2015-08-08 17:56:00

ምስሕሓብን ቈይቍን ግጭታት ንምስዓር ዘተን ናይ ካልኦት ክብሪ ምሕላውን የድሊ (ር.ሊ.ጳ)


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ 1500 ዝኾኑ አብ ከተማ ሮማ ንግደት ዘካይዱን ድሕሪ ጽባሕ አብ ዝካየድ ዓለምለኸ ጉባኤ ምንቅስቃስ ቅዱስ ቍርባን መንእሰያት ንምሳትፍ 38 ማኅበራት ወኪሎም አብ ሮማ ዝርከቡ መንእሰያት ብናይ ኢየሱሳውያን ጠቅላሊ ሓለቃ አባ አዶልፎ ኒኮላስን ናይ ጠቅላሊ ሓላፊ ወኪል አባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ተሰንዮም ንዝመጹ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ “ብክርስቶስ እመኑ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ሓቀኛ ሰላም ዝህብ፤ ግጭታት ንምስዓር ዘተን ናይ ካልኦት ክብሪ ምሕላውን የድሊ” እንክብሉ ሓደራ ቢሎምዎም፣

እዚ ምንቅስቃስ እዚ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት አብ ከባቢ ሉርድ ብዝነበሩ ናይ ሃገረ ፈረንሳ ኢየሱሳውያን ማኅበር ንመንእሰያት ናብ ክርስቶስ ንምቅራብ ብጸሎትን አስተንትኖን ዝተፈላለዩ ሠናይ ተግባራት እናገበሩን ክተአኻኸቡ ዝገበረ እንክኸውን አብ ዓለም ሙሉእ ልዕሊ 56 ማኅበራት አለውዎ፣ አብ ሮማ መርከቢኦም ምኽንያት እውን ንዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ብዓለም ለኸ ደረጃ ብኅብረት ንምዝካርን ንዘሎና ግዜ ዘድሊ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንመንእሰያትን ንሥድራቤትን ንምእማትን እዩ፣ አብዚ ናይ ትማሊ ምስ ር.ሊ.ጳ ዝገበርዎ ርክብ ድሕሪ ሰላምታን ናይ ኅብረት ጸሎትን ቀንዲ ዘሰክፎም ነገራት ንር.ሊ.ጳ ብመልክዕ ሕቶ ዘቅረቡሎም እንክኾኑ፤ ቅዱስነቶም ካብቲ ሕቶታት ብዝረኸበዎ አንፈት ክልተ ቃላት ማለት አብ ሥድራቤታትን ማኅበረሰባትን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝገልጻ ምስሕሓብን ግጭትን አተኵሮም ካብ ምስሓሕብን ክት ዕን ግጭትን ክፈርሑ ከምዘይብሎም ከም መንእሰያት መጠን እዚ ከምዝስሕሎምን ከምዘብስሎምን ምስ ገለጹ፤ ቈይቍን ምስሕሓብን ግጭትን ዘይብሉ ሥድራን ማኅበረሰብን ወይ አብ መቃብር ወይ ከአ ጽባሕ ንግሆ አብ ክብሪ ክርስቶስ አብ መንግሥተሰማይ ምስ ከድና እምበት አብዚ ምድሪ እዚስ አይንረኽቦን፣ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ሕይወት ብዘይ ምስሓሕብን ክትዕን ግጭትን እንትርፎ መቃብር ካልእ እምበይምመሰለን፤ ካብዚ ዚሃድም መንእሰይ ከአ ብእዋኑ ወሰኑ ዝሓዘ ቅድሚ እዋኑ ዝአረገ አብ ዕሥራ ዓመቱ ጥሮታ ዝወጸ እዩ እንክብሉ ምንም ክፈርሑ ከምዘይብሎም ናይዚ ኩሉ መድኃኒት ዘተን ክብሪ ካልኦት ምሕላውን ከምዝኾነ እውን ገሊጾም፣ ግጭት ስለ ግጭትን ሁከትን ኢልካ ዝግበር እንተኾይኑ አዕናዊ እዩ ኮይኑ ግን ፍልልይካ አጽቢብካ ናብ ሓድነትን ውህደትን ገጽካ ንክትጐዓዝ ዝግበር ምስሕሓብን ክትዕን ናይ ሕይወት ምልክት እዩ፤ አነ ዝበልክዋ ትኹን ዘይኮኑ ሓሳብካ ንገረኒ ብማለት ንሓሳባት ካል ኦት እናተቀበልካ አኽብሮት ብዝመልኦ መንገዲ እንተተዛቲኻን ሓባራዊ መዕለቢ ክርከብ ይከአል እዩ፣ አብዚ ግን ነፍሲ ወከፍ መንነቱን ክብሩን ክሕሉን ክሕለወሉን አለዎ እንክብሉ እውን ሓድነት ወይ ኅብረት ማለት ኩሉ ብዘይ ምንም ር እይቶን ሕቶን ተጐቲቱ ክኸይድ ከምዘይኮነ አገንዚቦም፣

