2015-08-29 15:22:00

ሰንበት ዘዕጕለ ቋዓት (ነሓሰ 24 2006 ዓ.ም. 8/30/2015)


መዝሙር፡ ይሁበነ ዝናመ. . .። “ዝናም ብግዜኡ ይህበና እኽሊ በረኸት ይጽግወና ክረምቲ ይኸፍተልና ምሕረት የውርደልና በረኸት ዝናም የፍስሰልና፥ ዓይኑ ከፊቱ የማኑ ዘርጊሑ ምሕረቱ ይሰደልና፥ ኅጢአት ኪሓድግ ተፈቒድሉ እዩሞ አዒንቲ ኵሎም ንዓኻ ይስፈዋ በብግዜኡ መግቦም ይቕበሉ፥ መን እዩ እቲ ንባሕርን ንነፋሳትን ዚእዝዞም ጎይታ ሰንበት ስለ ዝኾነ ጨቓውቲ ኳዃትን ዓሣታትን አናብርን ይጽውዕዎ ንሱ ከአ ብታሕጓስን ብሰላምን ሰላም”

ንባባት፡ ኤፈ 5:21-32፥ ያዕ 1፡17-ፍ፥ ግ.ሓ. 22: 6-22። ዮሓ 6:60-69።

ምስባክ፡ዓይነ ኩሉ ይሴፎ ኪያከ፥ አንተ ትህቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ፥ ትሰፍሕ የማንከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበርዓትከ። “ፍጡራት ኩሎም ብተስፋ ንአኻ ይጽበዩ፥ ንስኻ እውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ብልግሲ ትዝርግሕ እሞ ንፍጡር ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” መዝ. 145፡15-16።

ካብ ነሓሰ 10-28 (ማኅበረ በኵር) ዘሎ ሰናብቲ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ እናተባህለ ይስመ። ከም አተሓሳስባ ሊጡርግያና ክረምቲ ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ጊዜ እዩ፥ ስለዚ ጌና አብ ጊዜ ክረምቲ ኢና ዘሎና፥ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ብዓለ ፍልሰታ አብ 16 ነሓሰ ስለ ዘብዓልና አብዚ እዋን እውን አሰር ማርያም ተኸቲልና ንሰማይ ዝበቅዕ ሕይወት ሒዝና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና። እዚ እዋን ኩሉ ዝሕጎሰሉ ሰዊት ፍረ ዝርአየሉ ሰብን እንስሳን ዘመስግኑሉ እዋን ስለ ዝኾነ ሕጉስ ሕይወት ክንለብስ ይሓተና። አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ሓጎስ ክንፈጥር ድላይ አምላኽ እዩ። ምሉእ ሓጎስ ምስ አምላኽ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ ዝርከብ።

ንዛሓለፋ ሓምሽተ ሰናብቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ 6 ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ዝዛረብ አስተንቲና። ብፍሉይ አብ መንጎ ማርያምን ቅዱስ ቍርባንን ዘሎ ርክብ አስተንቲና። ማርያም ንሰብአዊ ባህሪ ዘልበሰቶ ስለ ዝኾነት አብ ቅ. ቍርባን ፍሉይ ርክብ አልአ። ነዚ መሰረት ብምግባር አብ ስርዓት ልጡርግያና ክልተ “አኮቴተ ቍርባናት” ብፍሉይ ንማርያምን ነቲ ንሳ አብ ድሕነት ደቂ አዳም ዝተጻወተቶ ተራ ንምግላጽ ተሰሪዖም ንረክብ። “ኦድንግል መፍረይት ለእንተ ይትበላዕ ወመንቅዕት ለእንተ ይሰተይ” “ኦ ድንግል ማርያም ነቲ ዝብላዕ ዝፈረኺ ነቲ ዝስተ ኸአ እትፍልፍሊ ንስኺ” ኢኺ እናበልና ምስ ሥጋኡን ደሙን ዘለዋ ርክብ እናገለጽና ክትልምነልና ንምሕጸና። አኰቴተ ቍርባን ጎስዓ ልብየ ዝብል ናይ ማርያም ዕብየትን ከምኡ አብ ስላሴ፥ ምስ ወዳን ምስ ቤተ ክርስትያንን ዘለዋ እናዘስተንተነ ይገልጸልና በዚ ኽአ አብ ብዓላት ማርያም ነዚ አኮቴት ንጽሊ።

