2015-07-10 11:30:00

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ካብ ር.ሊ.ጳ ፓልዩም እንክቅበሉ


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መዓርግ መጥሮጶሊሳዊ ኣካልነት ከምዘልበስዋን ንብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ከኣ ቀዳማይ ሊቀጳጳስ ከምሸምዎምን ሓደ ለካቲት ድማ ብዓቢይ ወግዒ፣ ብናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝተጸንበለ ዝዝከር ኢዩ።

ዝሓለፈ ሰንበት 5 ሓምለ 2015 ከኣ እቲ ንሊቀጳጳስ ምስ መጓሰኦምን ምስ ቅድስቲ መንበርን ዘሎዎም ሓድነትን ኅብረትን ምልክት ዝኾነ ሥርዓት ምልባስ ሊቀጳጳስ (ፓሊዩም) ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ሊቀጳጳስ ኣቡነ ሂዩበርት ማቴዎስ ማርያም ፋን መገን፡ ብጹዓን ጳጳሳት  ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ምስ 30 ለባስያን ካህናትን፣ ብዙሓት ምእመናን ቁምስናታት ኣሥመራ ኣብዝተሳተፍዎ መሰዋተ ቅዳሴ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ተፈጺሙ። ንጉሆ ካህናት፣ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ዘርኣ ምንኩስና፣ ዝርከብዎም ያሬዳውያን መዘሙራንን ካብ ሰዓት 5፣30 ክሳዕ 6፣30 ማኅሌት ድሕሪ ኣብጺሖም፣ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ቅድሚ ምጅማር ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ሂዩበርት ማቴዎስ ማርያም ፋን መገን ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራ ንብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ሊቀጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ ሥርዓተ ምልባስ ማዕተብ ሊቀጳጳስ ፈጺሞምሎም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ፋን መገን ኣብ መንጎ ሊቀጳጳስን መጓሰኦም፣ ኣብ መንጎ ሊቀጳጳስ ቅድስቲ መንበርን ምልክት ሓድነት ዝኾነ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ ንብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ብ29 ሰነ 2015 ኣብ ሮማ ዝሃብዎም ማዕተብ (ፓሊዩም) ነልብሶም ኣሎና፣ ድሕሪ ኢሎም፣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ጸሎት ሃይማኖት ዘኒቅያ ምስ ደገሙ ከኣ ማዕተብ ሊቀጳጳስ ኣልበስዎም። ቀጺሎም ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራ ሥርዓት ልብሲ ሊቀጳጳስ ምስ ፈጸሙ ኣቡነ ፋን መገን ሰላምታን ቡራኬን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ድሕሪ ኣብጺሖም፣ ሎሚ ንልዕለ ኤጳርቕና ኣሥመራን ንመላእ ቤተክርስትያንን መዓልቲ ክብርን ውዳሴን እያ። ኣብ ዝሓለፈ 29 ሰነ 2015 ቅዱስ ኣቦና ንብፁዕ ሊቀጳጳስ እዚ ማዕተብ ክህብዎም ከሎዉ፣ ሊቀጳጳስ ናይቲ ጓሳ ሕዝቢ ዝኾነ ክርስቶስ ወኪል ምኳኑ፣ እቲ ፓሊዩም ከኣ ምልክት ሓድነትን ኅብረትን ከምዝኾነ፣ ሊቀጳጳስ ድማ ጽኑዕ፣ ኣማንን፣ ጸላይን ኪኸውን፣ ነተን ኣብ ትሕቲኡ ዘሎዋ መጓሰ ምእመናን ድማ ናጻ ከውጽኦም  መሃሪ መኻሪ፣ ገሳጺ ኪኸውን ከምዘሎዎ  ተላቢዮም። ኣስዒቦም ከኣ ቤተክርስትያን ሎሚ ብሕይወት ዝምስክሩ ድኣ እምበር ስብከት ኣይኮነትን ትደሊ ዘላ። እዚ ህያብ እዚ ንዓኹም ንሊቀጳጳስ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ኤርትራ ንእትርከብ መላእ ቤተክርስትያን እዩ። ኣብ ኤርትራ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝኾነ እዋን ወንጌል ካብ ምብሳር ዓዲ ኣይዋዓለትን። