2015-07-04 18:56:00

ክርስትያን ብደም ሰማዕታት ሓደ ኰና ኢና! አብ እንህቦ ምስክርነት ዕለታዊ ሕይወት አይንፈላለ!


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ምሸት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎትን አስተንትኖን ሓድነት ክርስትያን ብናይ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ዝብል ምንቅስቃስ ንመበል 38 መደበኛ ጉባኤ ጸሎት ንምክያድ ዝተአከቡ አባላቱን ካብ ኩለን አብያተ ክርስትያን ዝመጹ ዕዱማት አጋይሽን አብ ዝተረኽቡሉ እዩ፣ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጉባኤ ጸሎት ፕረሲድነት ናይ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ አቶ ማርቲነዝ ከምዝገለጽዎ “ጐዳናታት ሓድነትን ሰላምን፦ ንመንፈሳዊ ሓድነት ኩሎም ክርስትያንን ንናይ ዘመንና ሰማዕታትን ብዝተፈላለየ ድምጽታት ንምጽላይ” ዝብል ኢዩ፣

እዚ ብምሉአቶም ናይ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ አባላትን ካብ መላእ ዓለም ዝተዓደሙ ወከልቲ ኩለን አብያተ ክርስትያንን ዝተረኽቡሉ ፍጻሜ መቐጸልታ ናይቲ ዓሚ አብ ሜዳ ኦሎምፒክ ሮማ ልዕሊ ሓምሳ ሺሕ አመንቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸለዩሉ ኮይኑ ከም ምሕጽንታ ቅዱስነቶም ከአ ናብ ሓድነት ክርስትያን ንምትኳርን ንምምስካርን ብዝብል ዕላማ እቲ ምንቅስቃስ ምስ ካልኦት አመንቲ ክርስቶስ ነቲ ዓመት ዓመት ዝገብሮ መደበኛ ጉባኤ ጸሎት ንሎምዘመን ምስ ር.ሊ.ጳ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብቡራኬኦም ጀሚሩ ንሎሚ ከአ አብ ሜዳ ኦሎምፒክ ናይ ሮማ ክቅጽሎ ወሲኑ፣ ነዙይ መበል 38 ጉባኤ ጸሎት ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ፍሉይ ዝገብሮ ሓድነት ብደም ሰማዕታት ናይ ዘመንና ስለዝተመስከረ ነዚ ምስክርነት እዚ ክንቅበሎን ክነጋውሖን ምእንቲ ሰላምን ሓድነትን ክንጽልን መንድታት ክነናድን ኢዩ ይብሉ ፕረሲደንት ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ አቶ ሳልቫቶረ ማርቲነዝ፣ አብቲ ትማሊ ምሸት ዘምስየ ብኪፍኪፍታ ዝናም ዝተሰነየ ጉባኤ ጸሎት ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ጸጋ ግዜ ወትሩ ክነብ ዕሎ ቢሎም ብዘተሓሳሰብዎ ንዝመጽ እ 2017 ዓምፈ እውን ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጀሚሩ አብ ሜዳ ኦሎምፒክ ከምዝቅጽል እውን ተሓቢሩ፣

ከምቲ አብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ አብ ትሕቲ ብርቱ ዕ ዋዒ ዝጀምረን ብኪፍኪፍታ ዝናም ዝተፈጸመ ናይ ትማሊ ጉባኤ ጸሎት ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ “ኦ ጐይታ ሓድነት ናይ ኩሎም ክርስትያን ዓድለና” እንክብሉ ምስቶም አብቲ ቅር ዓት ዝነበሩ አቡናት ካህናት ፓስተራት መሰኻኽርን ካብ ምዕራብን ምስራቅን ዝተአኻኸቡ ብሓባር እንክጽልዩ ቅዱስነቶም ብምቅጻል “ኦ ጐይታ ነቲ ወድኻ ዘተሰፈወና መንፈስ ቅዱስ ስደደልና! ነቱ ኩሉ ኢየሱስ ዝመሃረና ከአ ከዘኻኽረና ኢዩ! እወ ኦ ጐይታ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ኩሉ ከዘክረና ኢዩ! እወ እቲ ኢየሱስ ዝበሎ ኢዩ ምንጪ ናይቲ ፍልልያት አብያተ ክርስትያን ዝኾነ ዝተፈላለዩ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከማኡ እውን ውህደትን ሓድነትን ዝፈጥር ከአ እዚ መንፈስ እዚ ኢዩ፣ ኦ ኢየሱስ ጐይታ ነታ ናትካ እምበር ናትና ዘይኾነት ቤተ ክርስትያን ጸጋ ሓድነት ለሚንካ እንተኾነ ታሪኽ መቃቂሉና! ኦ ኢየሱስ ብመንገዲ ሓድነትን ዝተወሃሃደ ብዙሕነትን ክንመላለስ ሓግዘና፣ ኦ ጐይታ ንስኻ ኩሉ ጊዜ ዝፈቀድካዮ ኢኻ ትገብር እሞ ሓድነት ናይ ኩሎም ክርስትያን ሃበና” እንክብሉ ልቢ ኩሉ ዝተንከፈ ጸሎት አዕሪጎም፣

