2015-07-07 18:16:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ አብ ሰለሰተ ሀገራት ላቲን አመሪካ (ኤኳዶር ቦሊቭያን ፓራጓይን)


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰለሰተ ሀገራት ላቲን አመሪክ አብ ኤኳዶር ቦሊቭያን ፓራጓይን ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ዝሐለፈ ሰንበት ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝነቀሉ ይዝከር። ነዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰለስተ ሀገራት አመሪካ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ሐደ ሺሕ ጋዜጣኛታት ይከታተልዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ታሽዓይ ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ምብጻሕ”ዚ ብኤኳዶር ከም ዝጀመርዎ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ከተማ ኲቶ ምስ አተዉ ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ መንግስትን ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም።  ናይ ቫቲካንን ኤኳዶርን ሀገራዊ መዝሙር ምስተሰምዔ ክአ ናይ ኤኳዶር መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ራፍኤል ኮረአ ናይ እንቃዕ ድሓን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም።

ፕረሲዳንት ራፋኤል ኮረአ ቢየን ቨኒዶ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኤኳዶር ክትበጽሑ ምምጻእኩም ብስመይን ብስም ህዝቢ ኤኳዶኦርን የመስግነኩም። ላቲን አመሪካ ናብ ሀገርኩም ኢኹም መጺእኩም ምምጻእኩም ክአ ንኹሎም አህዛብ ላቲን አመሪኣ ሰናይ ኢዩ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። አብ ኤኳዶር ጽቡቅ ግዜ ከተሕልፉ እተካይድዎ ሐዋርያዊ ሙያ ዕዉት ክኸነልኩም ይምነ ብማለት ፕረሲዳንት ራፋኤል ኮረኣ ገሊጾም።

ቅዱስ አቦና ርፍእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንዝተገብረሎም ድሙቅ አቀባበል አመስጊኖም ዝተሰምዖም ሐጎስ ገሊጾም አብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ካብ ርእሰ ብሔር ጀሚሮም ክሳብ መላእ ምእመናን ኤኳዶር ንኩሎም በብመዓርጎም ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብን ምምስጋንን ዋና ዕላማ ሓውጾተ ኖልዎኦም ምሕረት አምላኽ ምእዋጅን ናይታ መለለዪ መንነት ሕዝቢ ኤኳዶር ዝኾነት አብ ክርስቶስ ዘላ እምነት ምስክርነት ንምሃብን ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እዛ እምነት እዚአ ብዙሓት ቅዱሳትን ቅዱሳንን ከምዝፈረየት እዚኦም ከአ አብነቶም ብምኽታል መንገዲ ቅድስና ክንክተል ሎሚ እውን ይዕድሙና ብጸሎትን ተጋድሎን ጥራሕ ዘይኮነ ንጽጉማት እናረድኡን ናይ ምሕረት ሥራሕ እናአዘውተሩን ናብ ቅድስና ከምዝበጽሑ ድሕሪ ምዝኽኻር ንሕና እውን ሎሚ ንዘሎ ጸገማትን ዝገጥመና ሽግራትን መፍትሒ ንረኽበሉ ካብ ቃል አምላኽ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

በዚ ከአ ነቲ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝረኸብናዮ ዓወትን ምዕባሌን ድሕረና ንዝመጹ ኩሎም ብሩህ መጻኢ ንምርግጋጽ ከከምዘሎናዮ አብ ማእከልና ዘሎ ፍልልያት እናተቀበልናን እናተጸዋወርናን ንማንም ከየግለልና ዘተ ብምድንፋዕን ክንዕወት ንኽእል፣ መምዘኒ ዓወትና ከአ ተአፈፍቲ ንዝኾኑ አኃትናን አኅዋትናን ብርዳእ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ብወገና ንሕዝቢ ኤኳዶር ብምግልጋል ግደአ ክተበርክት ምዃና ቃል እአቱ እንክብሉ እንተደአ ድኻን ጽጉምን አብ ምርዳእ ተጸሚዶም ከምዝዕወቱ አሚቶም፣

