2015-09-05 15:54:00

ብፁዓን ጳጳሳት ሃንጋሪ፦ ንስደተይናታት ስሉጥ ደገፍ ንምቕራብ ብቓዓት ዘለዎ ናይ ሓገዝ መደብ


ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ማሕበራትን ተቛማትን ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተምህሮ ተመሪሖም ምስ ናይ መንግስቲ ሃንጋሪ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት መደብ ብምትሕብባር ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ዝጸንዔ ስሉጥ ሓገዝ ንስደተይናታት ከቕርባ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 2 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ክፍሊ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣኼባኡ ከምዘተሓሳሰበ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብዚ ከቢድ ታሪኻዊ እዋን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን መጻኢ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ቨረስ ሓድሽ ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር

ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ነቶም ንሓሙሽተ ዓመት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ኣቦ መንበርነት ተልእዀኦም ዘጠናቐቑ ናይ ቡዳፐስት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ንኽትክኡ ንናይ ስዞምባተልይ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድራስ ቨረስ ከምዝሓረየን ዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፣ ብፁዕ ኣቡነ ቨረስ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ዝዕድሜኦም ካብ 1998 ክሳብ 2006 ዓ.ም. ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ዕለት 6 ጥሪ 2000 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጳጳስ ንኽዀኑ ከምእተሾሙ የዘኻኽር። 








All the contents on this site are copyrighted ©.