2015-09-05 15:45:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምግምማዕ ዝዘርእ ሕማም ኣብ ቤተ ክርስቲያን


ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምግምማዕን ዘይምቅዳውን ዝዘርእ ፍልይ ዝበለ ሕማም ኣሎ። ኣብ ክንዲ ከምዚ ግና ማሕበረ ክርስቲያን ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ሰላም ክረጋገጽን ከተዓርቕን እዩ ዝተጸውዔ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ስብከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማራታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 4 መስከረም 2015 ዓ.ም. ብምቕጻል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ሰላም ዲና እንዘርእ ወይ ከኣ ባእሲ

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 15-20 ዝተወስደ ምንባብ ጠቒሶም ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንነት መለለዪ ይገልጸልና፦ ንሱ ድማ መልክዕ እቲ ዘይርኤ አምላኽ፣ ቦኽሪ ዅሉ ፍጥረት ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዝርኤን ዘይርኤን ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጒይትነት ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ፣ ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ ማለት ንማሕበር ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውንሲ ንሱ መጀመርታ እዩ። ካብ ምዉታትውን ቦኽሪ እዩ። ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ኣቦ ሰሚርዎ ኣሎ እሞ፣ ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዘቕርበልና ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንነት እዚ እዩ።

ሰላም ናይ ኢየሱስ ተግባር እዩ። ኣንሕና እቲ እንፍጽሞ ንኡሱ ግብረ ሰላምን ምትዕራቕን ነቲ ዓቢይ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላምን ዕርቅን ከነስተዕል ዝድርኽ እዩ። ብዘይ ኢየሱስ ሰላም ዝከኣል ኣይኰነን፣ ብዘይ ብእኡ ዕርቂ ዝከኣል ኣይኰነን፣ ተልእኾና ኣብዚ ውግእን ዓመጽን ጽልእን ኣብ ስድራ ቤት እውን ከተይተረፈ ኣብ ዘለሉ ዓለም መጋበሪያ ሰላምን ዕርቅን ምዃን እዩ።

እምበኣርከስ ነፍሲ ወከፍና ገዛእር ርእሱ መጋበርያ ሰላም ድየ እንክብል ይሕተት፣ ብልሳነይ ሰላም ድየ ወይ ከኣ ዘይምቅዳውን ባእስን እየ ዝዘርእ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ብዙሕ ጊዜ እቲ መልሓስ ተመን እዩ ዝብል ርእይቶ ክወሃብ ንሰምዕ፣ መልሓስ ተመን ድማ እቲ ኣብ መንጐ ኣዳምን ሔዋንን ግብረ እከይ ዝፈጸመ ተመን እዩ ዘዘኻኽረና። ዘርጊ ሰላም። እዚ እዩ እቲ ናይ እከይ መንፈስ፣ እምብኣርከስ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝረአ ሕማም እዩ። ጸረ ሰላም ምግምማዕ ባእስን ጽልእ ዘራኢ። ገዛእ ርእስና ሎሚ ሰላም ድየ ወይከኣ ባእሲ እየ ዝዝራእኩ ቢልና ንሕተት፣ በቲ ዝዛረቦን ዝገብሮን ዝዓዮን እንታይ እየ ዝዘራእኩን ዝዘርእን?

ገባሬ ሰላም ቅዱስ እዩ፣ በለካን ለኸዓካን ዝነብር ድማ ኣሸባሪ እዩ

ክርስቲያን ኣብ መንጐና ሰላምን ዕርቅን ከውርድ ንዝመጸ ኢየሱስ ክመስል ዝተጸውዔ እዩ። ሓደ ሰብ ምሉእ ሕይወቱ መጋበርያ ሰላምን ዕርቅን ኰይኑ እንተድኣ ነቢሩ ብፁዕና ክእወጀሉ ይግባእ። ንሱ ቅዱስ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ጐዳና’ዚ ክንዓብን ክንልወጥን ይግባኣና፣ ባእስን ዓበይትን ነኣሽቱን ውግኣትን በለካን ለኸዓካን ዘለዓዕል ሓደ ቃል’ኳ ካብ ኣፍና ኣይውጻእ። በለካን ለኸዓካን ግብረ ሽበራ እዩ። በለካን ለኸዓካን ኣሸባሪ ዝፍንዎ ተፈንጃሪ እዩ። ንዅሉ ዘዕንው ልሳን ልክዕ ከምቲ ተፈንጃሪ ቦምቢ እዩ። ጸረ ሰላም። ጎራሕ እዩ፣ ከምቲ ኣሸባሪ ለኪምካ ምጥፋእ ዝፍጽም ዘይኰነስ፣ ገዛእ ርእሱ ዝሕልው፣ ንኻልእ ንሓደጋ ዘቃልዕ ገዛእ ርእሱ ዝዕቅብ እዩ። በለካን ለኸዓካን ዝዘርእ ነዚ ዓይነት ሰብ እዩ ዝመስል።

መልሓስካ ንኽሳ ዝብል ብሂል

ብዛዕባ ካልእ ክፉእ ክትዛረብን በለካን ለኽዓካን ክትዘርእ ምስ እትደሊ ልሳንካ ንኸስ። ወትሩ በለካን ለኸዓካን ክንዘርእ ኣብ እንደልየሉ እዋን መልሓስና እንነክስ እንተንኸውን ክንደይ ሻዕ መልሓስና ምነኸስና፣ መልሓስና ብምንካስ ጥራሕ ምስ ሓበጠን ምስ ደመየን፣ ዲያብሎስ ናይ ባእስን በለካን ለኸዓካን ዘይምቅዳውን ሊቕ እዩ።

ኦ ሕይወትካ ስለይ ዝሰዋእካ መጋበሪያ ሰላምን ዕርቅን ክኸውን ጸጋኻ ሃበኒ፣ ክፋእ ካብ ምዝራብ መልሓሰይ ዝነክስ መልሓሰይ ዘድምን እውን እንተዀንኵ ጥራሕ ኣብ ባእሲ ምዝራእ ኣይውዓል  ንዓይ ክሕሸኒ እዩ። ኦ ጐይታ ስለይ ደምካ ዘውሓዝካ መጋበሪያ ሰላምን ዕርቅን ክኸውን ጸጋኻ ኣብዝሓለይ ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.