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጲጥሮስ “ተፍቅረኒ ዲኻ?” ቢሉ ምስ ሓተቶ “ጐይታይ ኣነ ከም ዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ዝበሎ ሎሚ ናትና ምላሽ ኪከውን ኣሎዎ ኢሎም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ፋን መገን ቃሎም ምስ ኣስምዑ ድማ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ እዚ ኣብ ስብከቶም፣ ከምቲ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መገን ዝበልዎ ብ29 ሰነ እዚ ትርኢይዎ ዘለኹም ማዕተብ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጲጥሮስ 43 ሊቀጳጳሳት እዚ ትርእይዎ ዘሎኹም ማዕተብ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፍራንቸስኮስ ህያብ ተቀቢልና። ቀደም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕሎም የልብስዎም ነይሮም። ካብ ሎሚ ንድሓር ግን ትርጉም ምእንቲ ክህልዎ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይልበስዎ ኢሎም። ናይ ሎሚ ስብከተይ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ነዚ ናይ ሎሚ ንባባት ዝገለጹልና እየ ከካፍለኩም። እቲ ቀዳማይ ንባብ ድሕሪ ሞትን  ትንሣኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቶም ፈራሃትን ተጠራጠርትን ዝነበሩ ሓዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ተባዓት ኩኑ። ስለዚ ኢዩ ከኣ ጴጥሮስ ተኣሲሩ ከሎ ዝሰብኮ ዝነበረ እታ ማኅበር ኣመንቲ ከኣ እግዚኣብሔር ንጲጥሮስ ኃይሊ ምእንቲ ክህብ ኣብ ጸሎት ተጸሚዳ ትውዕልን  ትሓድርን ዝነበረት፣ ጸሎታ ሰሚሩ ከኣ ጴጥሮስ ብታኣምራት ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ ይብለና። እቲ ካልኣይ ንባብ ከኣ መራሕቲ ቤተክርስትያን ናይ ምምሃርን ምምዓድን መዝነት ከምዝተዋህቦም ሓላፍነቶም ንኣገልግሎት ከምዝኾነ ይምዕዱና። ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ሓዋርያት ንስኻትኹም ከ መን ትብሉኒ? ምስ በሎም ጴጥሮስ “ንስኻ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ዝበሎ ንሕና ከኣ ከምኡ ክንብል እዩ ዝጽበየና። ከምቲ ክቡር ሊቀጳጳስ ፋን መገን ዝጠቀስዎ ሊቀጳጳስ መራሒ፣ መምህር ጸሎት ኪኸውን ኣሎዎ። ከመይ ጸሎት ኃይሊ፣ ዋልታ ምስ ኣምላኽ ዘራኽበና ሰንሰለት እዩ። ማኅበር ኣመንቲ ድማ ኣብ ጸሎት ክትጽመድ ኣሎዋ። ተኸተልቲ ክርስቶስ ብሰንኪ እምነቶም ክሳዕ ማእሰርቲ በጽሑ፣ ስለዚ ንጐይታና እምነት ውሒዱና  እሞ እምነት ወስኸና ንበሎ። ነቲ ኣባኹም ዘሎ ሓዊ (እምነት) ኣንበድብድዎ ይብለና ኣሎ። ነዚ ሓዊ እዚ እነንበድብዶ ከኣ ብግዜን ብዘይ ግዜን፣ ኣብ ውዑይን ዝሑልን፣ ኣብ ጽንኩርን ቀሊልን ኩነታት ምሥክርነት ብምሃብ ኢና። ኢየሱስ ንሓዋርያት ንስኻ፣ ንስኺ መን ትብሉኒ፣ እሞ፡ ትምስክሩለይ’ዶ ይብለና ኣሎ። ምስክርነት ብግብሪ ኣብ ሕይወት ክትንጸባረቕ የድሊ። ከመይ ብግብሪ መስክሩ፣ እንተ ኣድልዩ ኸኣ ቃላት ወስኩሉ እዩ ዝብሎም። ስለዚ ኣመንቲ ካብኾንና መስከርቲ ኢዮም ይበሉና። ከምቲ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ፋን መገን ዝበሉዎ ሽመት እንተኾይኑ ናትኩም እዩ፣ ጾር እንተኾይኑ ከኣ ናተይ እዩ። ምጽዓንስ  ጽዓኑኒ ስገም ግበሩለይ በለት ኣድጊ ከምዝበሃል፣ እቲ ሓላፍነት ከይከብደኒ ንዓይን ንብፁዓን ጳጳሳት ኣኃዋተይን ጸሎት ግበሩልና። እንቋዕ ሓጎሰኩም ኣይትበሉኒ እንታይ ድኣ ኣኻእሎ ይሃብኩም በሉኒ። ብጸሎትኩምን ብረዲኤት እኖና ኪዳነ ምሕረትን ክንክእሎ ተስፋ እገብር ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ሕጂ ከኣ ንክቡር ጋሻና ሊቀጳጳስ ኣቡነ ፋን መገን ብቋንቋ እንግሊዝ ንሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ሊቀጳጳስ ኣቡነ ሂዩበርት ማቴዎስ ማርያም ፋን መገን፡ ፣ ብፁዕ ኃውና ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራ ካብ ትምዘዙ ኣትሒዝኩም ምሳና ክትግዓዙ ጸኒሑኩም፣ ሎሚ ከኣ ንዓይ ማዕተብ ሊቀጳጳስ ኣልቢስኩምኒ፣ ብጸሎትኩም ኣሰንዩና ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ምኽርኩም የድልየና እዩ። ስለ እቲ ኩሉ እትገብሩልና ዘሎኹም ካብ ማዓሙቕ ልብና ዝወጸኣ ምስጋና ይብጻሕኩም ብምባል ኣመስጊኖምዎም። በዚ ከኣ እቲ ሥርዓት ምልባስ ፓልዩም ተፈጺሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.