2015-07-21 14:45:00

ሊባኖስ፦ ጻውዒት ብፁዕ ካርዲናል ራይ ንመረጻ ርእሰ ብሔር


ኣብ ሊባኖስ እቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቁጸር ዘሎ ከይዲ ምርጫ ርእሰ ብሔር ከብቅዕን ናይታ ሃገር ቅዋማዊ መንግስታውያን ተቛማት ንምንቕቓሕን ብቕዓት ዘለዎም ርእሰ ብሔር ክምረጹን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ውጥረትን ከብቅዕን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናብ ሃገሮምን ቤቶምን ክምለሱ ኩሉ ክጽልይ ዕለት 19 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በሻራ ራይ  ኣብ 1965 ዓ.ም. ቅድስና ዝተኣወጀሉ ሊባኖሳዊ መነኮስ ሻርበል ብብፁዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1977 ዝተኣወጀሉ ብፅዕና ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከመዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ፍሽለት ሓድነት ክርስቲያናዊ ተመክሮ ዘለዎም ኣካላትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን

ካብ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ሊባኖስ ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ባይቶን ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ዘካየዶ ጻዕሪታት እቲ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ሄዝቦላህን ምስ ሚሸል ምትእስሳር ዘለዎም ክርስቲያናዊ ኣቀዋውማ ዘለወን ናይ ፖለቲካ ውድብ ብሓባር ዝጥርንፍ መጋቢት 8 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ብዝኽተሎ ናይ ድምጺ ኣድማ ምኽንያት ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈን፣ ሕጂ እውን እቲ ጉዳይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ከምዝርከብ እንክዝከር፣ ብፁዕ ካርዲናል ራይ ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ እቶን ክርስቲያናዊ ተመክሮ ዘለዎም ኣካላትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ብሓደ ክጥርነፉ ኣሚቶም ዘካየድዎ ጻዕሪ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈ ዘኪሮም፣ ምእንቲ ናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ከይዲ ምርጫ ርእሰ ብሔር ብእወታዊ ክዛዘም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ስክፍታ ሊባኖስን ሱዕዲ ዓረብን ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ስምምዕ ኑክለሳዊ መርሃ ግብሪ

ናይ ሊባኖስ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ምክልኻል ሳሚር ገኣገኣ ብዛዕባ ናይ ኢራን ኑክለሳዊ መርሃ ግብሪ ዝተበጽሔ ስምምዕ፣ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፖለቲካዊ ጽልዋዕ ክተሕድር ዘብቅዓ ከምዝኾነንን ነዚ ግምት ብምሃብ ድማ ብዛዕባኡ ምስ ንጉስ ሳልማን ኣብዱል ኣዚዚ ንምዝታይ ዕለት 19 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ናብ ሱዕዲ ዓረብ ከምዝገሹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.