2015-07-18 15:58:00

ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን


ዕለት 10 ሓምሌ ዝጀመረ ናይ ካቶሊካዊትን ጴንጠቆጣዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳውያን ጸጋታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ መንፈሳዊ ትርጉሙን ምልላዩን ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣመትን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ሻድሻይ ክፍሊ ናይ ሓባር ዘተ ጉባኤ ዕለት 17 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ከምእተጠናቐቐ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ናይ ካቶሊካዊትን ጴንጠቆስጣዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዝመርሑ ናይ ካቶሊክን ጴንጠቆስጠን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ድርገት ሊቃነ መናብርት ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሰበኻ ራላይግ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤለ ቡርቢድጀን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ እግዚኣብሔር መጋቤ ሰሲል ሮበክ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ጉባኤ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ብምጽዳቕን ብጸሎትን ከምእተዛዘመን ኣብ ፍጻሜ ተጋባእያን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ዋና ጸሓፊኦምን ብጹዕ ኣቡነ ብሪያን ፋረል ከምእተራኸቡ ገሊጹ።

ኣብ ናይ ፍጻሜ ናይ ሓባር መግለጺ ብፁዕ ኣቡነ ቡርቢድጀ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን እዋናዊ ብድሆታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ናይ ሓባር ዕድልን ብምልላይ ኣብ ህያባት መንፈስ ቅዱስን ምፍዋስን ነቢይነትን ምልላይን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ኣብ ዓሚዩቕ ናይ ሓባር ርድኢት ከምእተበጽሔ እንክሕብሩ መጋቤ ሮበክ ብወገኖም ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓለም ንተልእኾ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ሓደ ወይ ከኣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ንምእመናን መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ ህያባቱ ከምዘሎ ኣብ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስቲያን እሙን ከምዝኾነን እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ ህያባቱ ነቲ ንስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ወንጌላዊ ኣገልግሎትን ነዘጋጥም ብድሆ ንምብዳህ ብምስትውዓልን ብብቕዓት ምህዞን ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል ጭቡጥ ርድኢት ኣብ ምእመናን ክሰርጽ ንክልቲኣተን ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ብድሆ እዩ ከምዝበሉ ዘፍለጠ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ናይ ካቶሊክን ፔንጠቆስጠን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ኣብ 1972 ዓ.ም. ዝተበገሰን ከምዝኾነን ኣብ 2016 ዓ.ም. መባእታ ናይቲ ዝተኻየደ ሻድሻይ ክፍሊ ናይ ሓባር ዘተ ዘጽደቖ ናይ ሓባር ሰነድ ንንባብ ክበቅዕ ምዃኑ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.