2015-08-22 16:42:00

ኵባ፦ ብፁዕ ኣቡነ ሀርናንደዝ ሓናጺ ርክብ ቅድስቲ መንበርን መንግስትን


ኣብ ኵባ ናይ ሃቫና ሊቀ ጳጳሳት ተሓባባሪ ብፁዕ ኣቡነ ዅዋን ደ ዲዮ ሄርናንደስ ርዪዝ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መሰከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ብዝብልከት ምስ ሓደ ዓለም ለኻዊ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ኵባን ሓድሽ ርካባት ይሳለጡ ከምዘለዉን እቲ ክሌኣዊ ርክብ እውን ሓናጺ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፦ ብፁዕ ኣቡነ ሄርናንደስ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍጸም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና፣ መንግስቲ ኣብ ኵባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተራ ኣፍልጦ ንኽህብ ከምዘተባበዔን ሓድሽ ናይ ሓባር ዘተ ከምእተበገሰ ዘነጽር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋያርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ብዙሕ መዳያት

ናይ ሃቫና ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሄርናንደስ መንግስቲ ኵባ ሓደስቲ ኣቢያተ ክርስትያን ክሕነጽ መንግስቲ ኩባ ከምዝፈቐደን ድሕሪ 1959 ዓ.ም. ናይ ኵባ ሰውራ ምኽንያት ተወሪሱ ዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት እውን ከምእተመልሰን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ደናግል ማሕበራት ኣባላት ኣብ  ክንክን ጥዕና ክዋፈራን ብፍላይ ብዕድመ ንዝደፍኡ ዜጋታት ኣብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክዋፈራ መንስቲ ፍቓድ ከምዝሃበን፣ እዚ ድማ ማሕበረሰብ ኩባ ብዋሕዲ ብዝሒ ውላድ ዝተጠቕዔ ብምዃኑ እቲ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዝወሃብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ ቢሎም ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተሳትፎኣን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ገና ስምምዕ ዘይተገበረሎም ምዃኖም ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.