2015-06-19 09:26:00

መዓልቲ ጸረ ምስፋሕ ምድረ በዳ፣ መግብን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን


ናይ ኵሉ መግባዊ ውሕስነት ተቐባልነት ብዘለዎ መደብ ሕርሻ ምርግጋጽ ብዝብል መርሕ ቃል እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ተነቓቒሑ በቢ ዓመቱ ዕለት 17 ሰነ ዝዝከር ጸረ ምስፋሕ ምድረ መዳ ዕለት 17 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ መደባት ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ንናይ እንነብረሉ መሬት ጥዕናን ናይ ተፈጥሮን ፍጥረትን ጥዕና ንምክልኻል ብዙሕ ጻዕሪ ከምዘይካይድ ርኡይን ጭቡጥን እዩ። ኣብ ክንክን ጥዕና ፍጥረትን ተፈጥሮን ብዙሕ ሃብቲ ገንዘብ ከምዘይዋፈር ክፍለጥ እንከሎ፣ ለምዘበን መዓለቲ ጸረ ምስፋሕ ምድረ በዳነት መግብን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ሕርሻን ብዝብል መርሕ ቓል

ተሰንዩ ክዝከር መግብን ምስፋሕ ምድረ በዳነትን ዘለዎ ርክብ ዘነጽር ምዃኑ ኣብ  ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸረ ምስፋሕ ምድረ በዳነት ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝዓዩ ጸረ ምስፋሕ ምድረ በዳነት ብስነ ምርምር ዘጽንዕ ማሕበር ወኪል ኢጣሊያ ማውሪዚዮ ሺዮርቲኖ መግብን ምስፋሕ ምድረ መዳነትን ተተሓሒዞም ዝኸዱ እርእስታት እያቶም፣ ስለምታይ ምስፋሕ ምደረ በዳነትን ሕስረት ክብሪ እንነብረሉ መሬት ብቐጥታ ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝትንክፍ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣፍሪቃ ኣታ ኣዚያን ቀጺላ ድማ ላቲን ኣመሪካ እታ ኣጻምእ ዝሰፍሓላ ክፍለ ዓለም ከምዝዀነትን፣ ኣብ እስያን ከምኡ እውን ምስ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝዳበው ክፍሊ ኤውሮጳ ዘጥቕዕ ምዃኑ ሓቢሮም ምስፋሕ ምድረ በዳነት ኣዚዩ ንድኻታት ሃገራት ዝሃስይ እዩ፣ እዚ ድማ ብቐጥታ ነቲ ናይ ሃገራት ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝጎድእ ብምዃኑን ህዝቢ ድኻታት ሃገራት ንስደትን ምዝብልናን ሓደጋ የቃልዕ።

ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ብከላ ከባቢ ኣየር ንሓምላይ ሕይወት ኣናጎድኤ ዋዕይ ከባቢ ኣየር ክብ እናበለ ኣብ ዓለም ምድረ በዳ የስፍሕ ከምዘሎ ገሊጾም፣ ምስፋሕ ምድረ በዳነት ህጹጽ መፍትሒ እንተድኣ ዘይረኸበ ክተሕውዮ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ክበጽሕ ምዃኑ ዝተረጋገጸ እዩ። ምእንቲ’ዚ ሃገራት ዓለም ነቲ ዝረአይ ዘሎ ምስፋሕ ምድረ በዳነት ንምውጋድ ዘብቕዕ መደብ ኣብ ምሕንጻጽን ነቲ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብቑዕ ናይ ገንዘብ ሃብትን ሓይሊ ሰብን ሰብ ሞያን ከዋፍራ ኣገዳሲ እዩ።

በቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምድረ በዳነትን ኣጻምእን ሕዝብታት ክመዛበሉን ክስደዱን ግድን እዩ። ኰይኑ ግና እቲ ጸገም ገና እንከሎ መፍሔ ንኽረብ ናይ መላእ ዓለም ማሕበረሰብ ጻዕሪ ይሓትት፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ዘሎ ሓምላይ ሃብቲ ምሕብሓብን ተቐባልነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ዓለምን ንርሑቕ ዝጥምትን ናይ ኩሉ ማለት ናይ ተፈጥሮን ፍጥረትን ጥዕና ዝሕልው መደብ ልምዓት ኣማራጺ ዘይኰነስ ናይ ግድን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.