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤኳዶር ንጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ዝቀረበት ክፍሊ አህጉር ኮይና እንክትቀርብ እዚ ከአ ንአና ንክርስትያን ንወርሕን ፀሓይን ከም ቤተ ክርስትያንን ክርስቶስን ስለእንምስሎም ወርሒ ካብ ጸሓይ እንተተኸዊላ ከም ትጽልምት ቤተክርስትያን እውን ካብቲ ምንጪ ብርሃናን ሕይወታን ዝኾነ ክርስቶስ እንተተኸዊላ ወይውን እንተተፈልያ ከምትጽልምት ብምምልካት ናይቲ ካብ ላዕሊ ዝበረቀ ፀሓይና ዝኾነ ክርስቶስ መሰኻኽር ንክንኸውን ናይ ብርሃኑን ፍቅሩን አንጸባረቅቲ ንኹን፣ ንእግዚአብሔር ብዝገበረልኩምን ብዝገብረልኩም ዘሎ ኩሉን ካብ ምምስጋን አይተቋርጹ፣ አብ መንእሰይ ተስፋ ዝርኡ፤ ናይ ታሪኽኩም ዝኽሪ ንዝኾኑ ሽማግለታት ተኸናኸኑ፤ ናይ ጽባሕ ተስፋ ንዝኾኑ ሕጻናት ሓብሕቡ፣ ከምቲ ርእሰ ብሔርኩም ዝበልዎ በዛ ገነት ናይ ዝኾነት ናይ ሃገርኩም ግርማን ብክብሪ ሕዝብኹምን ተደነቁ፣ ኤኳዶር ጠበቃን ሓለውታን ክኾንዋ ዝምረጸቶም ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ጥቀ ቅዱስ ልበ ንጽሕት ድንግል ማርያምን ጸጋኦምን ቡራኬኦምን የፍስሱልኩም እንክብሉ ምስጋናኦምን ምኽሮምን ለጊሶም፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፕረሲዳንት ራፋኤል ኮረአን አብቲ መዕረፍ ነፈርቲ ዝርከብ አዳራሽ ፕሮቶኮል ብብሕቲ ንሐጺር ግዜ ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም። ብድሕሪ”ዚ ናብቲ ዘዕርፍሉ ቦታ ቤተ ሊቃነ ጳጳሳት ተጓዒዞም አብኡ ክአ ሐዲሮም እዚ ናይ ቅድሚ ትማሊ ዕለተ ሰንበት ውዕልኦም ኢዩ።

ናይ ትማሊ ሰኑይ ዕለት ሽዱሽተ ሐምለ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ኤኳዶር ቀጺሉ ከም ዝውዓለ ክምልከት እንከሎ፡ ትማሊ ረፍዲ ካብ ርእሰ ከተማ ኲቶ 265 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ናብ ትርከብ ንጓያኲል ከተማ ተተጓዒዞም፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከተማ ጓያኲል ምስ በጽሑ ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ሰበ ስልጣናትን በሽሐት ዝቁጸሩ ምአመናን ብሐጎስን ዕልልታን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎ።

ናብቲ አብታ ከተማ ዝርከብ ሀገራዊ ገዳመ ምለኮታዊ ምሕረት ተጓዒዞም አብቲ ገዳም ብብሕቲ ሥርዓተ ጸሎት ፈጺሞም፤ ነቶም ምስ ኦም ሓቢሮም ዝጸለዩ ዘሰነይዎምን ከአ ከምዚ ክብሉ አመስጊኖምን ባሪኾምን፤ “ሕጂ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርግ እኸይድ አሎኹ፣ ንኹሉኹም አብ ልበይ ሒዘኩም እኸይድ አሎኹ፣ ም እንቲ ነፍሲ ወከፍ ክጽሊ እየ፣ ን እግዚአብሔር ከአ “ሽም ነፍሲወከፍ ናይዞም አብዚ ዝረኸብክዎም ንስኻ ትፈልጥ፣ ቢለ ኢየሱስ ንነፍሲወከፍኩም ብዙሕ ምሕረት ክህበኩም ክምሕጸኖ እየ፣ ብምሕረቱ ከሕውየኩምን ክከናኸነኩምን ክልምኖ እየ፣ ነታ ወትሩ አብ ጐድኑ ዘላ ድንግል ማርያም እውን ከምኡ፡ እምበአርከስ ሕጂ ቅድሚ ምኻደይ ክባርኸኩም እየ፤ ምስ በሉ ምንም ዋጋ አይሓተኩምን ብማለት አስሓቅዎም፣ ግን ሓንቲ ነገር ክሓተኩም ኢዩ በጃኻትኩም ምእንታይ ጸልዩ ቢሎም ምስ ተማሕጸኑ ቃል እተውለይ ብማለት ሓራይ አበልዎም፣ ድሕሪ ቡራኬ ነቶም አባኡ ዝነበሩ በቲ ዝሃብዎ ክርስትያናዊ ምስክርነት አመስጊኖም፣

