2015-09-08 16:24:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንመንእሰይ ወለዶ እማመ ርትዓዊ ወንጌላዊ ምስክርነት ምቕራብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ተቀቢሎም ዕለት 7 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ሃይማኖታዊ ሸለልተይናነትን ዘይምግዳስን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን መንእሰይ ወለዶ ብወንጌል ክማረኽ ዝድርዀ ብቃልን ሕይወትን ዝተሰነየ ክዉን ትምርህተ ክርስቶስን ናይቲ ዝኸቦ ማኅበረሰብን ምስክርነት ከምዘድልዮ ገሊጾም፣ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ንስኻትኩም እውን ክትኸዱ ዶ ትደልዩ? እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ ቅዱስ ጴጥሮስ መምህር ናብ መን’ሞ ክንከይድ፣ ንስኻ ጥራሕ ቃል ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣሎካ እንክብል ከምዝመለሰሉን እዚ መልሲ’ዚ ድማ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕረበሎም ሓሳብ ኣዕጋብን ኣእማንን ከምዝዀነ እዩ ዘረጋግጽ፣ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ብዙሓት ኣባይቲ ክርስቲያን መንእሰይ ከርሕቓ ይረአያ። እነቕርቦ ክርስቶሳዊ እማመ ቢልና እንሓስቦ ኩሉ ዘይማርኽን ዘየእምንን ዝዀነ እዩ ዝመስል።

ምልዋጥን ሱታፌን ተልእኾን

ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ኣብ ርእሰ ወቐሳ ዘተኰረ እውን እንተነበረ ቅድም ኣቢሎም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተራእዩን ዝረአዩ ዘለዎ እወታውያን ተግባራት ዘስመሩሉ ከምዝነበረ እንክሕበር፣ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ሃገሮም ኵሉ ሳዕ ምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ እውን እንተዘይተባህለ እቲ ኣብ ጸሎትን ግብረ ሰናይን ዝጸንዔ ምዕዳኖምን መልእኽቶምን ብሕዝብን መንግስትን ተሰማዕነት ከምዘለዎ ገሊጾም፣ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ውጥኖም ምልዋጥን ሱታፌን ወንጌላዊ ልኡኽነትን ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘስመሩሉ ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፣ ወንጌላዊ ምልዋጥን ሱታፌን ተልእኾን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ልብሲ ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን

ቅዱስነቶም እቲ ዘቕረብዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ነቐፌታ ሓሳብ፣ ኣብ ፖርቱጋል መልክኣ ምድሪ ውሱን ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ብዙሕ ጊዜ ዝሕንጸጽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝኽተሎ ኣገባብ ዘይስሉጥ ነቲ ኣብ ዕግርግር ዝርከብ መንእሰይ ኣማዕድዮም መንእሰይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ንምርሓቕ ቢሉ ዝወስዶ ውሳኔ ዶ ይመስለና? ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ እነቕርበሉ ትምህርቲ ድላይ ስለ ዘይብሉ እዩ? ብርግጽ እቲ እነቕርበሉ ትምህርቲ ነቲ ዝነብሮን ዝህውጾን እዋናዊ ሕቶታት መልሲ ስለ ዘይኰኖ እዩ ዝርሕቕ። እቲ መንእሰይ ወለዶ ልብሲ ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ዝኣለየ እንክመስል ማሕበረ ክርስቲያን ድማ ኣብ መጀመሪያ ቁርባን እንታይ ክልበስ ኣለዎ ኣብ ዝብል ሕቶ ዝተሓጽረ እዩ ዝመስል።

ክርስቶስ ኣብ ክርስቲያ ህያው እዩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዕብልል ዘሎ ኣተሓሳስባ ሰብ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ፈጣርን ብነጻነት ስኽራን ዝብል እዩ። እዚ ድማ ብርግጽ ጸዋዕታ ጽን ንኸይበሃል ይድርኽ ኣሎ። ስለምታይ እቲ ጸዋዕታ ካብቲ ፈጣሪ ሕይወት ዝቐርብ ስለ ዝዀነ እዩ። ገዛእ ርእሱ ፈጣሪ ገይሩ ዝሓስብስ አብ ካብ ፈጣሪ ዝነቅል ጸዋዕታ ጽን ክብል ዘይከኣሎ እዩ። ኣብ እነቕርቦ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ኢየሱስ ተክለ ሰብነትን ሕይወትን ማእከል ክኸውን ኣለዎ፣ ምናልባት ብትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ብማሕበረ ክርስቲያንን ብቤተ ክርስቲያንን ብዝቐርብ ትምህርቲ ኣቢልካ ምስ ክርስቶስ ንምርኻብ ዘይከኣል ኰይኑ ከይህሉ? እቲ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ዝቐርብ እማመ ትምህርተ ክርስቶስ ንኣልባብ መንእሰይ ወለዶ ዝዛረብን ብምስክርነት ቓልን ሕይወትን ዝቐርብን ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ልቢ መንእሰይ ዘጓሃህር።

ተመኩሮ ባህላዊ ጥራሕ ክኸውን የብሉን

እቲ ኣዚዩ ዘገድስ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን መላእ ማሕበረ ክርስቲያንን ካብ ናይ ትምህርተኣዊ ኣብነት ናብ ናይ ንኡሰ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብነት ማለት ናብቲ ኣብ ኣናስር ቤተ ክርስቲያን ዝነበር ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ሕይወት ክሰጋገር ኣለዎ። ስነ ምርምራዊ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ጸዋዕታን ኣንህቦ መልስን ምስቲ ህያው ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው ርክብ ምንባር የድሊ፣ እንነብረሉ ዓለም ብስእነት ስራሕ ብዝተጠቕዔ መንእሰይ ዘዕለቕለቐ ክነሱ ኣብ ግራት መንግስተ ኣብ ዝዓይ ጽዉዓትን ኣገልገልቲ ዋሕዲ ይረአይ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣብ ቤትካ ምንባር

ብፁዓን ጳጳሳት በቶም ምረትን ጠንቅታትን ምድንጋርን ዝፈጥሩ ኩነታት ከይተረበሹን ብርታዔ መንፈሶም ከየጥፍኡን ብስሩዕን ቀጻልነትን ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ ዘቕርብዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ክተግሁን፣ ንኣብነት ገለ ገለ ቁምስናታት ኣብ ቆሞሶም ዝተዓጽዉን ከምኡ እውን ዋሕዲ ካህናት ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ውህደት ኣዚዩ ክጸንዕን ክብርትዕን ከምዘለዎ ከተባብዑን፣ ብዙሓት ካህናት ኣብ ግብረኣዊ ስራሕ ጥራሕ ተጸሚዶም ኣብቲ ንኣስፍሆተ ወንጌል ማእከል ኣብ ዝዀነ ናይ ጸሎትን ዓሚይቕ መንፈሳውነትን ሕይወት ክደኽሙ ኣብ ዝረአየሉ እዋን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ግብረ ምሉእ ሰብኣዊ ኣገልግሎትን መሰረት ክርስቶስ ምንባር ምዃኑ ክምስክሩ ኣተሓሳሲቦም፣ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ድሕሪ ቀዳማይ ቁርባንን ሜሮንን ካብ ሕይወት ማሕበረ ክርስቲያን ክርሕቑ ይርአዩ፣ ነዚ ዅሉ ዝልውጥ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ ውልቃውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሓባራዊ ምልዋጥን ይሓትት፣ ስለምታይ እዚ እዩ እቲ ኵሎም ብሓቅን ሓጎስን ቤተ ክርስቲያን ቤተይ እያ ክብሉ ዝድርኾም ብዝብል ሓሳብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.