2015-07-30 16:41:00

ካህናትን ብፁዓን ጳጳሳትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጐስጓስ ጸረ ፍርዲ ሞት


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ካህናት ማሕበር ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ብምሉእ ውህደት ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅዋም ሃገር ኣብ ዘሎ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቕድ ውሳኔ ውድቂ ክኸውን ኣብ መላእ ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርዲ ከይህሉ ዝሓትት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ካህናት ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ዝኣመተ ጸሎትን ማሕበራዊ ምስክርነትን ከነቓቕሑ ከምዘተሓሳሰቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ካብ መላእ ካህናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 99 ሚእታዊ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንምውጋድ ናይ ሞት ፍርዲ

ናይ ሕይወት ባህሊ ንምቛምን ንምስፋሕን ናይ ሞት ፍርዲ ምውጋድ ዝብል ናይ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ካብ ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ክሕከኽ ዝሓትት ጐስጓስ ዝተበገሰሉ ዝኽር መበል 10 ዓመት ምኽንያት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰብኣዊ ምዕባለን ናይ ሕይወት ሓልዮ ድርገት ሊቀ መናብርት ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ወንስኪን ብፁዕ ካርዲናል ሲን ኦማልይ ፊርማ ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልኽቲ ዘስመረሉ ሓሳብ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መላእ ካህናት ማሕበር ብምቅላሕ ኣብ ኣይትቕተል ዝብል ክቡር ዋጋ ብምቕታል ዘኰነስ ብዘይ ምቕታል እዩ ዝሕነጽ፣ ሕንጸት ሕይወት፣ ብምክንኻን ሕይወት እምበር፣ ሕይወት ብምሕላፍ ዝቐርብ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ንናይ ጸረ ሞት ፍርዲ ዓለም ሓቆፍ ድርገት ኣቦ መንበር ፈደሪኮ ማዮር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፅዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ጸረ ፍርዲ ሞት መልእኽቲ፦ እቲ ናይቲ ዝፍጸም ገበን ዓይነት ብዘየገድስ ናይ ሞት ፍርድ ተቐባልነት ዘይብሉ ናይቲ ክገሃስ ዘይግብኦ ናይ ሕይወትን ናይ ሰብኣዊ ክብርን ዝግህስ እዩ ከምዝበሉን ናይ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ካህናት ማሕበር ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ዝጠቐሶ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳብ መሰረት ገይሮም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካህናት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፉ ናይቲ ናይ ካህናት ማሕበር መልእኽቲ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።      








All the contents on this site are copyrighted ©.