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎት አብ ዝሃብዎ አስተምህሮ “ምክፍፋል ተጻይ ምስክርነት ኢዩ” ምዃኑ ገሊጾም፣

“አብ ቤተ ክርስትያን እንኮ መተካእታ አልቦ መንፈስ ቅዱስ እንክኾን እንኮ ጐይታ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ስለዚኸስ አብ መንጎ ክርስትያን ዝረኤ ምክፍፋል ተጻይ ምስክርነት ኢዩ፣ ሓድነት ክርስትያን ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ሓቢርና ክንጽሊ አሎና፣ መንፈሳዊ ሓድነት ክርስትያን/መንፈሳዊ ኢኩመኒዝም ሓድነት አብ ጸሎት ስለዝኾነ ምናልባት አባቴ አነ ምስ ሓደ ወንጌላዊ ምስ ሓደ ኦርቶዶክሳዊ ምስ ሓደ ሉተራዊ ክጽሊ እኽ እልዶ ቢልካ እንተሓቲካኒ? እወ! እወ! ግቡ እካ ኢዩ ከመይ ሓደ ጥምቀት ስለዝተቀበልካ እብለካ፣

አብ ኩነትና እሞ ምልስ ንበል አሕዋተይ! ናይ ዘመንና ሰማዕታት እሞ ንዘክር አብ ወሰናስን ባሕርታት ሊብያ ስለ ክርስቶስ ስለእምነቶም ደሞም ዘፍሰሱ 23 ግብጻውያንን ካልኦትን ሓዲስ ሓድነት ክርስትያን ፈጢሮም ናይ ደም ሓድነት ክርስትያን/ኢኩመኒዝም ሂቦምና፣ 30 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እውን ምስዚኦም ኢዮም፣

ጸላኢ አብ ሞት ካብ አተሓባበረናስ ንሕና ብሕይወት ዘሎና ክንፈላለ መን ኰና ኢና፣ እሞ ሓደራ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወትና ክ አቱ ነፍቅደሉ ሓቢርና ንክንጐዓዝ ከአ ንጸሊ፣ ድሕሪ ቢሎም ብፍላይ ንአባላት ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ አብ ብዝሑነትን ሓድነትን እናተጐዓዙ ንድኻታትን ጽጉማትን ብምርዳእ ኩሉ አብ ሓደ ከምዝእከብ ንኽገብሩ ሓደራ ብማለት ነቲ ብፁዕ ካርዲና ልዮጝ ጆሰፍ ስወንን አብ ምጅማር እዚ ምንቅስቃስ እዚ ዘበርከቶ ብምዝካርን ነቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1975 ዓምፈ ነዙይ ምንቅስቃስ እዚ ብዝምልከት “እቲ ውሕጅ ናብ ውቅያኖስ ገጹ ክጐዓዙን አባኡ ከብጽሕን አለዎ፣ እንተደአ ጠጠው ኢሉ እቲ ማይ ክበላሾ ኢዩ፣” ዝበሎ አነ እውን እዚ ናይ ጸጋ ምንቅስቃስን ማዕበላትን እዚ ናብቲ ናይ እግዚአብሔር ውቅያኖስ ገጹ እንተዘይተንቀሳቂሱ ዕላማኡ ስሒቱ ንረብሓ ገዛእ ርእሱ ዝሰርሕን መጋበሪ ጸላኤ ሠናይትን ክኸውን ስለዝኽእል ንሱ ከአ አቦ ሓሶት ስለዝኾነ ናብ ከንቱነትን ሥልጣንን ከይወስደኩም ተጠንቀቁ፣ ክንደይ መራሕቲ አብዚ ፈተነዚ ከምዝወደቁ ትፈልጡዶ? ሥልጣን ናብ ከንቱነት ስለዝመርሕ ዝኾነ ነገር ክትገብር እትኽ እል ኮይኑ እኳ እንተተሰማዓካ ሸተት ክትብል ትኽእል! ቀንዲ መጋበሪት ጸላኤ ሠናይት ከአ ማሕፉዳ ስለዝኾነ ተጠንቀቁ እንክብሉ ነቲ ቅ.ጳውሎስ ንጢመቴዎስ “ሡር ናይ ኩሉ ክፍአት ገንዘብ ኢዩ” ዝብሎ ብካል እ አዘራርባ ንምግላጽ ዚአክል “ማኅፉዳ መእተዊ አፍደገ ናይ ጸላኤ ሠናያት ኢዩ” ቢሎም፣

