2015-08-06 17:55:00

ተፋቲሖም ዝተመርዓው ውጉዛት አይኮኑን! ወትሩ አካል ቤተክርስትያን እዮም (ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ)


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ልᎀድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብምኽንያት ናይ ሰሜን ንፍቀ ክበብ ወርሓት ሓጋይ አቋሪጾሞ ንዝጸንሑ እንደገና ብምጅማር ካብቲ ጀሚሮም ዝነበሩ ጉዳይ ሥድራቤት ብምቅጻል ብዛዕባ እቶም ተፋቲሖም እንደገና ዝተመርዓው በዘራርባና ከም ሰበር ዝፍለጡ ብምትኳር ቤተክርስትያን አደ ኩሉ ብምዃና ነዞም ሰባት እዚኦም እውን ከምትብጽሖም ብፍሉይ ቆላሕታ እውን ከምትጥምቶም ምናዳ ኸአ ነቶም ፍረ አብራኾም ዝኾነ ውሉድ ግቡእ ክርስትያናዊ መዕበያ ንምልጋስ ከምትተሓባበሮም ብምምልካት ምናልባት ነዞም ሰባት እዚኦም ከም ውጉዛትን ክፍሊ ቤተ ክርስትያን ከምዘይኮኑን ንዝሓስቡ “ተፋቲሖም ዝተመርዓው ውጉዛት አይኮኑን! ወትሩ አካል ቤተክርስትያን እዮም” እንክብሉ ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስተምሃርዎ አድሚቆም ገሊጾሞ፣

ምኽንያቱ እንክገልጹ ቅዱስነቶም “ዝተጠምቁ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቃል ኪዳኖም በቲኖም ሓዲስ ናብራ ሓዳር ዝጀመሩ ከምቲ ገሊአቶም ዝሓስብዎ ውጉዛት አይኮኑን! ወትሩ አካል ቤተ ክርስያን እዮም፣ ቤተ ክርስያን ከአ አደ ከም ምዃና መጠን ብእናታዊ ፍቅሪ ክትሓልየሎምን ክትሕብሕቦምን ትርከብ” እንክብሉ ነዞም አብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ዝወደቁ አሕዋትናን አኃትናን ብክፉት ልቢ ክንቅበሎምን ክንርሕርሓሎምን ምናዳ ከአ ነቶም ፍረ አብራኾም ዝኾኑ ሕጻናት ግቡእ ክርስትያናዊ መዕበያ ክረኽቡ ክንሕግዞም ሓደራ ቢሎም፣

ነዚ ሓሳብ እዚ ሽሕኳ አብ 2012ዓምፈ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ሚላኖ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዕለት ሥድራቤት እንተአወጅዎ ገና እቲ አተሓሳስባ ክልወጥ ስለዘይከአለን ንዝተጸገሙ አሕዋት ርዳእ ዝብል ፍቅሪ ብጻይ ዝተሓንገጠ ምህሮ ክርስቶስ ከም ዝግባእ ስለዘይዘይሰረጸን ናይ ምጉናይን አትሒትካ ምርአይን ግድል ስለዘሎ እዩ፣

ቅዱስነቶም ቀንዲ ዘተኵሩሉ አብቶም ሕጻናትን ነአሽቱን እንክኸውን ቤተክርስትያን እውን ማዕረ ማዕረ እዞም ሕጻናትን ገርሀይናታትን ነቲ ነገራት ዓይና አፍጢጣ ከምትከታተሎ ድሕሪ ምግላጽ እዞም ምንም ልቢ ዝሰዅዑ ዘይመስሉ ሕጻናት ኵነታት ሓዳርን ሥድራቤትን ምሉእ ብምሉኡ ከምዝከታተልዎን ከምዝዕዘብዎን ብምግላጽ ንመላእ ማኅበረሰብ ዓለም ብፍላይ ከአ ማኅበረሰብ ክርስትያን አብዚ ብርቱዕ ጥንቃቄ ክገብሩ ከምዝግቦም ድሕሪ ምምሕጻን “ማኅበረ ክርስትያን አብ ዝጥቀሙሉ ቋንቋ ዘርእይዎ ዝንባለን ምናዳ ምስቶም ሕጻናት አብ ዝገብርዎ ርክብ ክጥንቀቁ አለዎም፣ ከመይ ናይ ምፍልላይ አደራዕ ዝስከሙ እቶም ንጹሓት ናአሽቱ ሕጻናት ስለዝኾኑ” እንክብሉ ሓደራ ይብሉ እሞ ቤተ ክርስትያን ከም አደ ንኩሉ ክትሰምዕን ክትቅበልን ስንድውቲ ክትከውን የዘኻኽሩ፣

እቲ ቀንዲ ጸገም ክርስትያናዊ ሕንጸት ናይዞም ዕሸላት ምዃኑ ብምግንዛብ ከአ “እዞም ወለዲ እዚኦም ከመይ ገቢሮም ንደቆም ክርስትያናዊ መዕበያ ክልግሱ ይኽእሉ፧ በየናይ መንገዲኸ አብነት ክኾኑ ይኽእሉ?” ቢሎም ይሓቱ እሞ “ነቶም ብግርጭት ወለዶምን ምፍታሖምን ዚአክል ጭንቀት ንዘለዎም ቆልዑት ጭንቀት ክንውስኸሎም የብልናን፣ ነዞም ሕጻናት እዚኦም ቤተክርስያን ከም አደ መጠን ንክትሰምዖምን ክትቅበሎምን ስንድውቲ ምዃና ክነረጋግጸሎም የድሊ” ቢሎም፣

