2015-07-02 18:56:00

አብ ጐድኒ ህዝቢ ግሪኽ አሎኹ! ቀዳምነት ዚወሃቦ ክብሪ ስለዝኾነ ክብሮም ይተሓሎ!


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቱይ አብዚ ወርኃት እዚ ንሃገረ ግሪኽን ሕዝባን ዘናውጽ ዘለዎ ቍጠባዊ ቅልውላው አመልኪቶም እንኪኸውን፤ ቅዱስነቶም አትሪሮም ዝዅንንዎ ብአምልኾ ንዋይ ዝተጠጀኤ ቍጠባዊ ናብራ ኤውሮጳ ብባንክታትን ሓረጣን ገንዘብ ንምድላብ ክብሉ ክብሪ ወዲሰብ ስለዝተንከፉ “መጀመርያ ክብሪ ወዲሰብ! ደሓር እቲ ዝተረፈ!” ብማለት ነቲ አብ መንጎ ኅብረት ኤውሮጳን ሃገረ ግሪኽን ዝካየድ ዘሎ ርሱን ክትዕ ቀዳምነት ንመንን ንምንታይን ክወሃብ ከምዘለዎ አመልኪቶም፣

ነዙይ ሻቅሎት ቅዱስ አቦና ብመንገዲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘስምዑ ናይ ኅትመትን ዜናን ቫቲካን ኃላፊ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እንክኾኑ “ካብ ሃገረ ግሪኽ ዝመጹ ዘለው ዜናታት ቍጠባውን ማኅበረሰባውን ኩነታት እታ ሃገር አብ ሻቅሎት ዘእትው ኢዮም፣ አብዚ ከምዚ ዝበለ ሁመት ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ሃገረ ግሪኽ ቅርበቶም ክገልጹን ምናዳ ምናዳ ከአ እተን አደራዕ ናይዚ ቅልውላው ተሸኪመን ዝጐዓዛን ዝሳቀያን ሥድራቤታት ከምዝተሓሳስቦ ይገልጹ” ምስ በሉ እንደገና ሕመረት ናይ ሰብ አውነት ዝኾነ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ክወሃብ ዘለዎ ክብሪ ወዲሰብ ስለዝኾነ አብ ዝኾነ ፖሎቲካውን ማኅበረሰባውን ቍጠባውን ዘተ ማእከል ኩሉ ክኸውን ዘለዎ ክብረት ወዲሰብ ምዃኑ ብምግላጽ ኩሎም ም እመናን ናይዚ ፍቁር ሕዝቢ እዚ ሕይወት ክመሓየሽን ካብዚ ዓዘቅቲ እዚ ክወጹን ብጸሎት ክተሓባበርዎም ይምሕጸኑ፣ እንክብሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ቅዱስነቶም ሎሚ ንጋሆ እውን በቲ ትዊተር ዝብልዎ ናይ ሓጸርቲ መል እኽትታት መተሓላለፊ ናይ ኢንተርነት መራኸቡ ብዙሓን “ዓቢ ግድል! ነቲ እግዚአብሔር ክንሕጐሰሉ ሓደራ ዝሃበና ጃርዲን ካብ ምዕናው ንቆጠብ” እንክብሉ አብ ልዕሊ ተፈጥሮን አከባብን እንገብሮ ናይ ዕንወት በደል አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከሕትተና ምዃኑ ዝገልጽ ሓጺር ግንከ ኅልናኻ ዝኵሕኵሕ ተሪር መል እኽቲ ከምዘመሓላለፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ገሊጹ፡








All the contents on this site are copyrighted ©.