ድሕሪ ስርዓተ ጸሎት ገዳመ መለኮታዊ ምሕረት ናብቲ ሎስ ሳማነስ ዝተባህለ ዓቢ መናፈሻ ተጓዒዞም በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ ብብጹዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም። አብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ክአ ሰቢኾም። ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ምርኩስ ጌሮም፡ ፓፓ ፍራንቸስኮስ አብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ አብ ገሊላ ቃና ዝተባህለ መካን መርዓ ኔሩ ኢየሱስ ክርስቶስን ደቀ መዝሙርን ክአ ናብቲ መርዓ ተዓዲሞም ኔሮም። አብቲ መርዓ ወይኒ ይውዳእ አደ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚእትነ ማርያም ወ ላዲተ አምላክ ንኢየሱስ ወይኒ እኮ ወዲኦም ምስ በለቶ አንቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ አለኒ ግዜይ ገና እኮ አይኸለን ከም ዝበላ ጠቂሶም ንሳ ክአ ነቶም አብኡ ዘሳስዩ ዝነበሩ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ከም ዝበለቶም አዘኻኪሮም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ አብ ሎስ ሳማነስ ዓቢ መናፈሻ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት አተሐሒዞም፡ አይሁዳውያን ሥርዓተ መንጸት ስለ ዝነብሮም ሽዱሽተ ብእምኒ ዝተሰርሑ ፈስቶታት አብኡ ስለ ዝነበሩ ነፍስ ወከፍ ፈስቶ ክልተ ወይ ክአ ሰለስተ ዕትሮ ማይ ክሕዝ ይኽእል ኔሩ አብዚ ህሞት”ዚ ጐይታና መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነተም መሳሰይቲ ነቶም ዓታሩ ማይ ምልእዎም በሎም፡ ከምኡ ክአ ገበሩ፡ ሕጂ ቀዲሕኩም ነቲ አቦ ዳስ ሀብዎ በሎም ከምኡ ጌሮም እቲ አቦ ዳስ ግን እቲ ማይ ናብ ወይኒ ከም ዝተለወጠ አይፈለጠን ኔሩ። እቶም አሳሰይቲ ግን ይፈልጡ ኔሮም ኢሎም ቀጺሎም ኣኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ናይ መጀመርያ ተአምራት አብ ገሊላ መካነ ቃና ጌሩ በዚ ክአ ሐዋርያቱ አመንዎ።

አተሐሒዞም ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ቅድሚ ምጅማሩ ስድራ ቤት ዘተኮረ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከም ዝካየድ ንምእመናን አዘኻኺሮም። እዚ ሲኖዶስ ስድራ ቤት፡ዚ ንስድራ ቤታት ዝፈታተኑ ሽግራት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ከም ዝጠቅም ክአ አመልኪቶም። እቲ አብ መናፈሻ ሎስ ሳማነስ ዝተኻየደ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስተፈጸመ ነቶም አብቲ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ሐዋርያዊ ቡራኼ ሂቦም ተፋንዮምዎም። 

