2015-08-20 16:17:00

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ፦ ፖሊቲካ ናይ መደናገርቲ ውልቃዊ ሓለፋ ዝብሉ ሰባት ጉባኤ ኣይኰነን


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ብዛዕባ ስደተይናታት ኣመልኪቶም መንግስትን ፖለቲካን ኢጣሊያ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ጌጋ ምዃኑን ሰብ ምንጻግ ንገዛእ ርእሱ ካብ ውግእ ዝገደደ ተግባር እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብ ኢጣሊያ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መራኸቢ ቡዝሃንን ኣሉታውን እወታውን ርእይቶ ይህብሉ ከምዘለዉን፣ ብፍላይ ድማ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ብዘለዓዕልዎ ዘለዉ ክብሪ ሰብ ዘየኽብር ዓይነት ኣሉታዊ ርእይቶ ምኽንያት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝግ ንምባል ኣሚቶም ዕለት 19 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ምስ ናይ ትረንቲኖ ናይ ኣልቺደ ደ ጋስፐሪ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ንኸስምዑ ዝብል ተታሒዙ ንዝነበረ መደብ ብኣካል ከይተረኽቡ ነቲ መልእኽቲ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመሓላለፉን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ከምእንተነበን ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዘይ ፖለቲካ ኩሉ ይበርስ፣ ብዘይ ፖለቲካ ሕብረተሰብ ፋሕ ጭንግራሕ ይብልን ምልካውነት ከምዝሰፍሕን ገሊጾም ፖለቲካውያን መዋቕራትን ናይ ሕጊ ሉኣላውነትን ዴሞክራስን ዝትክእ ካልእ መገዲ ገና ኣይተመሃዘን፣ ሕብረተሰብ ክርስቲያን ይዅን ኣይዅን ዘመሓድሮን ዝመርሖን የድልዮ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተማእከለ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መግለጺ የመልክት።

ቤተ ክርስቲያንን ፖለቲካን

ኣብ ኢጣሊያ ዝተነብረ ደጋስፐራዊ ተመክሮ፣ ኣብ ምቛም መንገስታውያን ተቛማት ባህሊ ዓቢይ ጽልዋ ከምዘለዎን፣ ደጋስፐራዊ ፖለቲካ ጸቢብን ዕጹውን ዘይኰነስ ናይ ፖለቲካ ልዑል ክብሪ ዘቃልሕን እዩ። ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት ዘተባብዕን ፖሊቲካ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ምዃኑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ክግንዘቡ ዘተሓሳስብን ተሳትፎን ኣገልግሎትን ዝነበር እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርታ እተቓልሖ ሰብኣውነት ዘማእከለ ሓሳብ ዝኽተል እምበር ንቤተ ክርስቲያን ሓለፋ ዝብል ኣይኰነን። ናይ ሞሮን ፋንፋኒን ፖሊቲካ ካቶሊካዊ ዓለም ኣብ ሓደ ዝጥርንፍ እዩ ኔሩ። ብዙሕ ጊዜ  ብጉልባብ ልዑን ናይ ፖሊቲካ ትርጉም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዅን ኣብ ፖሊቲካ ዓለምን ናይ ፖሊቲካ ማሕበራትን ማሕበር ሰራሕተይናታትን ንናይ ውልቃዊ ረብሓኦም ኣሚቶም ዝጓየዩ ኔሮምን ኣለዉን ክህልዉ ኣውን ኣያቶም፣ እቲ ኣብ ኢጣሊያ ዝተራእየ ማሕበራውን ሰብኣውን ምዕባለ ብዘይ ናይ ደ ጋስፐሪ ፖለቲካ ኣይምተረጋገጸን ኔሩ፣ ድሕሪ ደ ጋስፐሪ 1954 ዓ.ም. ሓድሽ በርገሳዊ ጥበብ ተራእዩ እዩ፣ እዚ ድማ ናይ ደ ጋስፐሪ ፖሊቲካ ውጽኢት ምዃኑ ብፁዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ፖለቲካ ናይ መደናገርቲ ውልቃዊ ሓለፋ ዝብሉ ሰባት ማሕበር ኰይኑ ኣሎ

ማሕበራውን ፖሊቲካውን ቅልውላው ብናይ ኤኮኖሚ ስነ ሓሳብ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኰነን፣ ምንቲ’ዚ ኣብ ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ዘማእከለ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ዘለዎ ፖለቲካ ብምቛም ዝፍታሕ እዩ። እዚ ድማ ናይ ደ ጋስፐሪ ፖለቲካ ይሕብሮ፣ ፖሊቲካ እቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ዓይነት ፖለቲካ ማለት ኣይኰነን፣ እዋናዊ ፖለቲካ ውልቃዊ ህርፋን ዘቐድም ናይ መደናገርቲ ማሕበር ኰይኑ ኣሎ። ታሪኽ ድማ ክፈርዶ እዩ ከምዝበሉ መግለጺ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓቢሩ።

ግደ ካቶሊካውያን ኣብ ፖለቲካ

ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓቢ እምነቱ ብፈረቓ ዘይነብር ክኸውን ኣለዎ፣ እምነት ምዕባለን እደ ጥበብን ዝገትእ ማለት ኣይኰነን። ጥበብ ሰብ ነቲ ፍጹም ጥብብ ዝዀነ ፈጣሪ ዝውፈይ እዩ። ተልእኾን ዕዮን ኣገልግሎት እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ፖሊቲካ እቲ ዝለዓለ ናይ ዝስዋእ ፍቕሪ መግለጺ ተግባር እዩ

ዝዀነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ኣካል፣ ማሕበራውን ሰብኣዊ ጸገማት ማለት ስእነት ስራሕን ጉዳይ ስደተይናታትን ዝኣመሰሉ እዋናዊ ጸገማት መጋበሪያ መዕተሪ ድምጺ ህዝቢ ከውዕሎም ኣይግባእን፣ እቲ ዘሕዝን ግና ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ኵነት እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣስዒቦም እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን ብዛዕባ ስደተይናታት ጉዳይ ኣማእኪሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ብዙሕ ዘካትዕ ዘሎ እውን እንተዀነ ካብቲ ፖለቲካ ናይ ዝለዓለ ዝስዋዕ ፍቕሪ መግለጺ ተግባር ዝነቐለ ሓሳብ እዩ ከምዝበሉ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣተሓሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽቐውም ደ ጋስፐሪ ካብቶም ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ ኢጣሊያዊ ናይ ፖለቲካ ኣካል እዮም፣ ሎሚ ሕዝቢ ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፖለቲካ ኣካላት እቲ ኤውሮጳ ዝሓለፈቶ ጽንኵር ናይ ተመክሮ እዋን ክዝክሩ ይግባእ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.