2015-07-18 15:54:00

ናይ ውሳኔ ኣዋጅ ሓደስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር


ዕለት 18 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ነዘቕረብዎ ናብ ኣዋጅ ከይዲ ብፅዕናን ቅድስናን ዘሰጋግር ናይ ሕቶ ሰነድ መሰረት ናይ ክቡር ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ውሳኔ ንሸሞንተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኣወጁ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ሸሞንተ ሓደሽቲ ክቡራት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ሓደ ኣብ ኢጣሊያ ንሰበኻ ቨሮና ዝመርሑ ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ካራሮ ዝርከብዎም ካብ ሓንቲ ብድኽነት ካብ ዝተጠቕዔት ስድራ ዝተወልዱ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ብስነ ምርምር ተፈጥሮ ሊቕነት ዘመስከሩ ኣብ 24 ዓመት ዕድሜኦም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 53 ዓመት ዕድሜኦም ንማዕርገ ጵጵስና ዝበቕዑ ንሰበኻ ቨሮና ንዕስራ ዓመት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝመርሑ ኣብ 1980 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ከምዝኾኑን እንክሕበር፣ ምስቲ ኵሉ ኣብ ሕይወተይ ሓደ’ኳ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ዘጋጥመኒ ስቓይን ተግባርን ኣገልግሎትን ጸሎትን ካህናት ነቲ ምስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ዘጣምሮም ቅዱስ ቃል ኪዳን ከይኽሕዱን ናብ ካልእ ዕላማ ከየምብሉን ተስፋ ከይቆርጹን ጥፉኣት ከይኰኑ ብፍላይ ምእንቲ ቅድስና ካህናት እታ ድኻን ድኽምትን ሕይወተይ ንእግዚኣብሔር አወፍይ ዝበሉን ንማሕበረ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ንቡርጃውን ንሓዲግን ተዋጋይን ሕይወት ዘይኰነስ ንውዕዉዕን ብፍቕርን ጽኑዕ እምነትን ዝነብር ጥሙር ኣገልጋሊ ሕይወት እዩ ዝጸወዓኩም እንክብሉ ዝምዕዱ ዝነበሩን ንሰበኻ ቨሮና ኣብ ናይ ፍቕርን ተግባርን ግብረ ሰናይን ዘነቓቕሑ ከምዝዀኑ ታሪኽ ማሕደሮም ይምስክሮ።

እቶም ካልኦት ክቡራት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ዝተሰምዩ ድማ ካልኦት ክልተ ተወለድቲ ኢጣሊያ ኤሊሳ ሚቸሊ ኣብ 1900 ዓ.ም. ማሕበር ደናግል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ዝመስረታን ከምኡ እውን ሓው ሲምፕሊቺያኖ ዘልደቱ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ኣብ 1800 ዓመታት ነተን ኣብ ሕይወት ኣመንዝራነት ዝወደቓ ደቀ ንስትዮ ካብቲ ዝወደቕኦ ሓደጋ ኣብ ምእላይ ዘገልገሉ  ግብረ ሰናይን ፍቕርን ዘየጓንይን ንዅሉ ዝሓቁፍ ብፍላይ ድማ ነትሑታትን ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ዝሓቁፍ እዩ፣ እቶም ካልኦት ክብርታት እተሓቁፍ ናይ ጽሞና ክብሪ ክዓስሎን ብዙሕ ዝዛረብ መንፈሱ ይጐድእ እንክብሉ ዝምዕዱ ዝነበሩ ከምዝኾኑ ናይቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኡክራይን ናይ ለኦፖሊ ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረያ ክዝፒትይችይጅ (1865-1944). ኣባል ማሕበር ቅዱስ ባዚሊዮስ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ነቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ኡክራይን ስርዓት ዴሲነት ዝፈጠሮ ዝነበረ ስደትን መከራን ክትሰግር ብጥበብ እግዚኣብሔር ዝመርሑን፣ ኣብ መክሲኮ ዕለት 27 ነሓሰ 1881 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 4 ሐምሌ 1967 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ናይ ሰበኻ ካህን መስራቲ ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ምሕረት ኣግዚኣብሔር ኣባ ኣጎስቲኖ ራሚረዝ ባርባን ኣብ መክሲኮ ዕለት 21 መስከረም 1866 ዓ.ም. ዝተወልዳን ኣብ መክሲኮ ርእሰ ከተማ ዕለት 24 ሚያዝያ 1937 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዳ እናቴ ማርያ ኣግዪላር ይ ቶረስ መስራቲት ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ቅዱስ ቁርባንን  ዕለት 6 ግንቦት 1873 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ኢሩበ ዝተወልዳን ኣብ ስፐይን ከተማ ሳን ሰባስቲያን ዕለት 26 ግንቦት 1953 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዳ ማሪያ ተረዛ ዱፑይ ቦርደስ ኣባል ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ኣብ ስፐይን ካስተላኖስ ደ ሞሪስቾስ ከተማ ዕለት 30 ነሓሰ 1924 ዓ.ም. ዝተወልዳን ኣብ ስፐይን ከተማ ሳላማንካ ዕለት 28 ታሕሳስ 1953 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዳ ኣናቴ ኢዛበላ መንደዝ ሀረሮ ኣባል ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ቅዱስ ዮሴፍ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.