2015-08-22 16:35:00

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ፦ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ወንጌላዊት ክትከውን መታን ወትሩ ክትሕደስ ትጽዋዕ


ጉድለት ሰብ፣ ትምኒትና እንታይ እዩ፣ ናይ ልቢ ትምኒት! ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ብሓልዮት ካቶሊካዊ ሱታፌን ሓርነትን ማሕበር ዝተሰናደወ ዓውደ ጉባኤ ምሕዝነት ኣሕዛብ ዕለት 19 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብትብዓት ለዋህን ትሑትን ጽባቔን ዝዀነ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ መግለጺ ጥዑም ቃል ብስራት ንምብጻሕ ቀንኣት ኵኑ ሃንቀውታ ይሃልኹም ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ብዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተጀመረ ዕለት 26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ክዛዘም ምዃኑ ቅድም ክብል ከምእተሓበረ እንክዝከር፣ ዕለት 21 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ማሕብረሰብ ምእመናን ሓቀይና ወንጌላውን ናጻን ወትሩ ኣብ ቅድሚ ትሑታትን ዝተናዕቁን ዝንብርከኽ መታን ክኸውን ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ክትሕደስ ትመዓድ። ምስፋሕ ክርስትና እቲ ኣዚዩ ታሪኽ ዓለም ዝቐየረ ኵነት እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኰሎዲ ሓቢሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ነቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ጉድለት ሰብ ትምንቲ ሰብ ዝብል መርሕ ቃል ብዓይኒ ስነ ሰብእ መገዲ እንከነጽሩ፣ ጉድለትን ድሩትነት ሰብ ዝነኣድ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ዘርኢ ሰብ ክብ ዘብሉን ዝንእዱን ናይ ፍጥረት ሰብ ውስንነት ግምት ዝህቡ ናብ ታሪኻውነትን ተግባራውነትን ትስብእትን ዝትርጐሙ ንናይ ሓደስቲ ነቢያዊ ሓሳባት ብቕዓት እዩ። ስለዚህ እቲ ድርቱነት ብኻልእ መገዲ ብቕዓት እውን እዩ። ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ሰብን ሰብኣውነትን ትርጉም ውስንነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ቀጺሎም ብዓይኒ ስነ ሰብእ መጽናዕቲ እቲ ድርቱነትን ውስንነትን ሰብ ክእሎት እዩ። እዚ ማለት ድማ ሰብ ብዝያዳ ሰብኣዊ ክኸውን ዝድርዀ ሓይሊ እዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ግና ድርቱነት ጉድለት ንምውዳስ ዘይኰነስ ውሱንነት ምዃን ሰብኣዊ ብቕዓት ክኸውን ምስትዓውሉን ብእወታዊ መገዲ ምርኣዩን ክእሎት ገርካ ክንበር ኣለዎ ንምባል እዩ። ውሱንነት ሰብ  ንድላይ ዘነቓቕሕ ደራኺ ሓይሊ እዩ፣ ሰብ ኩሉ ዝጨበጠን ኩሉ ዘለዎ ኔሩ እንተዝኸውን ሃረር ዝብሎን ዝደልዮን ሓደ ነገር’ኳ ኣይመሃለዎን፣ ጎዶሎን ዝጐድሎን ውሱንን ምዃኑ ምስ ዘስተውዕል ነቲ ዘይብሉ ዝጐደሎ ከናድይ ይብገስ፣ ካብ ጉድለት ዝብገስ ናይ ድኽነትን ስእነትን ተመክሮ ናይ ዶባት ጽባቔ ዝብል እዩ። ውሱንነትን ጉድለትን ሰብ ናይ ሕይወት ምስጢር ነኽነስተውዕል ዘብቅዓና ቤት ትምህርቲ እዩ።

ርዉይን ዕጉብን ኣየናድይን እዩ፣ ዘናድይ ዝሰኣነን ድኻን ብስእነት ዝተጨነቐን እዩ። ስለዚህ ድኻ እቲ ውስንነቱን ድርቱነቱን ኣስተውዒሉ ንዝለዓለ ጉዳይ መጋበርያ ይጥቀመሎም። ሰብ ውስኑነትን ድርቱነት እዚዩ ምስ ዝፈልጥ ናብ ጉብእነትን ሓላፍነት ኵነት ይኣትው ከምዝበሉ ኰሎዲ ሓቢሮም።

ድሩትነትን ውሱንነት ከም ሃብቲ ዝቖጽር ሕብረተሰብ ንማሕበራትን መንግስታትን ማሕበረሰብን ብዓቕሚ ምህርትን ብዘለዎም ናይ ቁጠባ ሃብቲ ዘይኰነ ግምት ዝህቦም ነቲ ብቕዓት ኣምራትነትን ዘለዎም ናይ ቁጠባ ሃብቲ፣ ናይ ድኻታት ጸገም ንምፍታሕን ብኽልተ ውንጫፈ ዝምራሕ ደንጓይን ተወንጫፍን ዓለም ከይፍጠር ንዝብል ክቡር ሓሳብ እዩ ዘውዕሎ። ንድኻታትን ነቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ነቶን ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዓቕሚ ንዘይብሎምን ሕይወትን ምንባርን ከስተማቕሩ እዩ ዝሓስብ። ቤተ ክርስቲያን እውን መዋቕራታን ውሳኔታታን በቲ ዓይነት ውሱንነት ስነ ሰብእ ተነቓቒሐ ወንጌላዊት ክትከውን መታን ወትሩ ክትሕደስ ትጽዋዕ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ንእንነብረሉ እዋን ናይ ህላዌ እግዚኣብሔር ካብቲ ካብኡ ናይ ዝምንጭው ፍቕሪ ምልክት እያቶም፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ ጎዳና ምስክርነት ብዙሕ ክንዓዩ ይግብኣና ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣተሓሒዞም፦ ነቲ ባዕሉ ብምሕረቱ ዝበጽሓና ፍቕሪ ዘቃልሕ ንሓቀይና ወንጌላዊ ተግባራት ሓቀይና ነጻነትን ሕይወት ኣብ ምሃብ ክንዓቢይ ይግብኣና። እቲ ውሱንነትን ዘይፍጹምነት ሰብ ከም ሃብቲ እትምልከት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ኣብ መንግስቱ ንኽቕበላ ሃረር እትብሎ ጐይታ ምስክርነት ህያው ህላዌ ኣብ ዝዀኑ ቅድሚ እቶም ትሑታት ዝተምበርከኸት ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል እትርከብ ቤት ሕክምና እያ ዝብልዎ ትኸውን እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ከምዘጠቓለሉ ኮሎዲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.