2015-08-27 15:53:00

ህንዲ፦ ቅዱስ ኣቦና ንሕርየት ሓድሽ ናይ ሶሪያ ማላብራዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ኣጽዲቖም


ኣብ ህንዲ ናይ ሶሪያ ማላብራዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳሳዊ ዓቢይ ኣብ ሞንት ሳይንት ቶማስ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ኣብ ህንዲ ናይ ማንድያ ናይ ሶሪያ ማላብራዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤጳርቅና ኣብ ከባቢ ቤንጋሉሩ ኡርባንን በንጋሉሩ ሩራልን ኪክባላፑርን ኮላርን ራምናጋራን ቱምኩርን ዝርከባ ናይ ሶሪያ ማላብራዊ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓደ ክጥርንፍ ወሲኑን ናይቲ ሓድሽ ኤጳርቅና ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ኣብ ራባ ናይ ስነ ምሕንድስናን ዕደ ጥበብን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ኣብ ምግልጋል ንዝርከቡ ኣባል ቀርመሎሳውያን ኣባ ኤንቶንይ ካሪዪል ከምዝሾመን ነዚ ውሳኔ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዘጽደቕዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ካሪዪል ዕለት 26 መጋቢት 1950 ዓ.ም. ኣብ ኤርናኩላም ኣንጋማልይ ርእሰ ኤጳርቅና ከምእተወልዱን ዕለት 16 ግንቦት 1967 ዓ.ም. ድማ ከም ቀርሜሎሳዊ ቀዳማይ ማሕላ ከምዝፍፈጸሙን ኣብ ፑና ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ኣብ ባንጋሎረ መንበረ ጥበብ ድሃማራም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ከምዘመስከሩን ዕለት 27 ታሕሳስ 1977 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቀበሉ ካብ ህንዲ ናይ ሶሪያ ማላብራዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመሓላለፈ መገልጺ የመልክት።

ኣባ ካሪዪል ኣብ ባንጋሎር ናይ ክርስቶስ መንበረ ጥበብ ቤት ምኽሪ ኣባልን፣ ቀጺሎም ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳርን ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ከምዘገልገሉን፣ ኣብ ባንጋሎረ ናይ ሶሪያ ማላብረዊ ስርዓት ሰዓብቲ ማሕበረ ክርስቲያን ዘትንሳኤሁ ቆሞስን ኣብ ራጃጊሪ ካላማሰርይ ናይ ስነ ማሕበራዊ መጽናዕቲ መንበረ ጥበብ ኣመሓዳርን ናይ ገዳም ቀርመሎስ ማሕበር ኣብ ራጃጊሪ ሓለቓ ኰይኖም ድማ ንሽዱሽተ ዓመት ከምዘገልገሉን ኣብ ሕንዲ መላእ ገዳማውያን ማሕበራትን ዝሓቁፍ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ኰይኖም ከምዘገልገሉ ኣብ ህንዲ ናይ ሶሪያ ማላብራዊ ስርዓታ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመሓላለፎ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.