ካብኡናብቲ ሃፍየር ኢየሱሳውያን ኮለጅ አምርሖም ምስ ተኸተልቶምን አባለት ማሕበር ኢየሱሳውያንን መአዲ ቀሪቦም። ድሕሪ ምሳሕን ሐጺር ዕረፍትን ክአ ንርእሰ ከተማ ኲቶ ተመሊሶም።

አብ ርእሰ ከተማ ኲቶ ናይ ክብሪ ምብጻሕ ክገብሩ ናብ ቤተ መንግስቲ Carondeler ተጓዒዞም ምስ ፕረሲዳንት ራፋኤል ኮረአ ተራኺቦም ክአ ብብሕቲ ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም። ብፕረሲዳንት ራፋኤል ኮረአ ተሰንዮም ክአ ንካተድራል ኲቶ ከይዶም አብቲ ካተድራል ሥርዓተ ጸሎት ፈጺሞም አብቲ ዓቢ ቅርዓት ካተድራል ንዝነብሩ ምእመናን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም አብ ዘስምዕዎ ቃል “ንነፍሲ ወከፍኩም ቡራኬ ክህብ እየ፣ ንስድራቤትኩምን ንእትፈትውዎም አዝማድኩም ኩሎም ከም ኡ እውን ነዙይ ዓቢይን ክቡርን ዝኾነ ሕዝቢ ኤኳዶር ክባርኽ እየ፣ ነዚ እንክገብር ግን ብዘይ ምንም ሌላን ጉሌላን ኮይኑ ማንም ወዲ ወሰን ወይ ዝተገለለ ዘይብሉ ኩልና አሕዋት ንክንኸውን እዩ፣ ሓደራ ካብዛ ዓባይ ሃገረ ኤኳዶ ማንም ከይግለፍ እሞ ደገ ከይተርፍ፣ ነዛ ካተድራል እዚአ እንክንሓንጽ ብዘይ ረአየለይ ስምዓለይ ከምቲ ብሃልና ብሓባር ሰሪሕናዮ፣ ከምቲ አእማን ናይዚ ካተድራል እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ደጊፉ ዘሎ ንሕናውን ከምኡ ሓደ ጸግዒ ናይቲ ሓደ ብምዃን ነቶም ሕይወቶም ንክሃንጹ ሓይሊ ዝጐደሎም ወይውን አብ ቅድሚ ዓይኖም ዝዓነወ ሕይወቶም ዳግም ንክንሃንጹ ንክንሕግዝ እግዚአብሔር ጸጋኡን ኃይሉን ይሃበና” ድሕሪ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምዕዳል ተሰናበትዎም፣ ብድሕሪኡ ናቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተመሊሶም በዚ ክአ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም ፍጽሜ ኮይኑ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ብናይ ኤኳዶር ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ካብቲ ዘዕርፍሉ ቦታ 11 ኪሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ Parque del Bicentenario መናፈሻ 200 ዓመት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ፓርክ ወይ ካአ መናፈሻ ተጓዒዞም ምስ ናይ ኤኳዶር ጳጳሳት ተራኺቦም። እዚ መናፈሻ”ዚ መዕረፍ ነፍርቲ ዝነበረ ሰፊሕ መናፍሻ ከም ዝኾነ ይፍለጥ። ሊቀ መንበር ረኪበ ጳጳሳት ኤኳዶር ክአ ናይ እንቋዕ ድሐን መጽእኩም ቃል አስሚዖም።

አብዚ መናፈሻ”ዚ ክአ በሽሐት ዝቁጸሩ ምአመን ይጽበይውም ኔሮም ንምእመናን ሰለም ኢሎምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ክአ ብብዙሐት ብጹዕን ካርዲናልትን ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም።

አብቲ ቅዳሴ ዝተነበበ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 17፤21 ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ድራር ጸሎተ ሓሙስ ቀቅድሚ ሕማማቱ ም እንቲ ሓድነት ተኸተልቱ “ከመ ይኩኑ አሐደ” ክብል ናብ አቦኡ ዘቅረቦ ጸሎት ኢዩ፣ ቅዱስነቶም አብ ስብከቶም

