2015-07-25 16:28:00

ብፁዕ ካርዲናል ሲስታች፦ ንዓበይቲ ከተማታት ዘገልግል ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መጽሓፍ


ኣብ ስፐይን ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ማርቲነዝ ሲስታች ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ክልተ እዋን ማለት ኣብ ወርሒ ግንቦትን ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝቐረቡ ኣስተምህሮታትን መሰረት ዝገበረ ናይ ዓበይቲ ከተማታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተደርሰ መጽሓፍ ንቕዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መርሕነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተግባራውነቱ ዘድምዔ

ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ኣብቲ እዋን ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎልዮን ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብፁዕ ካርዲናል ማርቲነዝ ሲስታች ዛዕባ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣማእኪሎም ዘካይድዎ ምይይጥ ነቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዘነቓቕሔን፣ ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስቲያን ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ደጋዊ ፍክሊ ህላዌን ከተብልን ደጋጊሞም ዝህብዎ ምዕዳን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ዝብልዎን ዘቕርብዎን ኣስተምህሮን ሓሳብን ዝኽተልዎ ዝነበረ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምዃኑ እንክዝከር፣ ኣብቲ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ሕዝብታት ኩነት ዝትንክፍ እሙንን ውዕዉዕን ወንጌል ኣብሳርን ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ህብረ ባህልታትን ንምዝታይ ዝድግፍን ብዘይ ተዛማዲ ባህልን ክርስትያናዊ ፍሉይ መለለዪ ዘየዋግይን ሕዝባዊ ሃይማኖተይናነት ግምት ዝህብን ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ተነጺሎም ንዝነብሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅርበት ዘረጋግጽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ዝምንጭው ብድሆ ከምዝኾነን ቤተ ክርስቲያን እዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብቓልን ሕይወትን ከተቕርብ እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ዘቃልሕ መጽሓፍ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እቲ መጽሓፍ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ዝውክሉ ካብ ቦምባይ፣ ማኒላን፣ ኪንሻሳን፣ ሳንትያጐ ደ ቺለን፣ ሰኡልን፣ ሳይጎንን፣ ዱኣላን፣ ኣቡጃንን፣ ሳን ፍራንሲስን፣ ምንተርይን፣ ቦኖስ ኣይረስን፣ ቦጎታን፣ ተጉቹጋልፓን፣ ሪዮ ደ ጃይነሮን፣ ሳው ፓውሎን፣ ካብ መላኣ ርእሰ ከተማታት ሃገራት ኤውሮጳን ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ከምኡ እውን ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሊቃውንትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኢላታትን ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያንን ስነ ኤኮኖምን ሊቃውንትን ብምስታፍ ናይ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ሓዋያሪ ግብረ ኖልዎ ውጽኢት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ቀዳማይ ሕታም ንተበግሶ

እቲ መጽሓፍ ናይቲ ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ናይ ስነ ማሕበራዊ ሊቅ ተወላዲ ስፐይን ማኑኤል ካስተይስን ናይ ስነ ሰብእ ሊቅ ተወላዲ ፈረንሳ ማርክ ኣውጀን፣ መክሲካዊ ናይ ስነ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ሊቅ ኻቪየር በንጃሚን ብራቮን፣ ናይ ሰበኻ ሚላኖ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሉካ ብረሳንን፣ ካብ ኰንጎ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዣን ቦስኮ ማታንድ ቡለምባትን ናይ ሊየዠ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፎንሰ ቦራስን፣ ኣርጀንቲናዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካርሎስ ምሪያ ጋሊን ዝርከብዎም ምሁራትን ብጠቕላላ ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ዝሃብዎ መሰረተ ሓሳብ ዘጠቓልል ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቃል ቅዱስ ኣቦና

እቲ መጽሓፍ ግብረ ጉባኤ ኣብ ስፐይን ካታላና ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣርማንዶ ፑይግን ምኽትሎም ኾዋን ፕላነያስ ዝደርስዎን ናይቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ምይይጥን ኣስተምህሮታትን ኣብ ካልኣይ ክፍለ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ዝሃብዎ ኣስተዋጽኦ ጽማሬ ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብ ምውጻእን ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከታማታትን ህላዌን ድኻታትን ምኻድን ምስ ጐይታ ንምርኻብ ምድጋፍን ሳምራዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝብል ሓሳብ ማእከል ገይሮም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ናይቲ መጽሓፍ መዕጸዊ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.