ናይ ሎሚ አስተንትኖና ኸአ ነዚ መሰረት ገርን አብ ቃል አምላኽ ዝውሃበና ፍሉይ መልእኽቲ ተረዲእና አብ ግብሪ ክነውዕል ዝሕብር እዩ። አብ ሰንበት ዘዕጓለ ቋዓት ቤተ ክርስትያን አብ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ንክርስቶስ ነቲ ቅዱስ አምላኽ ዝኾነ ክንመርጽ ትደልየና። አብ ገለ እዋናት ሕይወትናን አብ ፈተናን አብ ጽንኩር እዋን ክንርከብ እንከሎና ነየናይ ከም እንመርጽ ይኸብደና። ከቢድ ተፈታታኒ እዋናት አብ ሕይወትና ንወሳኒ ምርጫ አብ እንገብረሉ እዋን እሞ ንመጻኢ ሕይወትና ንሓጎስ ወይ ንክበድ ዝመልኦ ዝገብሮ ክንውስን ቀሊል ከምዘይ ኮነ ንፈልጥ ኢና ምኽንያቱ እንገብሮ ምርጫ ወይ ውሳኔ ንመጻኢ ሕይወትናን ይጸልዎ ከምኡ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ምስ ከባቢና ዘሎና ርክብ ስለ ዝጸሉ። እዚ ኸአ አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንዕዘቦ እዩ። 

ነፍስወከፍና አብ ሕይወትና ምልስ ኢልና እንተ ረአና ገለ ውሳኔታት ዝገበርናዮም እንሕጎሰሎም ገለ ኸአ እንጉህየሎም እንጥዓሰሎም እዮም። አብ ቃል ኪዳናዊ ሕይወት ከምኡ አብ ክህነታውን ምንኵስናዊ ሕይወት ወላ እኳ ብዙሕ ጊዜ ብዝገበርናዮ ምርጫ ሕጉሳት እንተ ኾና አብ ገለ እዋንስ ነዚ ምምራጸይ ተጋግየ ኢልና ንምርጫና አብ ምልክት ሕቶ ነእትዎ ወይ እውን ንቕይር። አብ ገለ እዋን እቲ ዳሕራይ ምርጫ ዝገደደ ዘየሓጉስ ክኸውን ይኽእል ስለዚ እንገብሮ ምርጫ ኵሉ ጊዜ ምስ ድላይ አምላኽ ዝኸይድ አስተውዒልናን አስተንቲናን እንገብሮ እንተ ኾነ ጥራሕ እዩ ዘዕግበና።

ገለ ሰባት በቲ ዝገበርዎ ምርጫ ሓጎሶም አብ ሕይወቶም፥ ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ፥ ስለ ዝገልጽዎ አምላኽ ሂብዎ/ሂብዋ እናበልና በቲ ሕይወቶም ንዛረብ። አብኦም ሰላም ፍቕሪ ምርድዳእ ኵሉ አሎ። ሕጉስ ሕይወት ስለ ዘለዎም ዘምጽእዎ ጸገም የብሎምን፥ ጸገም ዝርአ ምርጫ ሕይወት ዘይትአምነሉ እንተ ኾንካ ንርእስኻ ተሳቒኻ ንካልኦት አብ ስቓይ ክነብሩ ትደሊ። እሞ ሎሚ አብ ዘሎናዮ ሕይወት አቲና ነቲ ዝአቶናዮ ምርጫ አብ ድላይ አምላኽ ከም ዝሰምር ክንግብር ንጽዓር።

አብ ሕይወትና ንአምላኽ ክንመርጽ እንከሎና ጥራሕ ኢና ሕጉሳትን ሰላም ዝመልኦ ሕይወት ክነብር እንኽእል። ሰብ ንአምላኽ ሓዲጉ ንስምዒቱ ወይ ካብ አምላኽ ዝፈሊ ሕይወት እንተ መረጸ ቅሱን አይከውንን እዩ። ነዚ አብ መጽሓፍ ኢያሱ 24፡1-18 ከምኡ አብ ወንጌል ዝተነበልና እንተ ርአና ክልቲኦም ብዛዕባ እንገብሮ ምርጫ ምስ አምላኽ ምዃንን ንአምላኽ ምሕዳግን ይነግሩና።