“ቃል እግዚአብሔር ነዚ ሓድነት ክውን ክንገብር ይ ዕድመና በዚ ከአ ዓለም ክአምን ይኽእል! እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መወዳእታ ድራር ዘዕረጎ ጸሎት ሽሕኳ ሕሹኽታ እንተመሰለ ንዓይ ግን አብዚ ቅርዓት ዝኽሪ ክልተሚእቲ ዓመት እነዕርጎ ዘሎና መሥዋዕተ ቅዳሴ ገዓር ኮይኑ ይስመዓኒ፣ እዚ ገዓር እዚ ልክዕ ቅድሚ ክልተ ሚእቲ ዓመት አብዚ ቅርዓትዚ ሕዝቢ ደቡብ አመሪካ ንነጻነት ዝገበሮ ገዓር ኢዩ፣ እዚ ገዓር እዚ ነጻነት ካብ ምስአንን በቶም ናይ ዘመኑ ሰብሥልጣን ተዓብሊልካን ተጨቍንካን ምህላውካ ካብ ምፍላጥን ዝወጽእ አውያት እዩ ነሩ፣ ሎሚ እዘን ክልተ ገዓር እዚ አተን አብ ቅድመና ተገቲሩ ንዘሎ ናይ ስብከተ ወንጌል ጸገም ንክብርሃ ክተሓባበራ ምደለኹ፣ ብዝተወራረቀ ቃላትን ጭርሖን ዘይኮነ ካብቲ ታሕጓስ ናይ ወንጌል ዝምንጩ ውህደት ኮይኑ እዚ ከአ ንልብን ሕይወትን ናይቶም ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡ ዝመልእ ሓጐሰ ይኹን፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡ ካብ ሓጢአትን ሓዘንን ውሽጣዊ ባዶነትን ተነጽሎን ሓራ ይኾኑ፣ ንሕና ኩልና አብዚ አብ መአዲ ኢየሱስ ተቀሪብና ዘሎና ንሱ አብ መንጎና ብምህላው ደስ ዘብል ሃዋህው ብምምልካትን አ ዘዕግብ መአዲ ብምቅራብን ናብኡ ዝቀርብ ገዓር ንኸውን፣ ኢየሱስ ከአ ናብ ሰማይ አንቃዕሪሩ “አቦ! ዓለም ምእንቲ ክአምንሲ ሓደ ክኾኑ እልምነካ አሎኹ” (ዮሓ 17፡21) እናበለ ሃረርታኡ ይገልጽ፣ አብ ልቢ ኢየሱስ “ንስኻ ከምዘለአኽካኒ አነ ከአ ናብ ዓለም እልእኾም አሎኹ”(17፤18) ዝብል ተልእኮ ሓዘል ሕቶ ይቅጀል፣ አብቲ ጊዜ እቲ ኩሉ እቲ አብ ርእሲ እዛ ዝፈትዋ ዓለም ክፍጸም ዘለዎ ኩሉ በብሓደ ከም እሾኽ ይወግኦ፤ ተንኰላት ክሕደት ጥልመት ወዘተ እንተኾነ ንሱ ንኩሉ ውሕጥ አቢልዎ ሱቅ በለ አየጕረምረመን፣ ንሕናው እንተኾነ ብውግእን ብዓመጽን አብ ዝቈሰለት ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና፣ ናይዚ ምክፍፋልን ጽልእን እዚ ወጥሪ አብ ማእከል ሃገራት ወይ ማኅበረሰባት ጥራይ እዩ ዘሎ ቢልና ሸለል ክንብሎ እንተፈቲና ሓቂ አባና የላን፣ ከም ሓቁ እንተኾኑ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንአይ ንግለይ ይጠዓመኒ ዝብል ኩነት ኮይኑ እዚ ከአ ነቲ ሓደ ካብ ሓደ እናፈላለየና ይነብር፣ እዚ ከአ ፍረ ናይቲ አብ ልባትና ዘሎ ቁስሊ ሓጢአት ኮይኑ ሳዕቤናቱ አብ ማኅበረሰብን አብ ተፈጥሮን ንርእዮ አሎና፣ ኢየሱስከስ አብዚ ዝፈታተነና ዘሎ ዓለም ኢዩ ክንሰርሕ ዝ ዕድመና ዘሎ፤ መጋበሪ የብልናን ል ዕሊ ዓቅምና ኢዩ ቢልና ክነመኻኒ አይንኽ እልን፣ መልስና ከስ ነቲ ናይ ኢየሱስ ገዓር ኢዩ እንደገና ዘቃልሕ ዘሎ በዚ ከአ ነቲ ጸጋን ናይ ሓድነት ዕዮን ክንቅበል አሎና፣

