2015-07-25 16:24:00

ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ፦ ክርስቶስ ማእከል ሕይወት


ዕለት 20 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ናይ መላእ እስያ ናይ ውፉይ ሕይወት ማሕበራት “ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ኣብ ኣገልግሎት ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ታይላንድ ከተማ ፓታያ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣ ጳጳሳዊ ናይ ውፉይ ሕይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ “ናይ ውፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ማሕበራትን ኣባላት፣ ኣብ ክፍሊ ዓለም እስያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኮ ኣስፍሆተ ወንጌል ከገልግሉ ዘብቅዖም ክርስቶስ ማእከል ሕይወት ምግባርን ኣብ ኣገልግሎት ስለ’ቲ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ዓለምን ክፍሊ ህልውናን ዝርከብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብምቛምን ዝንበርን ዝምራሕን እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዝለገስዎ ምዕዳን ዕለት 24 ሓምለ 2015 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብድሆ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ እስያ

እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ሲኖዶስን ናይ ውፉይ ሕይወት ዓመትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ እዋን ውጽኢት ንምዕታር ኣሚቱ ብናይ መላእ ሃገራታ እስያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዝተዳለወ ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ 90 ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ካብ ዓውሎማነትን ድኽነትን ስነ ምህዳርን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ዝነቅል ብድሆ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስታት ሃገራት እስያን ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታትን ማሕበርሰብን ኣብ ዘሎ ናይ ሓባር ርክብ ግደ ነቢያዊ ሕይወት ቤተክርስቲያንን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ እስያ ዓቢይ ግምት ንምሃብ ኣብ ዝብል ሓሳብ እውን ዓሚዩቕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ክርስቶስ ማእከል ምግባር

ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ዝተሓደሰ መንፈስ ንኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብዝለገስዎ ኣስተምህሮ እንከጀምሩ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል በጽዋርን ፖለቲካን ዘይኰነስ ነቲ እነገልግሎ ሕዝቢ ካብ ሃብቲ ገንዘብን ስልጣንን ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ኢየሱስ ዝምንጭው ሓይሊ ፍቕሪ መስረት ብምፍቃር ዝቐርብ እዩ። ማሕበራት ውፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ማሕበራትን ካብ ትዕቢትን ርእሰ ማእከልነትን ገዛእ ርእሶም ክሕልዉ ብፁዕነቶም እንከተሓሳስቡ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ካልኦት ዝበለጽና ኣይኰናን፣ ጽኑዕ ወንጌላዊ ሕይወት ናይ ማሕበራት ውፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ማሕበራትን ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘይኰነስ ናይ ኩሉ ጸዋዕታ እዩ፣ ስለምንታይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ዝምደብ ክርስቲያን የሎን። እዚ ሓሳብ’ዚ እውን ኣብ መንጐ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ክንበር ኣለዎ፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ደኣ እምበር ብሉጽን ግዙእን፣ ሓለቓን ኣገልጋልን ተገማሚዖም ክነብሩ የብሎምን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምክብባር ኣብ መንጐ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ኣባላት ውፉይ ሕይወት

ብዛዕባ ምክብባር ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ፦ ኣብ መንጐ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ኣባላት ውፉይ ሕይወት ምክብባር ክህሉን ደቂተብዕትዮ ንበይኖም ዘርኢ ሰብ ኣይውክሉን እያቶም፣ ከምኡ እውን ደቂንስትዮ፣ ስለምንታይ ሰብ በርአያን ኣምሳልን ፍቕሪ ዝተፈጥረ እዩ ቢሎም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ድማ ደቂንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ዓቢይ ወሳኒ ግደ  ከምዘዘኻኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.