2015-09-17 16:32:00

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ጊልያነት ሸለል ምባል የብቅዕ


ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ንናይ ገዛእ ርእሱ መኽሰብ መጋበሪያ ዝገብር ተግባር ዘተኣታትውን ሰብ ከም መገልገሊ ዝጥቀም ሓድሽ ጊልያነት ዘተኣታትው ተዛማዲ ባህሊ ብሱቕታ ከይምልከትን ክነጽጎን ኣብ ምውጋዱ ክተግህ ኣብ ጀነቭ መበል 30 ክፍለ ኣኼባኡ ኣብ ዘካይየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ዝትሳተፉ ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማዚ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዘይምሕላይን ዘይምግዳስን ዘስፍሕ ባህሊ ክሰዓርን እቲ ንወዲ ሰብ ንጊሊያነት ዝዳርግ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝዀነ ተግባር ዘስፍሕ  ዓውሎማዊ እናዀነ ብኵለ መዳይ ክተኣታተው ዝግበር ዘሎ ዘይምትሕልላይ ባህሊ ዘስፍሕ ብዝተሓደሰ ምትሕብባርን ሕውነትን ባህሊ ክትካእ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

5.5. ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ልዕሊ 35.8 ሚሊዮን ሕዝቢ ዓለም ንሓድሽ ጊልያነት ሓደጋ ዝተቓልዔ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዓለም ልዕሊ 35.8 ሚሊዮን ሕዝቢ ብግብረ ሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዔ ከምዝኾነን ልዕሊ 20 ሚሊዮን ዝግመቱ ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ዘጠቓልል ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ሓደገይና ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሩ ዝምዝመዝ ምዃኑን ብሕልፊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምውፋር ልሙድ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብኤን ብዙሓት ደቂ ንስትዮ ኣብቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ሕይወት ኣመንዛር በስገዳድ ተዋፊረን ከምዝርከባ ድማ ሓቢሮም ማሕበረሰብ ዓለም ነተን ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓድሽ ጊልያነት ዝተዳረጋ ደቂ ንስትዮ ካብቲ ዝወደቐኦ መጻወድያ ከድሕነት ጻውዒት ከምዘቕረቡ የመልክት።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ምልእኽቲ ሰላም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፣ ደቂ ንስትዮ በስገዳድ ክምርዓዋን ነዚ ውሳኔ መጋበርያ ንኽዀና ክሽየጣን ነቲ ክብሪ ዝሓክኽ ጸያፍ ተግባር መጋበርያ ዝዀነ ሕይወት ምንዝርና ክዳረጋን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተነፊግወን ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ዜጋታት ካብቲ መጻወድያ ክድሕና ኣክንዲ ምትጋህ እዚ ጸያፍ ተግባር’ዚ ከም ቅቡል ዝርእይ ባህሊ ይሰፍሕ ኣሎ ዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፣ ኣብ ዓለም ዝረአይ ምስፋሕ ዕጸ ፋርስ ዝኣመሰሉ ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሕ ዘበለ ከይዲ ኣብ ምውጋዱ ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ብፍላይ ድማ መንግስታት ዓለም ዘይሕለል ጻዕሪ ከካይዱ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር

ነቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ንዝተፈላለዩ ኢሰብኣዊ ተግባራት መጋበርያ ንኽዀኑ ኣሚቶም ወዲ ሰብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምቁጽጻርን ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባር ክውገድ በብሔራዊ ደረጃን  ኣብ መንጐ ሃገራት ዓለምን መንግስታትን ምትሕብባር ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.