እቲ አብዚ ዓዲ ቅድሚ ክልተ ሚእቲ ዓመት ዝተገብረ ገዓር ኃይሊ ወይ እምነት አይጎደሎን እንታይ ደአ ታሪኽ ከምዝነግረና ንግላዊ ረብሓታትን ንሥልጣን ዘሎ ህርፋናትን ከማኡ እውን ካባኻ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ናይ ዘለዎም ቃልስታት ሓርነት ሰጊሩ እዩ፣

ስብከተ ወንጌል ናይ ሓድነት ሃረርታን ጐስጓስን ሕልምታትን መጐዓዓዚ ክኸውን ይኽእል፤ ርግጽ ክኸውን ይኽእል! ነዚ ከአ ኢና እን አምንን እንግ ዕርን! አብታ ታሕጓስ ወንጌል ትብል ሓዋርያዊ ምሕጽንታይ ቍ.67 አመልኪተዮ ከምዘሎኹ “አብ ዓለም ብፍላይ አብ ገሊኤን ሃገራት ዝተፈላለዩ ውግአትን ግጭታትን እንደገና ይቀላቀሉ አለው! ንሕና ክርስትያን ግን ንብጻይካ ብምልላይን ቍስልታቱ ብምፍዋስን መራኸቢ ቢንቶታት ብምህናጽን ጾር ሓድሕድ ንምሽካም ምእንቲ ክሕግዘና ጥቡቅ ርክባት አብ ምፍጣርን ኢና እነተኩር፣ ሃረርታ ናይ ሓድነት ነቲ ስብከተ ወንጌል ዝህቦ ጥዑምን ዘጸናንዕን ሓጐስ የቅርበልና፣ እዚ ከአ ሠናይ ነገር ንክተበሥር ብዝስመዓካ እምንቶ እንክኸውን እናአበሠርካ ስለእትሥረት ተመኵሮ ናይዙይ ዘለዎ ኩሉ ንብጻይካ አብ ጸገሙ ምስ ረዳእካዮ እትረኽቦ ዓይነት ዕግበት ይረኽቡ፣ አብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕካ ነዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ናይ ግልኻ ጉዳይ ወሰን ሒዙ ምስ ኩሎም ክትራኸብን ክትዛተን ትለዓል እሞ አብ ኩሉ ትተሓባበር፣ ከምቲ አብ ታሕጓስ ወንጌል ቍ.244 ተመልኪቱ ዘሎ ከአ “ንዝረኸብካዮ ሰብ ኩሉ ብዘይተጕላባ ናይ ልብኻ እናአካፈልካ ምት እምማን ትፈጥር፣ ሰላም ማለት ከአ እዚ ምትእምማን እዚ ኢዩ”፣ ሥልጣንን ክብርን ምቾትን ቍጠባዊ ውሕስነትን ዝብሉ ናይ ዓለም አተሓሳስባ አብ ውግእ ሓድሕድ እንተደአ ሸሚሙና ሓድነት አባና ክተንጸባርቅ ዘይሕሰብ ኢዩ፣

