሕዝቢ ክ ዩባ አብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ቪድዮ ገሊጾም፣

እዚ ትማሊ አብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤተ ክርስትያን ክዩባ ብዕሊ ዝተዘርገሔ መልእኽቲ ቪድዮ ቅዱስነቶም ብኡ ንብኡ አለዋ ዝበሃላ ናይ ሃገረ ክዩባ መራኸብቲ ብዙኃን ካብ ሃገራዊ ተለቪዥን ናይ መንግሥቲ ክ ዩባ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ክልልላት ተለቪዥናትን መርበባት ሓበሬታን ዘርጊሐንኦ፣ ቅድሚ ዝ አገረ ቅዱስነቶም ዝጠቀስዎ ሕዝቢ ክዩባ አብ ትሕቲ ክትገልጾ ዘጸገም ስደት ሃይማኖትን ክሕደትን አብ ጐይታ ጸኒዑ ክሳብ አብዚ ምብጽሑ እዩ፣ አድናቆቶምን ምስጋናኦምን ከአ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፤

“አብ ጐይታ ዘሎኩም እምነትኩምን ጽንዓትኩምን! ዕለት ዕለት ዘጓንፈኩም ንዝነበረ ጸገማት ንምግጣምን ዝነበርኩም ትብዓትን አብ ጕዕዞ ሕይወትኩም እናተደጋገፍኩም ብፍቅሪ ትገብርዎ ንዝነበርኩም ጕዕዞን እንክሓስብ ደስታን ዕግበትን ይስመዓኒ፤ይሕግዘኒ እውን፣ ስለዚ ክቡር ዝኾነ ምስክነትኩም ብልቢ አመስግነኩም” ድሕሪ ምባል ክመሓላልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ ዝተጠናነገ ዘይኮነስ ቀሊልን አድላይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“ዘይተሓላለኸ ቀሊል መልእኽቲ ኮይኑ ግን አድላይን መሠረታውን እየ ዘመሓላልፈልኩም! ኢየሱስ ብዙሕ የፍቅረኩም እዩ፣ እዚ ፍቅሪዚ ዕቱብ እዩ፣ ንሱ ወትሩ አብ ልቡ ምስሓዘኩም እዩ፣ ልዕሊ ዝኾነ ከአ ነፍስወከፍኩም እንታይ ይደሊ እንታይ ይትስፎ ዓሚቍ ሃረርታሁ እንታይ ምዃኑ ከከምልብና ይፈልጥ እዩ፣ ከምዝግባእ እውን እንተዘይተጓዓዝና ወትሩ አብ ጐንና ኮይኑ የሰንየና ሓዲስ ተስፋን ሓዲስ ዕድልን ሓዲስ ሕይወትን እናሃበ ከአ ንከጽናነዓናን ንክቅበለናን ከአ ስንድው፣ ፈጺሙ አይሓድገናን እዩ፣”  ድሕሪ ቢሎም፣ ነቶም ብጸሎት ዝጽበዮም ሕዝቢ ክ ዩባ እዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ዕውት ክኸውን ጸሎቶም አበርቲ ዖም ክቅጽሉ ሓደራ ይብሉ፣

“ምስ ኢየሱስን ማርያምን ዘራኽበና ጸሎት ብግዲ የድልየና እዩ፣ እታ ካብ ሕጻንነትና ጀሚርና ንደጋግማ ጸሎት ማለት ኦ የዋህ ልበ ኢየሱስ ረስዮ ለልብነ በከመ ልበ ዚአከ ኦ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ልበይ ንልብኻ ከምዝመስል ግበሮ ዝብል እንክኸውን ከምቲ ኢየሱስ ዘፍቅረና ንኽነፍቅሮ ንልቡ ዝመስል ልቢ ክህልወና ክንደይ ኮን ሠናይ እዩ፤ አየወ ከምቲ ንሱ ዝምሕሮ ክንምሕር ከምቲ ንሱ ተስፋ ዝህቦ ተስፍ ክንህብ ከምቲ ንሱ ዘሰንየና ክነሰኒ እንተንኽ እል ክንደይ ምጠዓመ፤” ብማለት ሃረርታ ልቦም ምስ ገለጹ ናብ ክዩባ መገሺኦም ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፣

