2015-08-18 15:50:00

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፦ ካቶሊካውያንን እስላምን ብሓባር ንኽንክን ተፈጥሮ


ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ዓለም ሓቆፍ እስላማዊ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበርን እስላማዊ ጉባኤ ስነ ምህዳርን ናይ ስነ ምህዳር ስነ ምርምርን ሓምላይ እምነት ማሕበርን  ዛዕባ ምቅይያር ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 17 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ንኽዝትይ ብሓባር ናብ ዝጠለብዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ክንክን ተፈጥሮ ምትሕብባር ካቶሊካውያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ከይዲ ቅልውላው ስነ ምህዳር እቲ ዝኸበድ ዝጸንዔን ቅልውላው እዩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝቢ ዓለም ጸሎትን ጭቡጥ ፍጻሜኣዊ ተግባርን ኣብ ቅድሚ ዝሓትት ዝተፈላለቱ ብድሆታት ከምዝርከብ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሓቂ ወሳንን ብፍላይ ድማ ንናይ ዓለም ታሪኽ ናውጼን ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እቲ ኣብ ከይዲ ዘሎ ስነ ምህዳራዊ ቅልውላው ካብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ኣዚዩ ዝኸበደን ዝጸንዔን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ስነ ምህዳር ዘተኰረ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ኵሉ ልባዊ ናይ ስነ ምህዳር ምልዋጥ የድልይ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኵሉ ነቲ ናይ ሓባር ቤት ዝኾነ ዓለምን መሬትን ብዓይኒ እምነት እንተዘየማዕደዎ ነቲ ከቢድን ጽኑዕን ቅልውላው ስነ ምህዳር ንምውጋድ ዝቐርቡ ግብረአዊ ሞያ መፍትሕታት ንበይኖም ብቕዓት ኣይክህልዎምን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንግብረ ስነ ምህዳር ስሉጥነት ምትሕብባር ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዝጥርንፍ እቲ ኣብ ሓደ እግዚኣብሔር ዝጸንዔ እምነት ነቶም ዘደንቝ ንኣናን ንመጻኢ ወለዶን ብእግዚኣብሔር ዝተዓደሉና ጸጋታት ንምክንኻን ዝድርኽ እዩ። እዚ ምስ እንኣምን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ብመንፈስ ምትሕብባር ብሓባር ስለ ክንክን ስነ ምህዳር ዝፍጽሞ ተግባር ስሉጡ ይኸውን ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶም እቲ ዓውደ ጉባኤ ብቑዕ ውጺኢት መታን ንኽህልዎ ጸሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣረጋጊጾም፣ ንኽንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ምስልምናን ካልኦት ሃይማኖታትን ምትሕብባር ክህሉ ተላብዮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.