ኢያሱ ድሕሪ ሙሴ ንህዝበ እስራኤል መሪሑ ንምድረ ተስፋ እተወ መራሒ እዩ። እንተ ኾነ እቶም ህዝቢ ነቲ አምላኽ ዝገበረሎም ረሲዖም ምስቶም አብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝቢ ብምሕዋስ ንአምላኽ ሓዲጎም ካልእ አምልኽቲ ከምልኹ ጀሚሮም። አብዚ እዋን እዩ ንእስራኤላውያን ምርጫ ክገብሩ ንአምላኽ ከገልግሉ ክመርጹ ወይ ንአምላኽ ክሓድጉ ዝሓተቶም። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ “ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ እናበለ” ሓቲትዎም። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ነቲ አብ ቃል ኪዳን ዝግበር ናይ እምነት ነገር ብአምሳል እናገበረ ሰብአይ ወይ ሰበይቲ መጻምዶ ብሓደ ክነብሩ ከፍቅሩ ዝተመርጹ እዮም፥ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዘፍቀራን ንገዛእ ርእሱ ዝወሰዳ ክልተ ሰብ ኪዳን ከአ ነነድሕዶም ይወሃሃቡ ከምዚ እናበለ ኸአ ይገልጾ “ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ብቃልን ብምሕጻብ ማይን አጽርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ ርስሓት ወይ ዕጣር ወይ ድማ ንእኡ ዚመስል ካልእ ክፍአት ዘይብላ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተ ክርስትያን ገይሩ ናብኡ ምእንቲ ኬቕርባ አብ ክንድአ ገዛእ ርእሱ በጃ ክሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ ነንስትኹም አፍቅርወን”) (ኤፈ 5፡25-27)።

እንገብሮ ምርጫ ሕይወት ዘሎና ወይ ምዉታት ከምእንኸውን ይገብረና። ነቲ ቀንድን ጽቡቕን ክርስትያናዊ መምርሒ ሕይወት ሓዲግና ንግጉይ መገዲ ክንመርጽ እንከሎና አብ ገዛእ ርእስና ኩነኔ ንፈርድ። ንቃል አምላኽ ክነጽግ እንከሎና ነቲ ቅዱስ አምላኽ ስለ እንነጽግ ግጉይ መርጫ ንገብር። ሓደ ክነስተውዕለሉ ዘሎና ነገር አሎ ጽቡቕ ክንመርጽ እንከሎና ካብ ፈተና ካብ ስቓይ ወይ እውን ካብ መከራ ነጻ ንኸውን ማለት አይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሓቂ ምስ ክርስቶስ ክንከውን ክንመርጽ እንከሎና ዝበለጸ ምርጫ ኢና እንገብር ዘሎና። ንጉሥ ዳዊት ንህዝቡ መቕጻዕቲ ክወርዶም ካብ ሰለስተ ሓንቲ ክመርጽ ምስ ተሓተ ከምዚ እናበለ መሊሱ “ምሕረቱ ብዙኅ እዩ እሞ አብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕሲ አብ ኢድ እግዚአብሔር ምውዳቕ ይኅሸና” (2ሳሙ 24፡1025) ኢሉ ነቲ ብአምላኽ ዝመጾ መቕጻዕቲ ክቕበል ንርእሱ አብ ትሕቲ አምላኽ እምነት ገሩ ተጸብዩ።  ዝወረደ ጸገማት ይወረድ ምስ ክርስቶስ ክትከውን ምምራጽ እቲ ዘበለጸ ምርጫ ናይ ዝኾነ ለባም ሰብ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ንሱ ፈቃርን መሓርን ጎይታ እዩ፥ ከምኡ ንሱ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት መልእኽቲ አለዎ።

መዘምር ዳዊት ከምዚ ይብል “እቶም ደድኅሪ ኻልኦት አማልኽቲ ዝጎዩ አብ ገዛእ ርእሶም መዓት የውርዱ” (መዝ 16፡4)፥ ንአምላኽ ክትመርጽ ዘይምኽአል አብ ዝተፈላለየ ስቓይን ወርደትን ልዕሊ ኹሉ ዘይቅሱን ኮንካ ከም እትነብር ይገብረካ። ቃላቱ ምስማዕ ምስ አበና ወይ ምስ ነጸግና፥ ነቲ አብ ተፈጥሮ ዝሃቦ ስርዓት ምስ አበላሾና፥ ንዝወረደና ስቓያት ካብ ደው ምባል ነብቅዕ ብኻልእ አዘራርባ ተስፋ ንቖርጽ መገዲ አምላኽ ንሓድግ ንመገዲ ክፍአት ናትና ኢልና ንተሓሓዞ ሽዑ ንሞትን ስቓይን ናትና ኢልና ንሕዝ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ባዕልና ብዝመረጽናዮ መገዲ እዩ። ካብ አምላኽ ክንርሕቕ ምስ መረጽና ዝመርሓና መገዲ ነጥፍእ ሽዑ ንጹር አድራሻ ዘይብልና ኮና ከም እንስሳ ስምዒትናን ርድኢትናን ብዝመርሓና መገዲ ንጉዓዝ ንሱ ኽአ ናብ ጥፍአትን መከራን ይወስደና። አብ ናይ ጥፍአት መገዲ እንከሎና ነቲ ምሕረት ዘይገብር ጸላኢ ደቅ ሰብ ዝኾነ አብ መገዲ ረኺብና ዝሰልጠና መሲሉና ንተዓራረኾ በዚ ኸአ ደቂ ድያብሎስ ክንከውን ደቂ ማሕበሩ ንኸውን። እምብአር ክበዱን ምረቱን ብዘየገድስ ንመገዲ ክርስቶስ ክንርድኦ፥ ይኽበደና አይኽበደና ምስኡ ጸኒዕና ንንበር ምኽንያቱ ንሱ ዝበለጸ ምርጫ ሕይወትና ንግበሮ፥ ንሱ አባይ ንዑ ዝደኸመ፥ ዝጸምአ፥ ኵሉ ነገር ፋሕ ዝበሎ ይቕረበኒ ከርህወልኩም እየ ኢሉና እዩ።

