2015-09-05 15:49:00

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ውላድ ሕዝቢ እዩ፣ ዓንቀጸ እምነትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘይምግምማዕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ብምኽንያት ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምስረታ ክፍሊ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣርጀንቲናን ከምኡ እውን ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ናብ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ዓውደ ጉባኤ፦ ዓንቀጸ እምነትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ልክዕ ከምቲ ዘይፈላለይ ጸሎትን ሕይወትን እዩ ብዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ዘተ ህልው ዕለታውያን ብድሆታት ብፍቕሪ ኢየሱስ ሕጉስ ኰይንካ ንምዳህ ዝኽሪ ኣናስር ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ከስተውዕል ከምዘተባብዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ሕዝቢ ቲዮሎጊያ ሊቅ፣ ኣማንን ነቢይን

ክርስቶስ ኣብ ምብሳር ተዘክሮ መጽናዕታዊ ምርምርን ጸሎትን ኣብ ሕይወት ክዉነት ዝተተሓሓዙ ተግባራት እያቶም፣ ስነ መጽናዕታዊ ምርምርን ጸሎትን ዝብሉ ክልተ ነጥብታት ሓደ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ክነብሮም ዝግኦም ተግባራት ከምዝዀኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ መላዕ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ቲይሎጊያ ሊቃውንቲ ኣዘኻኺሮም ቅድም ቀዳድም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ወዲ ሕዝብን ምስ ሕዝቢ ዝነብርን ምስ ወዲ ሰብ ዝራኸብን ምስ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝራኸብን ባህሊ ሕዝቢ ዝፈልጥን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ነቲ ዝተቐበሎ ናይ ህላዌ እግዚኣብሔር ትእምርቲ ወትሩ ከደንቕ ዝመሃር እዩ። እዚ እዩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ። ሓደ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣማኒ ተመክሮ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ፣ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክነብር ከምዘይክእል ዘስተውዓለ ማለት እዩ። ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ነቲ ኢየሱስ ዝሰዓሮ ኣነነትን ዘማእከለ ርእሰ ውከሳን ቀቢጸ ተስፋን ንዘይነብር መጻኢ ብዓንተውኡ ዝዕድምን ዝሓለፈ ታሪኽ ህልው ዝገብር ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊትን ባህልን ዘስተንትን ብምዃኑ ድማ ነቢይ እዩ። ናይዚ ዅሉ ማእከል ጸሎት እዩ። ጸሎት ኣብ መንጐ ዝሓለፈን ህልውን ኣብ መንጐ ህልውን መጻእን መገድን ክዉንን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ተዘክሮ ትውፊት

ምግምማዕን ፈተናታትን ንምስናፍ ኣብ ዝሓለፈ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ተዘክሮ ምሕላፍ እግዚኣብሔር ዘለዎ ኣገዳስነት ዳግም ምስትውዓል ይግባእ። ዝሓለፈ ታሪኽ ሚእቲ ዓመት ናይ ቦኖስ ኣይረስ ናይ ቲዮሎጊያ ክፍሊ መጽናዕትን ዝሓለፈ ታሪኽ ሓምሳ ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ጊዜ ሓቅን ቅኑዕን ንኽኸው ንዅሉ ዝሓቁፍ ካቶሊካውነት ኣብ መንጐ ባህልን ህልውን ኣብ መንጐ ስነ መጽናዕትን ምስክርነትን ዘሎ ምትእስሳር ዘመልክት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝተነጸለት ብውልቃ ንሳ ጥራሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባርን ክውንነትን ተንታኒትን እንኰ ተርጓሚት ዝኾነት ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን እትበሃል የላን። ከምኡ እውን ናይ ከባቢ ክዉንነት ሸለል ዝብልን ዝኽሕድን ኵላውነት እውን የልቦን፣ ማእከልነት እቲ ካብ ኣናስር ዝጀመረ ናብ መጻኢ ዘማዕደወ ኣብ ዝተፈላለየ መልክኣ ምድር ዝምስንውን ዝምግብን እቲ ህያው ውሕጅ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ እዩ። ከምዚ ብዝበለ መገዲ ወንጌል ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም ስግው ምዃን ይቕጽል ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ተዛማድነት ባህልን ክብሪ ሰብን

ናይ ቲዮሎጊያ ዕዮ ሎሚ ክርስቲያን ምዃን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ልልያ ዝኽውንን፣ ኣስተንትኖ ምግባርን እዩ። እዚ ድማ እቲ ናይ ሎሚ ክርስቲያን ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝነበረ ክርስቲያን ማለት ኣይኰነን። ቲዮሎጊያ ሎሚ ዝንበር ኅብረ ባህልን ተዛማድነትን ዓውሎማነትን ገለ ገለ እዋን ክብሪ ሰብ ዘነኣእሱ ኣብ ዕዳጋ ዘእትዉ ዝኣመሰሉ ብድሆታት ዝገጥም እዩ። ወንጌል ዘቕርቦ መገዲ ማለት ወንጌላዊ መገዲ ቀጻሊ ጽምኣት ሕዝቢ ዘርውይን ክልተ ዓበይቲ ዝበሃሉ ፈተናታት ማለት ኣብ ዓቃባውነትን ወይ ድማ ኣኽራርነትን ዕርዲ ካብ ምግባርን ከምኡ እውን ካብ ጥበብ ዘርሕቕ ሓድሽ ዓይነት ጣዕሚ ተባሂሉ ካብ ዝንገረሉ ተዛማድነት ባህሊ ዘርሕቕ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ እምነት ዓንቀጽን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት’ዚ  ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምርን መጽናዕትን ቀዳምነት ክብሪ ይጭብጥ እዚ ማለት ድማ ከምቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣበው ንኣብነት ከም በዓል ቅዱስ ሄሮኒሞስን ኣጐስጢኖስን ባሲሊዮስ ኣምብሮጽዮን ካልኦትን ከምዝሕብርዎ ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተነጸለ ዓንቀጸ እምነት ኣምር ጥራሕ ዝብል ኣመለኻኽታ ክህሉ የብሉን። እቶም ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲትያን ኣበው ዓበይቲ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንት ዘብሎም ዓበይቲ ጓሶት ስለ ዝነበሩ እውን እያቶም። ስለዚህ ርክብ ዘለዎ ኣገዳስነት ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሳሲቦም፣ እምነት ብብቕዓት ምስ ዝገልጹን ዘእምን እምነት መግለጺ ምስ ዝዀኑ መገድታት፣ ርክብ ምስ ኣባይቲ ስድራ፣ ርክብ ምስ ድኻታት፣ ርክብ ምስ ዝተጨቆኑን ርክብ ምስ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናንን ወሳኒ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱን ካብ ገዛእ ርእሱን ውሻጠ ዝውለድ ቲዮሎጊያ ማራኺ መገዲ ከቕርብ ዝከኣል እዩ፣ እዚ ማለት ግና ክዉን ቲዮሎጊያ ማለት ኣይኰነን፣ ናይ ሕዝብና መሰረታዊ ሕቶን መሰረታዊ ናፍቖቶን ትጽቢታትን ዘካይድዎ ገድልን ሻቕሎቶምን ዓቢይ ናይ ስነ ትንተና ክብሪ ዘለዎ እዩ። ስለዚህ ሸለል ክበሃሉ ኣይግባእን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.