ዝኾነ ግጭት ወላውን እቶም ሱርመሠረታውያን ዝኾነ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝምልከቱ ብዘተ ይፍትሑ እዮም መጀመርያ ግን ናይ ካልኦት መንነትን ክብርን ምሕላው የድሊ፣ እዚ ዘተን አተሓሳስባን እዚ ዝጐደሎ እንታይ ከምዝስዕብ ንርእዮ አሎና ምስ በሉ ከም አብነት ናይቶም ውሑዳን ማኅበረ ክርስትያንን አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝወርዶም ዘሎ አደራዕን ዘኪሮም፣

“አብ ማኅበረሰብ ውኁዳን ዝኾኑ ክርስትያንን ካልኦትን ክብሮም አይተሓለወን ጥራይ ዘይኮን ሓንሳብ ሓንሳብ ይቅተሉ ይስደዱ  ወዘቱ ምኽንያቱ ካልእ አይኮነን ንመንነቶምን ክብረቶምን ዝሕሉ ስለዝተሳእነ ጥራይ እዩ፣ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያና እውን ብዙሕ ሃይማኖታዊ ግጭታት ተላዒሎም ነሮም እዮም እዚ ግን ካቶሊካዊ አይኮነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ አይኮነን፣ ብማለት ዘተን አኽብሮ ካልኦትን ቀንዲ መፍትሒ ግጭትን ምስሕሓብን ምዃኑ ምስ ገለጹ፣ ሓንቲ ካብ ብራዚል ብዛዕባ ሰላም ንዝሓተቶም እንክምልሱ ከአ ሰላም ኩሉ ግዜ አብ ጐይታ ኢዩ ዝርከብ ሰላም ክህብ ዝክ እል እንኮ አካል ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ እንክብሉ መሊሶም፣

“ሓቀኛ ሰላም ወቱ ካብ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ፣ ሽሕኳ ሓንሳእ ሓንሳእ ብመስቀል አቢልካ እንተኾነ አብቲ ፈተነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ሰላም ይህበካ ኢዩ፣ ወትሩ ከም መስቀል አይኮነን ዝመጽእ ኮይኑ ግን ሓቀኛ ሰላም ካብ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ፣ እቲ ካብ ጸላኢ ዝመጽእ ሰላም ደጋዊ ኮይኑ ንግዚኡ ሕጉስ ፍንጭሕ ትብል እሞ ድሕሪ ቍሩብ ጊዜ ማዕረኡ ወይ ል ዕሊኡ ትሓዝን ተስፋ ትቈርጽ እዚ ናይ ጸላኢ ናይ ዲያብሎስ ዘብለጭልጭ ሰላም እምበር ሓቀኛ ሰላም አይኮነን፣ ድሕሪ ቢሎም ዘመንና ብዙሕ ተጸጊሙ ከምዘሎን ዳርጋ አብ ዝተኸፋፈለ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከምዘሎና ገሊጾም፣ አብዚ ግን ኩሉ ጸልማት ዘይኮነስ ናይ ሓጐስን ተስፋን ምልክታት ከምዘሎ እዚኦም ከአ ናይ ዘመንና መንእሰያት ኮይኖም ብክርስቶስ አሚኖም አብ ቅዱስ ቍርባን አብ ዝርከብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምቅራብን አበርቲዖም ብምሥራሕን፤ ፍቅሪ ል ዕሊ ጽል ኢ ሓዪሉ ክርከብ ሰላም ካብ ውግእ በርቲዑ ክርክብ ምክብባር ክንዮ ግጭትን ምስ ሕሓብን ደንፊዑ ክርከብ ሓደራ ቢሎም፣

