2015-09-08 16:34:00

ቡርኪናፋሶ፦ መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ብምኽንያት ዝቀራረብ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ


ኣብ ቡርኪናፋሶ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ምርጫ ርእሰ ብሔር ክካይድ ብምዃኑ ምኽንያት ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ሰላማውን ናጻን ግልጽን ሕዝባዊ ምርጫ ክካይድ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ምእራም የድሊ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እውነተይና ሓባራዊ ዕርቂ

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቡርኪናፋሶ ሓዋርያዊ መልኽቲ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፦ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ፍልልያት ብምትሕብባርን ምትሕስሳብን ክመሓየሽን ናይ መላእ ሕዝብን ሃገርን ረብሓ ብዘማእከለ ሓሳብ ተምሪሖም ምእመናን ድምጾም ክህቡ ሓደራ ቢሎም ናይ ፖለቲካ ተግባር ፍትሕን ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

ውሕስነት መግብን ምኽባርን ክንክን ከባቢ

እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ብመንፈስ ዕርቂ ክምርሓን እዚ ማለት ድማ ሓቂ ምዝራብን ምንባርን ይቕረ ምባልን ምቕባልን ፍትሒ ምንባርን ብዘይ ምግባረ ብልሽውና ንምንባር ዝመርሕ ጎዳና ኣብ ምሕራይ ሕዝቢ ክተባባዕን ብፁዓን ጳጳሳት ቡርኪናፋሲ ኣብ መልእኽቶም ሓደራ ቢሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ሕዝቢ ክውን ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዘገልግሉን ውሕስነት መግብን ምኽባርን ክንክንን ከባቢ ከቐድሙ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.