2015-07-21 14:41:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሎሰቶ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ተውግዝ


ኣብ ሎሰቶ ድሕሪ ቕትለት ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ምክልኻል ጀነራል ማፓራንኮኤ ማሃኦ ኣብታ ሃገር ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝጥሕስ ብመራሔ መንግስቲ ፓካሊዛ ሞሲሲሊ ዝምራሕ ስርዓት ዝቃወሙ ዝተፈላለዩ ኣድማን ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ከምዘለዉ እንክምልከት፣ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ኣብ ሎሰቶ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍታሕን ሰላምን ድርገት ምስ ናይ ሎሰቶ ናይ ሕጊ ማሕበርሰብን ምስ ለውጢ ሃገር ማእከልን ብምትሕብባር ብዘውጽኦ መገልጺ ከምዝኾነነ ካብ ሎሰቶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ዓመጽን ግርፋትን ምኽንያታዊ ዘብሎ ዝኾነ ሕጊ የልቦን

እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተዘርግሔ ናይ ሎሰቶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት መልእኽቲ፦ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. መራሔ መንግስቲ ጃኮብ ዛባነ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽስደዱ ዝዳረገ ምስቲ ዝፈሸለ ዕልዋ መግንስቲ ኢድ ኣልዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባይቲ ስድራ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከምእተቓልዑን ጠቒሱ፣ ድሕሪ ናይ ከባቢ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ማሕበረሰብ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም. ሞሲሲሊ መራሔ መንግስቲ ኰይኖም ነታ ሃገር ክመርሑ ዘዓወተ ሕዝባዊ ምርጫ ከምእተኻየደ ኣዘኻኺሮም፣ ናይ ለሶቶ መንግስቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ መፍትሒ ከናድየሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም ኣብ መላእ ዓለም ኰነ ኣብ ሎሰቶ እውን እንተዀነ መግረፍቲ ምኽንያታዊ ዝገብር ዝኾነ ሕጊ የልቦን ከምዝበሉ ናይ ሎሰቶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ልዕሊ ናይ ሕጊ ጠበቓን ደያኑን ዝፍጸም ስግኣት

ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸም መግረፍቲ ነባሪ ናይ ኣካልን ኣእምሮን ስንክልና ዘሕድር ምዃኑ ናይታ ሃገር ናይ ሓኻይም ማሕበራት ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሎሰቶ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ግምት ብምሃብ ዘመሓላለፍዎ መገልጺ ዝጠቐሰ ናይ ፍትሕን ድርገትን ናይ ሕጊ ማሕበርሰብን ምስ ለውጢ ሃገር ማእከልን ናይ ሓባር መልእኽቲ ኣስዒቡ ስድራ ቤት እሱራት ንዝተፈላለየ ሽግር የቓልዕ እውን ከምዘሎን፣ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጥሕሰት ሕግን ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዴሞክራስን ነቲ ኣብ ሓደ ሃገር ዘሎ ዝተፈላለዩ ሕጋውን ናይ መንግስቲ ተቛማት መንግስታዊ ሓላፍነትን መሰልን ንሓደጋ ዘቃሎዕ እዩ ከምዝበለ ናይ ሎሰቶ ብፁዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ሓቢሩ።

ናይ ሎሰቶ ናይ ሕጊ ሉኣላውነት ክኽበርን ናይ ሕግን ፍትሕን ከይዲ ናጻን ናይ መንግስቲ ጽልዋ ዘይብሉ ክኸውንን ላዕለዎት ደያኑን ገበን ኣጻረይቲ ኣባይቲ ፍርዲ ደያኑ ከይፈርሑ ናይ ማንም ዓይነት ፖለቲካን መንግስትን ጸቕጢ ዘይብሉ ኣገልግሎቶም ክቕጽልሉን ናይ እሱራት ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ኣባይቲ ስድራ ዜጋታት መሰልን ክብርን ክሕሎ መታን ላዕለዋይ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ቤት ፍርዲ ናይ መንግስቲ ሚዛን ድላይ ስልጣን ዘይኰነስ ቅዋም ሃገር ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ኣብቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ሎሰቶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።

ናይ ሃገር ምርግጋእ ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ሕዳሴ መንግስታውያን ተቛማት

ኣብ ሎሰቶ ቅልውላውን ምስሕሓብን ብዓንተውኡ ከይክሰት ንምድጋፍ ሕዳሴ መንግስታውያን ተቛማት ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ እቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ ገሊጹ ነቲ ህልዉ ኩነታት ዝኸታተልን ተሓተቲ ንምልላይን እቶም ንዝተፈላለየ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ስቓይ ዝተቓልዑ ዜጋታት ኩለ መዳያዊ ድጋፍ ክግበረሎም ፍትሓዊ ዕርቂ ሃገር ክረጋገጽ ሓደራ ይብል።

ሰላም ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ሰላምን ዴሞክራስን ምኽባር መሰል ሰብኣውን ክብርን ብቑዕን ግብኡን ሕጋውን ኣኽባሪ ሕጊ መንስግቲ ክረጋገጽ ጻውዒት ብምቕራብ ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ምህናጽ ሰላምን ዴሞክራስን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዓዩ ዜጋታት ክብዝሑ ብዘቕረብዎ ጻውዒት እቲ ናይ ሓበር መልእኽቲ ከምዝደምደሙ ናይ ሎሰቶ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.