እዚ ሓድነት እዚ ስብከተ ወንጌላዊ ኢዩ፣ ከመይ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ሓደ እንተዀና ዓለም ብጐይታ ክአምን ኢዩ፣ ስብከተወንጌል ነናትካ ብምስባኽን አመንቲ ክተብዝሕ ብምቅላስን አይኮነን ዝቈውም እንታይ ደአ ብምስክርነትና ነቶም ርሒቆም ዘለው አባና ብምስሓብ፤ ናብቶም ካብ እግዚአብሔርን ቤተክርስትያንን ርሒቆም ዘለው ብትሕትና ምቅራብ፤ ነቶም ፍርሓት ዝወሓጦምን ላንጋ ላንጋ ዝኾኑን “ጐይታ ነአኻውን ናይ ሕዝቡ አካል ክትከውን ይጽወዓካ አሎ” ክትብሎም ነዚ ከአ ብ ዓቢ ጥንቃቄን ፍቅርን ክትገብሮ ከሎኻ ኢዩ፣

ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ከም ምሥጢረ ድኅነት ምስቲ አብ ጕዕዞ ዘሎ ሕዝቢ ዝብል ዝሳነ ኮይኑ ንኩሎም ሕዝብታት ናይ ዓለም አብዚ ጕዕዞዚ ምውህሃድ እዩ፣

ከምቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጓሳ መጓሰ ክርስቶስ ፓስቶረስ ግረጂስ አብ ትብል ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ቍ.22 ዝበልዎ “አብ መንጎና ዘሎ ውህደት መጠን ዝኃየለሉ መጠኑ ከአ ተልእኮና ዕውት ይኸውን”፣ ንቤተክርስትያን አብ መስመር ተልእኮ ምጽማዳኸስ ንውህደትና ምሕዳስ ይሓትት፤ንአፍአዊ ሓድነት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ብቀዳምነት ውሳጣዊ ውህደትና ንምሕያል ዝተጸዋዕና ኢና እቲ አፍአዊ ሳዕቤን ናይዚ እዩ፣ ከምቲ ናይ አፓረሲዳ ሰነድ ቍ 370 ዝብሎ ከአ “ከምቲ ንክተቀባበል ትወጽእ አደ ኰን ሃንጐፋይ ቢሉ ዝቅበል ገዛን ናይ ተልእኮአዊ ውህደት ነባሪ ቤት ትምህርትን ክንከውን አሎና”፣

እዚ ሃረርታ ናይ ኢየሱስ ዝከአል እዩ ምኽንያቱ ቀዲሱናን አኽቢሩናን ኢዩ “ንሳቶም ብሓቂ ም እንቲ ክቅደሱስ አነ ር እሰይ ስለኦም አቅድስ አሎኹ”(ዮሓ 17፤19)፣ ናይ ስብከተ ወንጌል መንፈሳዊ ሕይወት ካብዚ ዓሚቍ ሓቂ እዚ ይውለድ፣ ግዝያዊ ባህታ ዝህበና ሓንሳእ ሓንሳእ ዝስመዓና ሃይማኖታዊ ምርግጋእ ዘይኮነስ ኢየሱስ ምሳኡ ግላዊ ርክብ ንክንፈትር ኢሉ ኢዩ ዝቅድሰና እዚ ርክብዚ ከአ ምስ ካል ኦት ን እንገብሮ ርክብ ይሐይል በዚ ከአ አብ ዓለም ዘሎና ተል እኮን ዝቃጸል ሃረርታ ስብከተወንጌልን ከም እነህድር ይገብረና (ታሕጓስ ወንጌል 78)፣

ምስ እግዚአብሔር እንገብሮ ቅርበት ክርደአና እኳ እንተዘከአል ውህደት ርክብ ተወፋይነትን ፍቅርን ይሓትት፣ ስለዚ ኢየሱስ ዝሓተና ሓድነት አፍ አዊ ዘይኮነ ብዙሕነት አብ ውህደት ኮይኑ ሰሓቢ ክኸውን አለዎ፣ እዚ ሓድ ዓይነት አተሓሳስባ ሓደ ዓይነት ድላይ ሓደ ዓይነት ውህበት ክህልወና ዘይኮነ ኩሉ በቲ እግዚአብሔር ዝፈጠረና ዝዓደለናን ፍቅሪ አሕዋት ኢና ከመይ ደቁ ኢና (ኤፈ1፡5) “ነፍሲ ወክፍና አቦ አባ! ኢልና ም እንቲ ክንጽውዖ አብ ልባትና መንፈስ ውሉድነት ሂቡና(ገላ4፡6) ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝደኃና አኅዋት ኢና (ሮሜ 5፤9)ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሰጋገርናን መዋርስቱ እውን ስለዝኾና አኅዋት ኢና (ገላ 3፤26 ሮሜ 8፤17)እቲ እግዚአብሔር ዝፍጽሞ ድኅነትከስ እዚ ኢዩ እቲ ቤተ ክርስትያን ብታሕጓስ እተበስሮ እውን እዚ ኢዩ፣ ናይቲ መለኮታዊ “ንሕና” ዝብል አካል ምዃን፣