አብ መወዳእታ ሓደራ ዝበልዎ ነቶም ዳርጋ ኩሉ እንረሰዖም ዝመጽእ ዘሎ ግን ዓቢ ጸጋን ትዕድልትን ዝኾኑ አቦሓጎታትን አደ ዓባያትን ክዝክርዎምን ክቀርብዎምን ከመይ ምንጪ ጥበብን ዝኽሪ እምነትን ስለዝኾኑ እንተወሓደ ምእንቲ መኽሰቦም ክብሉ ክሕብሕብዎም አብ ርእሲ እዚ ከአ እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ነዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ዘሳቅን ዘሻቅሎን ዘሎ ግጭትን ምስሕሓብን ምናልባት ካብቲ እዞም ዓበይቲ እዚኦም ካብኡ ዝበርተዔ ጸገማት አጓኒፍዎም ይኸውን ብኸመይ ከምዝፈትሕዎ እውን ዓቢ ዝኽርን ተመኵሮን ስለዘለዎም ምውካሶም ከምዘድሊ እውን አዘኻኺሮም፣

ልዕሊ ኩሉ ግን ምንጪ ሓጎስን ሰላምን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ ክቀርብዎን ክረኽብዎን ሓደራ ቢሎምዎም ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸበ ሰብ በቲ ዝረኸቦ መንገዲ ክጥቀምን ንካል ኦት ክጠቅምን ትር እዮ እዚ ከአ ናይ ጸሎት ሰብ ብምዃን ብምግባረ ሠናይ ንካልኦት ክረድእ እሞ ከአ ንኩሉ ብሓጐስን ሰላምን ክገብሮ እንክትርኢ እንኮ ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ምዃኑ ትግንዘብ ኮይኑ ግን እዚ ሓጐስን ሰላምን እዚ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ምእንቲ ካልኦት ሕይወትካ ንስቃይን መስቀልን አሕሊፍካ አብ ትህበሉ ጊዜ እውን ስለዝኾነ ወትሩ ዝኽሪ ናይቲ ምእንታና ክፍል ዘፍሰሶ ደሙ አብ ቅዳሴ ዝግበር መሥዋዕቲ ብምስታፍን ሥጋኡን ደሙን ብምቅባልን ከማኡ እውን አብቅ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን አስተንትኖን ስግደትን አምልኾን ብምቅራብን ምስ ክርስቶስ ክትወሃሃድ ክምዝከአል ገሊጾም፣ በዚ መንገዲ እዚ ንቅድሚት ክግስግሱ ሓደራ ድሕሪ ቢሎም አብ ዓለምና ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ከምዘሎ አብ ውግእ ከም እንርከብ አዘኻኺሮም ኮይኑግን ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ከምዘሎን እዚ ከአ ብሕቡእን ብግሁድን ሠናይ ነገር ዝገብሩ ሰላም ዘለዎምን ሰብ ጽቡቅ ድላይ አብ መንጎ ሕዝቢ እግዚአብሔር ስለዘለው ምኽንያት ተስፋናን ግስጋሴናን ስለዝኾኑ አጆኹን ንቅድሚት ገስግሱ እንክብሉ አተባቢ ዖም ኩሎም ሓቢሮም በብቋንቋኦም በሰላመ ቅዱስ ገብር ኤል መል አክ ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ እቲ ርክብ ተዛዚሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.