“ናብ ክዩባ ከም ል ኡኽ ምሕረትን ርኅራኄን ናይ እግዚአብሔር አቦ ኮይነ ናይ እግዚአብሔር ዘለዓለማዊ ፍቅሪ ሓዋርያት ክትኮኑ ንከተባባዓኩምን እንክኸውን ካብ ምስክርነት እምነትናን ፍቅርናን ማንም ከይተርፍ ሓደራ፣ መላእ ዓለም እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝምሕርን አብ ጐድንና ኮይኑ ከምዘሰንየናን ከምዘፍቅርነናን ይፍለጥ፣” ቢሎም፣

አብ መደምደምታ መል እኽቶም ነዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ሓላዊት ክዩባ ዝኾነት ድንግል ማርያም ፍቅሪ ኮብረ ከምዘማሕጽኑን አብ መካነ ንግደታ ከምዝበጽሑን ገሊጾም ነዚ ከአ ከምቲ ሓደ ሕጻን አብ ገዛ ወላዲቱ ክበጽሕ ዝህንጠዮ ብዓቢ ሃረርታ እጽብየ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ፣

ከምቲ አብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ሃገረ ክ ዩባ አብዘን ቀረባ ዓመታት ሽሕኳ ሕጋውያን እንተዘይኮነ ውሑዳት ጋዜጣታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ናይ ኵስኰሳ ማእከላትን ከምዘለዋ እዩ ዝምልከት፣ ንኩሉ መንግሥቲ ሒዝዎ ስለዝነበረን ብዝነበረ ኩነታትን ካብ ሕዝቢ ክ ዩባ 60% ዝተጠምቀ እኳ እንተኾነ ብግሁድ ሃይማኖቶም ዝገልጹ 2% ጥራሕ እዮም፣ ብሓፈሻ ን11 ሚልዮን ዝኾኑ 300 ካህናት የገልግሉ፣

ድኽነት ምናዳ ድሕሪ እቲ ናይ ኅብረት ሶቭየት ውድቀት ናይ 1991 ብዘይመጠን ገኒኑ ከመይ ደገፍ ደው ቢሉ፣ አብዚ ግዜ እዚ ከምቲ አብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ምስ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ዶባተን ክኸፍታን ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ክመሓየሽን ካብ ዝጅምር ኩነታት እናተለወጠ ይመጽእ አሎ፣

እዚ ብክዩባ ዝጅምር ን ዓሠርተ መዓልቲ ዝካየድ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ቀንዲ ዕላማኡ እቲ አብ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ከተማ ፊላደልፍያ ዝካየድ ሻሙናይ ዓለምለኸ ጉባኤ ሥድራቤት እንክኸውን ንእግረ መንገዶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ክዩባን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን እውን እዩ፣

እዚ ብቅዱስ ዮሓንስ ዳግማዊ ዝተመሥረተ ሶሙን ሥድራ ቤት ብማለት ዝፍለጥ አብ ሰሰለስተ ዓመት አብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ይካየድ፣ ር.ሊ.ጳ ክሳተፉ ጽቡቅ እኳ እንተኾነ ግድን አይኮነን፣ ንአብነት አብ 2003 አብ ማኒላ ፊሊፒንስ ዝተገብረን ብ2009 አብ መክሲኮ አብ ዝተገብረን ጉባኤታት አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት አይተሳተፉን፣

ነዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ፍሉይ ካብ ዝገብርዎ ነጥብታት ሓደ ንመጀመርያ ግዜ ሓደ ር.ሊ.ጳ አብ ኮንግረስ አመሪካ ቃሎም ምሃብ እንክኸውን ቅድሚ ሕጂ አብ ፓርላማ ቃሎም ዝሃቡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብ ሃገረ ፖላንድ ወዲ ዓዲ ብምዃኖም አብ ናይ ሃገረ ጣልያን ከአ ጳጳስ ሮማ ብምዃኖም ከማኡ እውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ በርሊን ሃገረጀርመን ንፓርላማ ከም ጀርመናዊ ቃሎም እንክህቡ አብ ፓርላማ ጣልያን እውን ጳጳስ ሮማ ብምዃኖም ቃሎም ከምዝሃቡ ይዝከር፣ አብ ናይ ኅቡራት ሃገራት ግን ዳርጋ ልሙድ እዩ መጀመርያ ር.ሊ.ጵ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ አብ 65 እንክኾኑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳስሎስ ክልተ ጊዜ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ቃሎም ከምዝሃቡ ይዝከር፣

መርሓ ግብር ቅዱስነቶም ከምዘመልክቶ ሎሚ ምሸት ብናይ ሃቫና ሰዓት አቆጻጽራ ምሸት ሰዓት አርባዕተ አብ ሃቫና ክአትው ትጽቢት ይግበር፣








All the contents on this site are copyrighted ©.