ነቲ ቀዳማይ ናይ ነጻነት ገዓር ዘዘኻኽር እዚ ገዓርናኸስ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ወንጌል እንተዘይሰቢኸ ወይለይ” ፪1ቆሮ 9፤16) ዝብሎ የዘኻኽረና፣ ከምቲ ንናጽነት ኅጹጽን ኃያልን ዝነበረ ሎሚ እውን ንስብከተ ወንጌል ዝግበር ገዓር ህጹጽን አገዳስን ኢዩ፣ ክልቲኡ ሓደ ዓይነት ስ ሕበት አለዎ ሰሓቢ ሓዊ ኢዩ፣ ናይ ዘንጸባርቅ ሕወነታዊ ውህደት መሰኻኽር ኩኑ፣

ነንሕድሕድና ክንተሓጋገዝን ክንረዳዳእን ካል ኦት ክር እዩና ክንደይ ምጠዓመ፣ ገዛእ ር እስኻ ምውፋይ ካብ ነገራት ምሃብ ንላዕሊ ህውነታዊ ርክብ ዘማዕብል ኢዩ፣ አብ ነፍሲ ወከፍ ር እሰ ወፈያ ገዛእ ር እስኻ ኢኻ ትህብ፣ ወዲሰብ ንገዛእ ር እሱ ንካል ኦት ብምውፋይ መንፈስ ውሉድነት እግዚአብሔር ንዝተላበሰት ገዛእ ርእሱ እንደገና ይረኽባ ስብከተወንጌልከስ እዚ ኢዩ፣” እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣

ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ክአ ናብቲ ዘዕርፍሉ ዘለዉ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተመሊሶም ምስ ተኸተልቶምን ጳፓሳት ኤኳዶርን ንምሳሕ መአዲ ቀሪቦም።

ብናይ ኤኳዶር ሰዓት አቁጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ኤኳዶር ተጓዒዞም ምስ ሐሙሽተ ሺሕ ዝኾኑ ናይ ዩኒቨርሲቲን አብያተ ትምህርቲ ሰብ ሙያታትን ተመሀርትን ተራኺቦም።

ብድሕሪ”ዚ ርክብ”ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብኡ ናብቲ አብ ጥቅኡ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ተጓዒዞም፡ ቆመስ ቤተ ክርስትያንን ውሉደ ክህነትን ከንቲባ ከተማ ኲቶን ወኪላት ቤርጌሳዊ ማሕበረ ሰብን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎሞም።

ድሕሪ”ዚ ርክብ”ዚ ናብ ቤተ ሊቀነ ጳጳሳት ተመሊሶም በዚ ክአ ናይ ሎሚ ሸዓተ ሐምለ ውዕሎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ኤኳዶር ፍጻሜ ኮይኑ። 

ሐዋርያዊ ምባሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤኳዶር ጽባሕ ክቅጽል ከም ዝኾነን አማስይኦም በቲ ናይቲ ሀገር ሰዓት አቁጻጸራ ሰዓት 6.45 ካብ ብተመሳሳሊ አብ ቦሊቭያ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከከያዱ ካብ ኲቶ ንርእሰ ከተማ ላ ፓጽ ከም ዘቅንዑ  ሐዋርያዊ  መርሃ ዑደቶም የገንዝብ።








All the contents on this site are copyrighted ©.