ቅዱስነቶም አብ መደምደምታ ስብከቶም ዘዘኻኸርዎ አብ መሪሕነትን ሥልጣንን ክሳብ ብሕይወት ዘሎኻ ምጽናሕ አብ ገለ ዲክታቶርያዊ ሃገራት እኳ ዝረኤ እንተኾነ አብ ቤተ ክርስትያን ግን በብጊዜኡ ክለዋወጥ አለዎ፣ መራሕቲ ንውሱን ጊዜ ክኾኑ አለዎም፣ ብማለት ምስ አዘኻኸሩ ንም እመናን ክ ዕደል ተመዲቡ ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ባሪኾም ነፍሲወክፍ አብ ጁባኡ ወንጌል ሒዙ ክጐዓዝ ሓደራ ብማለት ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተፋነውዎም፣

ካብዚ ዝቀጸለ ብውሩያት ስነጥበባውያን አብድረያ ቦቸሊ እስራኤላዊት ኖዋ ዶን ሞኤንን ካልኦት ዓለምለኻው ተፈላጥነት ዘለዎም መዘምራንን ናይ መዝሙር ጸሎት ዓሪጉ፣

አብ ምዝዛም ናይቲ ጉባኤ ጸሎት ናይ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ሃገራዊ መራሒ “ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ገለ ካብተን ቍሩባት ሜዳታት ዓለም ብዘይ ፍርሕን ጸገምን እምነትና እንምስክረሉ ብዘይምንም ገደብን ዓመጽን ብዕሊ አብ መንጎ ሕዝቢ ነጻ ኰንካ እምነትካ እትምስክረሉ ኢዩ” እንክብል ምስ ዛዘመ ናይ ምስክርነት ጊዜ ቀሪቡ፣ ምስክርነቶም ካብ ዚሃቡ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት አቦመንበር አንጀሎ ባኛስኮ! ሓድነት ክርስትያን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ አቦመንገር ኩርት ኮኽ ናይ ሲሮኦርቶዶክ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፖሊካርፕ ኤውጀንዮ አይዲን ከማኡ እውን ናይ ወንጌላውያን አብያተ ክርስትያን ፕረሲደንት ፐንቶኮስታል ፓስተር ጆቫኒ ትረቲኖ ናይ ኦርቶዶክሳውያንን አንግሊካውያንን ወንጌላውያንን ሲሮ ካቶሊካውያንን መስኪሮም አብ መወዳእታ ናይ ምሥራቃውያን አብያተ ክርስትያን ማኅበር ኃላፊ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ “ሽሕኳ ወዲሰብ ናይ ብዙሕ ክፍአተ ግብሪ መአከብ እንተኾነ ብጸጋ እግዚአብሒር ግን ንዓለም አብ ሓደ ናይ ሰላም ገነት አታኽልቲ ክልውጣ ይኽእል ኢዩ” ብማለት እዚ ናይ ትማሊ ፍጻሜ ናይ ሰላም ምልክት ምዃኑ መስኪሮም፣ ምስክርነት ዳርጋ ምሉእ ምሸት ቀጺሉ ካብ ቪቶርዮ አሊክዎ ዝበሃሉ ዋና ዳኛ ካብ ፓለርሞ ክሳብ ግለሰባት ብዓቢ መፈሳነት ተኻዩዱ፣ ብጸሎትን መዛሙርን ብረኸት አምላኽ ዝ ዓሰሎ ኪፍኪፍታ ዝናምን እንክፍጸም ሎሚ ከአ ካብ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ጊሓት ዝጀመረ አብ ኦሊምፒክ ሜዳ ሮማ ክሳብ ምሸት ክቅጽል ኢዩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.