ከም ኢያሱ ንደቂ እስራኤል ዝበሎ “አነን ቤተይን ግና ንእግዚአብሔር ኢና እነገልግል” (24፡15) ክንብል፥ ከምኡ ከም እስራኤላውያን “ንእግዚአብሔር ኃዲግና ንኻልኦት አማልኽቲ ምግልጋል ካባና ይርሓቅ” (24፡16) እናበልና አብ አምላኽ ዘሎና እምነትን አኽብሮትን አብ ዕለታዊ ሕይወትናን ርክባትናን ክንገልጾ ክንክእል አሎና። ከም ክልተ እሙናት ሰብ ሓዳር አብ ክርስቶስ ዘሎና እምነትን ሓድነትን ሓዲስና ነቲ ዝሓረየናን ናቱ ዝገበረና ክርስቶስ ብምሉእ እምነት ልብና ንሃቦ።

አብ መጨረሻ ሰብ ምሉእ እምነትን ግዱሳት አርድእትን ኢየሱስ ኮና ምስ ጴጥሮስ “ጎይታ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል አሎካ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፥ ንሕናስ ንስኻ እቲ ቅዱስ ናይ አምላኽ ምዃንካ አሚናን ፈሊጥናን አሎና” (ዮሓ 6፡68) ንበሎ። ነዚ ብልቡ ክደገም ዝኽአለ ብምሉእ ናይ ክርስቶስ ኮይኑ አሎ ማለት እዩ፥ ምስ ጳውሎስ ኮይኑ “አባይ ዝነብር ዘሎ ክርስቶስ እዩ” ክብል ይኽእል። ብምሉእ ናይ ክርስቶስ ክንከውን ስንቂ ሓይሊ ከምኡ ሓባሪ የድሊ። ስንቅና አብ ጸጋ አምላኽ ክንገብር፥ ዘሎና ውህበት ካብ አምላኽ ምዃኑ ክንፈልጥ፥ መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ከምዝመርሓና ዘሎ ፈሊጥናን አሚናን ክንሰምዖ።

አምላክ ዝደልዮ ዝገብር ሰብ መለልይኡ ሓጎስ ሰላም ፍቕሪ እዩ። ሎሚ እምብአር ናይ ሓጎስ መዝሙርና “ንኢየሱስ ክስዕብ ወሲነ እየ፥ ንድሕሪት ግልጽ አይብልን ንድሕሪት አይምለስን እየ” እናበልና ንአምላኽ ሒዝና ንቅድሚት ክንምርሽ ንወስን። ክርስቶስ “ዕለት ዕለት መስቀልኩም ጸርኩም ስዓቢኒ” ይብለና። ክርስትያናዊ ሕይወት ብዘይ መስቀል ትርጉም የብሉን ስለዚ ዓይንና ልብና ኲኖ ጸበባን ፈተናን አብ ክርስቶስ ጠሚትና ብተስፋን እምነትን ንከተሎ።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ መሪጽና ክንክእል ከምኡ ነቲ ክርስቶስ ሓርዩ ሂቡና ዘሎ ጸጋ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገርና ክንለብሶ፥ ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ተሓሪና ከምዘሎና አሚና ብሓቅን ብፍቕርን ንንበር። ሕርየትና ንተልእኮን አገልግሎትን ምዃኑ አለሊና አብ ጉዕዞ ንዝጓነፉና ከነለሊ ከይንዕንቀፍ ከይንወድቕ አስተውዒልና አብ ጸጋ ክርስቶስ ተመስሪትና ክንጉዓዝ መብጽዓና ንሓድስ።

ማርያም ንሕርየታ አለልያ ንአምላኽ ዘገልገለት አደ እያ፥ ምሉእ ሕይወታ ነቲ ሓንሳብ ሕራይ ዝበለቶ አይለወጠትን ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና አብ ተተሓሪናሉ ዘሎና ጸኒዕና ጉዕዞና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንቅጽል ለምንልና ንበላ።








All the contents on this site are copyrighted ©.