2015-06-13 16:26:00

ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ፦ ተፈጥሮን ፍጥረትን ንምክልኻል ምሉእ ስነ ምህዳር ኣገዳሲ


ናይ 2015 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዛዕባ ክንክን ከባቢ ኣየር ጠቕላላ ፈጻሚ ኒኮላስ ሁሎት እቲ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝትንክፍ ዘሎ ተኸሲቱ ዘሎ ዘተሓሳስብ ሕቶ ከባቢ ኣየር (ምህዳር) ናይ ስነ ሰብእን ባህልን ስነ ምግባርን ቅልውላው ውጽኢት እዩ እንክብሉ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ምርኢት 2015 ዓ.ም. ብቕድስቲ መንበር ኣብ ዝተዳለዎ ብሔራዊ መዓልቲ ከባቢ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብቲ ብዛዕባ ክንክን ስነ ምህዳር ኣብ ዘተኰረ ናይ ዕዮ ናይ ክቢ ጥረጴዛ ተረኾቦም ኣብ ዝሃብዎ ሰፊሕ ትንተና ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ፕሮፈሰር ኣማቶ ነቲ ናይ መሬት ገጻት ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ኣብቲ ምስ ፍጥረት ዘሎ ርክባት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮኣዊ ትንተና እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምን ሃገራት ዓለምን ዝኽተሎ ፖለቲካ ብቓል ኣብ ዓለም ዝረአይ ጥምየት ስእነት መግብን ንምውጋድ ዓቢይ ጻዕሪ ንኸካይዱ ቃል ይኣትዉ ድሓር ግን ነቲ ቃል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘርእይዎ ጭቡጥ ተግባር ዝሕቱልን ምስቲ ቃሎም ዘይራኸብ ኰይኑ ይተርፍ። እዚ ድማ እቲ ሜዲትራኒያን ባሕሪ እናቋረጸ ናብ ኢጣሊያን ኤውሮጳን ዝስደድ ዘሎ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ይምስክሮ፣ ካብ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓታት ስደተይና እቲ ብጥምየትን ስእነት ዝተመጣጠነ መግብን ጽምእን ዝስደድ ህዝቢ ኣዚዩ ብተደራራቢ ይበዝሕ። ስለዚህ እቲ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓታት እየ ዝብል ብትኽክል ተጻርዩ ንኣኡ ጥራሕ ዑቕባ ምሃብ ዝብል ኤውሮጳን ኢጣሊያ ዘቃልሐኦ ዘለዎ ፖለቲካዊ ድላይ ንናይ ስደተይና ሽግርን ጸገምን ብምልኣት ዝምልከት መልሲ ኣይኰነን። እንነብረሉ ዘሎና መሬት ናይቲ ኣብ ዓለም ዝነብር ሕዝቢ መልክዕን ገጻትን እዩ ዘለዎ። መሬት ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዎ ገጽ ናይ ተግባራትናን ከይዲ ምዕባሌናን ናይ ምዕባለ ፖለቲክታትናን ውጽኢት እዩ። ጽቡቕ መልክዕ ድዩ ኣይኰነን ድማ ገዛእ ርእስና ንመርምር። ሃብቲ ተፈጥሮ ብግቡእን ብማዕርነትን ምጥቓም ናይ ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ንክፍታሕ እዩ ቢልካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ዕሽነት ምዃኑ ድማ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ነዚ ሓቂ’ዚ ምእዛዝ እዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፦ መልክዕን ገጽን እንነብረሉ መሬት ነናይ ንፈሲ ወከፍና መልክዕ ነጸብራቕ እዩ። ዝተበሳጨወ ዝተቖጥዔን ኣልቦ ፍስሃን ገጽ ሰብ ኣብቲ እንነብረሉ መሬት ዝተንጸባረቐ እዩ። ስለዚህ ሰብን መሬትን ዝሓመሙ እዮም እተበልኩ ምግናን ከምዘይኰነን፣ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ርክብ ከምዘይብሉ ተፈጥሮን ሃብቲ ተፈጥሮም ኣብ ምምዝማዝ ካብ ዝዋፈር ዘመናት የቝጽር ኣሎ። እቲ ርክብ ጥዑይን ግብኡን እንተዘይኰይኑ ጊዜ ምስ ዝሓልፍ ንዅሉ እዩ ዝጎድእ። ድሮ እውን ሳዕቤናቱ ይርአይ ኣሎ እንክብሉ ናይ ባህሊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ ኩሉ ሓባራዊ ጽሑፍቶ እዩ ዘለዎ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ኤኮኖሚ ዓለም ኣብ ምዕሩይ ተመቓርሖ ሃብቲ ተፈጥሮ ክቐውምን ነዚ ዝኣምን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣብ ደቡብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጥምየት እቲ ምዕራብ ዓለም ውዒሉ ሓዲሩ ዝበጽሕ ምዃኑ ክስሕቶ የብሉን፣ ናተይ ምንባር ምስ ናይ ካልእ ምንበርን ጥዕና መሬትን ዝተተሓሓዘ እዩ። መሬትን ተፈጥሮን ግዙእ ጌርካ ምምሕዳርን ምንብርካኽን ምምዝማዝን ጸዋዕታ ፍጥረት ሰብ ኣይኰነን። ኣመሓድር ዝብል ጽዋዕታ እዩ ዘለዎ። እግዚኣብሔር ንሰብ ንመሬት ኣመሓድራ ክብሎ እንከሎ ነኸልምዖን ንኽዕቅቦን እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።

ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ከተማ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኢጣሊያ በቲ ዓውደ ጉባኤ ኣቢላ ኣብ ዓለም ሓድሽ ሰብኣውነት ተነቓቕሕ ኣላ። ኣብ ዓለምን ብሓፈሻኡ ኣብ ብጥዕናን ቅሳነትን ክንነብር እንተድኣ ንደሊ ኰይና ናይ ምህዳር ጥዕና ምክልኻል ግድን ምዃኑ ከነስተውዕል ይግብእ። ተፈጥሮን ፍጥረትን ንምክልኻል ምሉእ ስነ ምህዳር ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ንናይ ጥዑይ ሕይወትን ስነ ምህደራን ብቑዕ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ መንጐ ምህዳርን ሰብን ዘሎ ርክብ ብኑባሬ ዝተረጋገጸ ምዃን እዩ። እዚ ምዃናዊ ርክብ’ዚ ድማ ኣገዳስነት ምልኡ ስነ ምህዳር ይሕብር። እቲ ርክብ ቀጻልን ጽኑዕን ክኸውን ኣብ ፍጥረት ዘሎ ድላይ እዩ። እዚ ድላይ’ዚ ድማ ሕቶ ኰይኑ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን እንታይነት ፍጥረትን ተፈጥሮን ካበይ ናበይ ንዝብሉ ሕቶታት ንገዛእ ርእሱ ከቕርብ ይድርዀ፣ ስለዚህ እቲ ቀጻልን ጽኑዕን ርክብ ብሕንጸት ዝመሓላለፍ እዩ። ኣብዚ መዳይ ቤተሰብ ዓቢይ ግደ ኣለዎ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ውግእን ምፍልላይን ምንጻልን ዘይምትሕሳብን ክውገድ ኣለዎ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ሰብኣውነት ስነ ምህዳር ይበሃል ቢሎም ንኽንክን ከባቢ ክንክን ሰብኣውነት ወሳኒ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.