2015-06-19 09:22:00

ካብ ተስፋ ኣልቦ መሪር ሓዘን ናብ እምነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ረቡዓው ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብናይ ውላድ ስቓየ ሞት ምኽንያት ወለዲ ዘጋጥሞም መሪር ሓዘን ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕይወት መዕለቢ ዘይብሉ ድቕድቕ ጸላም ኰይኑ ከምዘሳቕዮምን፣ ኣቲ ሞትን ስቓይን ውላድ ድማ ነቲ ውላዶም ኣብ ምዕባይ ዝነበርዎን ኣማዕድዮም ዝጥምትዎን ተስፋን ነቲ ሕይወት ኣብ ምውላድ ብሓጐስ ምእንቲ ሕይወት ዝኸፍልዎ መስዋዕቲ ኩሉ ዘምክንን ኣብ ሕይወቶም ዘጋጥሞም መሪር ጸፍዒ ከምዝኾነን፣ እዚ ካብ ተስፋ ኣልቦ መሪር ሓዘን ናብ እምነት ዘሰጋግር ምስ ዝኸውን ብሓቂ እቲ መሪር ስቓይ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ስቓይ ትርጉም ከምዘለዎ ብእምነት ምስ ዝስትውዓል ውሽጣዊ ርግኣት ዘጸግው ምዃኑ ዘቃልሕዎ ሓሳብ ኣመልኪተን ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፋ

ጓለን ብርእሰ ቕትለት ዝሰኣና ኣደን ውላድ ኣብ ሰማያዊ ቤት እተሰምየ ማሕበር ዝመስረታ ኣንድረኣና ባሳነቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፣ ንሰን ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቅ ክኾና እንከለዋ በዚ ዘለወን ሞያ መንእሰይ ብፍላይ በጽሒ ወለዶ ዘጋጥሞ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ካብ ሕጻንነት ናብ በጽሕነት ደረጃ ክሰጋገር እንከሎ ዘጋጥሞ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ለውጥታት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከቓልዖ ስለ ዝኽእል፣ ኣብዚ ናይ ምስግጋር እዋን ብቐረባ ንመንእሰይ ናይ ስነ ኣእምሮ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ዝተዋፈራ ምዃነን ገሊጸን፣ እዚ ኹሉ ግና እኹል ኣይነበረን ስለምታይ ጓለይ ብርእሰ ቕትለት ስኢነ እየ። ይፈልጣን ይሕግዛን እየ ዝብል ርእሰ ምትእምማን ከምዝነበረን ሓቢረን ምልስ ቢለን ድሕሪ ርእሰ ቕትለት ጓለን ኣብ ሕይወተን ኣብ መዓሙቕ ልበን ደልሃመት ኣትዩ፣ ጸልማት ኣብ ሕይወተን ኣንሳፊሑን ከሳቕየን ከምዝጀመረን ኣብ ሕይወተን እግዚኣብሔር ዝብል እምነት ዘይነበረንን ብዛዕባ እግዚኣብሔር እውን ዘይግደሳ ምንባረን እውን ሓቢረን፣ ኣብ መዓሙቕ እቲ ዘጋጠመን መሪር ስቓይ ተዀሊዓ ዝነበረት ንእሽቶ ብርሃን ከስተውዕላ ዘብቅዔን ናብ እምነት ዝመርሕ መገዲ ከለልያን ከምዝበቕዓን ብሓቒ ዘጋጥም መሪር ስቓይ ምኽንያት እምነት ምስ ዝኸውን ትርጉም ይረክብ፣ እምነት ስለ ዘረኸባ እቲ ናብ እምነት ክበጽሓ ዝሓገዘን ስቓይ ዝተባርከ እዩ ማለት ዘይኰነስ፣ ነቲ ስቓይ ከም ክውን ክትቕበሎ ናይ ልቦናን ኣእምሮም ሓይሊ ትረክብ እሞ እቲ ዘጋጠመ ስቓይ መንቀሊኡ ብህድኣታ ከተስተውዕል ስለ እትጅምርን እዚ ኹሉ ከይዲ’ዚ ድማ ካብቲ እቲ መሪር ዘሕድረልካ ናይ ሕይወት ደልሃመት ክትላቐቕ ስለ ዝድግፈካ እዩ። ብኻልኣ ኣዘራርባ ጾርኩም ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ ዝብል ቃል ኢየሱስ ዝሕብር ተመክሮ ይኸውን። ኣብ ቅድሚ ስቓይ ውላድ ከም እኖ ማርያም ኣብ ትሕቲ መስቀል ኢየሱስ ምንባር ማለት እዩ እቲ እውነተና ጽንዓትን ምጽንናዕን ኢለን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝልግስዎ ምዕዳን ብሓቂ ኩሉ ምእመንን ድኻን ሕዙንን ኣብ ስቓይ ዝርከብን ኣብ ሕቕፎኦም ዘብጽሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ናይ ኣባይቲ ስድራን ወለድን ስቓይ ኣማእኪሎም ዕለት 17 ሰነ 2015 ዓ.ም. ስለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብሞት ደቃቶም ኣብ ጽንኩር ሓዘን ናብ ዝርከባ ኣባይቲ ኣትዮም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክስማዕ ገይሮም እዮም ኣንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.