ናብ ኩነታት ቤተክርስያን ምልስ ብምባል ከአ ቤተክርስያን ወትሩ ተቀባሊት ኩሉን አደ ኩሉን ኮይና አገልጊላ እያ፣ ስለዝኾነ ከአ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብታ ፋሚልያሪስ ኮንሶርስዮ ዝተሰምየት ቃለ ምዕዳኖም “መንጎ እቲ አደራዕ ናይ ፍትሕ ዝተሸከመ አባል ሥድራቤትን ናይቲ ናይ ኩሉ ሁከትን ፍትሕን ምኽንያት ዝኾነ አባል ሥድራቤትን ጥንቁቅን ጽጹይን መጽናዕቲ ምክያድ የድሊ” ዝብልዎ ሎሚውን ከምዘድሊ ብምግላጽ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን “ነዚኦም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ፍልይን ውሕሉልን ሓዋርያዊ ጉስነት” ከምዘድሊ ከምዝተሓሳሰቡ ዘኪሮም፣

ብዝተፈላለየ ግዝያት መሪሕነት ጕስነት መንበረ ጴጥሮስ ተቀቢሎም ነቶም ዘመሓድርዎም ጓሶት ሓደራ ብዝበልዎ መሠረት ከአ ብዙሓት ቆማሳትን ጓሶት ነፍሳትን ነዞም አብ ናይ ፍትሕ ጸገም ዘለው ሥድራቤታት ፍሉይ ጕስነታዊ ቆላሕታ ብምሃብ ሓገዞም ንዝበርከቱ ብልቢ ድሕሪ ምምስጋን እዞም ናይ ፍትሕን ዳግም ምምርዓውን ግዳይ ዝኾኑ ሥድራቤታት አብ ቤተክርስትያን ብምምጻእ ጸሎት ከዘውትሩን አብ ሥርዓተ አምልኾ ክሳተፉን እንከለው ቃል አምላኽ ብምስማዕን ብጸሎትን ንደቆም ክርስትያናዊ መዕብያ እንክልግሱ ንድኻታትን ስኡናትን ብምርዳእን ንፍትሕን ሰላምን ብምቅላስን አብ ናይ ማኅበረሰብ ሰናይ ተግባር እንክሳተፉ ብሓቂ ዝነአድ ምዃኑ እውን ገሊጾም፣

አብ ዝሓለፈ ወርሓት ንዝለአኽዎ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ማለት ታሕጓስ ወንጌል ኢቭንጀሊ ጋውድዩም ብምጥቃስ ከአ ነባሪ አብነት ቤተክርስትያን እቲ አብ ወንጌል ዮሓንስ ዓሥራይ ም ዕራፍ ተጠቂሱ ዘሎ ሕያዋይ ጓሳ ከምዝኾነን ቀንዲ ተልእኾኡ ድማ “ሕይወቱ በጃ አባጊዑ ምሃብ” ስለዝኾነ ቤተክርስትያን እውን ብዘይካዚ ካልእ ምሳሌን አብነትን ስለዘይብላ ከም አደ ንደቃ ክትቅበልን ሕይወታ ም እንቲ ሕይወት ደቃ ክተወፍን አለዋ፣ ከመይ ቤተ ክርስትያን ክፍት ገዛ አቦ ንምዃን ዝተጸውዔት እያ” ምስ በሉ አፍደገታት ቤተክርስያን ብምንም ተአምር ክ ዕጸው ከምዘይብሎም ንምምልካት ከአ ደጋጊሞም መዓጹ ቤተክርስትያን ክዕጾ የብሉን፣ ኩሎም አካላት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ምእመናን ወይ ብሓደ መንገዲ ወይ ብካልእ መንገዲ አብ ሕይወት ቤተክርስትያን ክሳተፉን ንማኅበር አስተዋጽ ኦ ክገብሩን ይኽ እሉ እዮም፤ ከመይ ቤተ ክርስትያን ንነፍሲወከፍ ምስ ቃልሲ ሕይወቱ ቤት አቦኡ እያ” ቢሎም፣

ናብተን ብፍትሕን ካልእ ጸገማትን ቆሲለን ዘለዋ ሥድራቤታት ምልስ ብምባል ከአ ንነፍሲ ወከፍ ሥድራቤት ክርስትያን ዝተዋህበ እጃም ሥራሕከስ ንዝተጸገሙን ዝቈሰሉን ሥድራቤታት አብ ግምት ብምእታው ነፍሲ ወከፍ ዝተኸሎ ከበርክት ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም፣

“ነፍሲ ወከፍ ንርድኢትን ዝምባሌን ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ ከም ናቱ ብምልባስ ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ ክፈልጡን ከለልዩን ካብቲ ደረት አልቦ ፍቅሩ ከአ ማንም በጊዕ ከይትተርፍ ተጠንቂቆም ክሕልው አለዎም” እንክብሉ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን አሰር መምህሩ ብምኽታል ንዝተጸገሙ አካላቱ ፍሉይ ቆላሕታ ክገብረሎምን ማንም ተጓንዩ ካብ ደንበ ቤተክርስትያን ከይግለልን ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.