2015-09-17 16:18:00

ኣባ ካርቫያል፦ ኩባውያን ክፉት ልብን ርህው ማዕጾን


ኣብ ኩባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዋታዊ ውስንነት እውን ዘለዋ እንተዀነት ንጥፍትን ስልጥትን እያ፣ ኣብ ኩባ ኣብ 1700ን 1800 ወንጌላዊ ልኡክ ኰይኖም ብዘገልገሉ ብኣባ ፈሊክስ ቫረላ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ዓለማዊ ምእመን ናይ ሕንጸት ማእከል ሓደ እቲ ናይታ ኣብ ኵባ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መቘሚ እዩ። ኣባ ቫረላ ንሕዝቢ ኵባ ካብ ናይ ስፐይን ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ኽወጽእ ዘሰነዩን ስርዓት ጊልያነት ንኽውገድ ዝተጋደሉን ናይ ኵባ ኣበ ነፍስ ተባሂሎም ዝግለጹ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ስደት እንከለዉ ኣብ 1853 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ናይ ሃቫና ካቴድራል ቆሞስን ናይ ባህሊ ማእከል ፈሊክስ ቫረላ ኣመሓዳሪ ኣባ ዮስቫንይ ካርቫኻል ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ኵባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር እውን ብፁዕነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተእንግድ ትቀራረብ ኣላ፣ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ ትብጻሕ ዘላ ሃገር እያ። ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድ ኵለ መዳያዊ ምቅርራባት እውን ዳርጋ ከምእተጠናቀ ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም ተወላዲ ላቲን ኣመሪካ ብምዃኖም ድማ ቋንቋ ሕዝቢ ኵባ ተጠቃምን ፈታው ድኻን ዝተናዕቁን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ብማሕበራዊ ተነጽሎ ንዝሳቐዩ ቀረባን ሓላይን እዮም። ምእንቲ’ዚ እታ ኣብ ኵባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንእሽተይን ድኻን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዓቢይ ሞሳ ንምእንጋድ ድልውቲ እያ።

ኣብ ኵባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ተልእኮ እትፍጽምን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ እውን ዓቢይ ኣገልግሎት እትህብን ሰብኣውነት ከምእተነቓቕሕን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደራ ዝብልዎ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ንኽረጋገጽ እተገልግል እያ።

ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኵባን ሰናይ ርክብ ክረጋገጽን ኣብቲ ተበጊሱ ዘሎ ሓድሽን ተስፋዊ ርክብን ናይ ዘተ ባህልን እተተባብዕ እያ። ምእንቲ’ዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኵባዊ ካቶሊካዊ ምእመን ጥራሕ ዘይኰነ መላእ ሕዝቢ ኵባ ብዓቢይ ሓንቀውታን ተስፋን እዩ ዝጽበዮ ዘሎ ኢሎም።

ቀጺሎም እውን እቲ ዝተበገሰ ሓድሽ ርክብ ኩባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ይብሉ፣ ሕዝቢ ኵባ ነቲ ዝተኣትወ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ብዓቢይ ተስፋ እዩ ዝነብሮ ዘሎ፣ ነቲ ናይ መንግስቲ እምበር ናይ ሕዝቢ ጸላኢ ዘይኰነ ምስ ሕዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ክዝትን ክቀራረብን ብሓባር ዓቐን ሰብ ዘለዎ ርክባት ንኽረጋገጽ ዝድግፍ ርህው ማዕጾ ዘለዎን ምስኡ ዝዝትን እዩ። እዚ ሓድሽ ርክብ ናይ ሕዝቢ መነባብሮን ናይ ሃገር ኤኮኖሚ ከመሓየሽ ዓቢይ ተስፋ እዩ ተነቢሩ ዘሎ። ምስ እዚ ዅሉ ኣተሓሒዝካ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዓቢይን ዓሚይቕን ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ምስእዚ ኣተሓሒዞም እቲ ናይ ባህሊ ተቛም ኣባ ፈሊክስ ቫረላ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ባህልን ዘተ ክህሉን ናይ ባህልታት ድልድል እዩ። ኣብቲ ናይ ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ ኣብ ዝሰፈሓሉ እዋን እውን እንተዀነ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘተ ክህሉ ዘተባብዔን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.