2015-06-12 11:43:00

ማርያም አደ አምላኽ ዑቕባና እያ፤ ማርያም ድዓሪት 2007 ዓ.ም.


ንባባት፡ 2ቆሮ 6፡12-ፍ፥ 1ጴጥ 2፡5-11፥ ግ.ሓ. 7፡44-54፥ ማቴ 21፡42-ፍ  ምስባክ፡ ዕገትዋ ለጽዮን ወሕቀፍዋ፥ ወተናገሩ በውስተ ምኅፍዲሃ፥ ደዩ ልብክሙ ውስተ ኀይል። መዝ. 47፡1213።

እስመ ኀረያ እግዚአብሔር ለጽዮን፥ ወአብደራ ከምትኩን ምኅደሮ፥ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም። መዝ.

አብ ታሪኽ እምነትና ዝኽሪ ማርያም ዓቢ ቦታ አልኦ። ካብ መጀመርያ ማርያም አብ ተልእኮ ወዳ ዓቢ ተራ ከምዝነበራ ንርኢ። ገብርኤል መልእኽ ከብስራ እንከሎ “ ሰላም ንአኺ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እንካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ አይትፍርሂ፥ ወዲ ክትወልዲ ስሙ ኸአ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ. . . መንፈስ ቅዱስ አባኺ ክወርድ እዩ፥ ኃይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፥ እቲ ካባኺ ዝውለድ ወዲ አምላኽ ክብሃል እዩ” (ሉቃ 1፡28-35) ኢሉ እቲ ካብአ ዝውለድ መን ምዃኑን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብልዕሊአ ገሊጹላ። እዚ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝነግረና ንብዙሓት ብዛዕባ ማርያም ከስተንትኑ ከስተምህሩ ከምኡ ናይ ማርያም እንታይነትን አብ ድሕነት ነፍስወከፍና ዘበርከተቶ ክንርኢ ሓጊዙ። ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ አብቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ እዩ ዝምስረት። ንማርያም እንኽብራ አምላኽ ስለ ዘኽበራ ሓደ ወዱ ካብአ ስለ ዝተወልደ እዩ።  ሕይወት ማርያም ሕይወት ድለት አምላኽ ምስማዕ እዩ።

ማርያም በቲ እትመርሖ ዝነበረት ሕይወትን በቲ አምላኽ ዝሃባ ጸጋን አብ ቅድሚኡ ሞገስ ከምእትረክብ ኮይና። ገብርኤል መልአኽ “አብ ቅድሚ አምላኽ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ” ክብላ እንከሎ ንስኺ ብሕይወትኪ ብምልኡ ነቲ አምላኽ ካባኺ ዝደልዮ ዘማላእኪ ዕውቲ ኢኺ፥ አብ መንጎኽን አብ መንጎ አምላኽን ዝፈሊ ነገር የለን እናበለ ሕይወት ማርያም ገሊጹልና። ብዙሓት አብ ሕይወትና እንተ ርአና ከምኡ አይኮናን ወላ እኳ ካብ ክፍአትን ኃጢአትን ክንድሕን እንተ ጸዓርና ንወድቕ ንጠልም ማርያም ግን እዚ አብአ አይተረኽበን በዚ እዩ ፍሉይ ርክብ ምስ አምላኽ ዘልአ። ንሳ ንጽሕተ እምንጹሓን ንብላ ምኽንያቱ አደ አምላኽ ስለ ዝኾነት ንንጽሕናአ ዝዳረግ ኮቶ የለን።

ገብርአል መልአኽ መልእኽቲ አምላኽ ምስሓበራ “እኔኹ አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ ከምቲ ዝበልካኒ ይዅነለይ” እናበለት ነቲ ኵሉ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ክትገብር ፍቓደኛ ምዃና ገሊጻ። አብዚ እዩ ተራ ማርያም ተገሊጹ ንመጸዋዕታ አምላኽ ሕራይ ብምባላ። ሰብ አምላኽ ካብኡ ዝደልዮ ክገብር ፍቓደኛ ምስ ኮነ ምስ አምላዅ ድልዱል ርክብ ይገብር። ምስ ፍቓድ አምላኽ ክንከይድ ብወገና ጽን ክንብል የድሊ ንኹሉ ካብ ፍቓድ አምላኽ ካብ ምቕባል ዘጋግየና ሓዲግና ንአምላኽ ክንሰምዕ ንሱ ዝበለና ክንገብር ፍቓደኛታት ክንከውን ንርእስና ክነሰናዱ የድልየና።

ካብ ሕይወት ማርያም እንምሃሮ ንፍቓድ አምላኽ ክንቅበል ስንድዋት ክንከውን፥ “ፍቓድካ ይዅን” ኢልና ክንክእል አሎና። አምላኽ አብ ገለ እዋን ክንርድኦ ዓቕምና ዝሓጽረና ነገራት ብአና አቢሉ ክገብሮ ንዝደሊ አለሊና ክንክእል እሞ ፍቓድካ ይኹን ንዝብል ካብ ማርያም ንመሃሮ።

እምብአር አምላኽ ካባና ነፍሲ ወከፍና ዝደልዮ ፍሉይ መልሲ አሎና። ፍጡረይ እናበለ ክንሰምዖ ክንልአኾ ሕራይ ክንብሎ ኢሉ ብዝተፈላለየ መገዲ ድላዩ ይነግረና። መልሲ ሂብና ክንክእል ናይ ሎሚ ዕለት ዝኽሪ ብዓልና ነዚ ዕድል ይኸፍተልና። ምናልባት ንገለና ንሰባት አብ መገዲ አምላኽ ክንመልስ ክልእከና ይደሊ እዩ፥ ንገለና ብሕይወትና ንኻልኦት ክንምህር አብነት ክንኮንኮኖም ንገለና ኸአ በቲ እንስከሞ መስቀል ንኻልኦት አብ ምሕረት አብ ሰላም አብ ፍቕሪ ክንመልሶም ንኽእል ኢና። አምላኽ ሎሚ እውን ዝልአኾ ይደሊ አሎ። ኤርምያስ ነብይ አምላኽ ከመይ ገሩ ከምዝሓረዮ ክገልጽ እንከሎ “ አብ ከርሢ አዴኻ ኸይሓነጽኩኻ ኃሬዅኻ ከይተወለድካ ኽአ ቐደስኩኻ ነሕዛብ ነብይ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ” (ኤር 1፡45) ዝብል ቃል ከም ዝሰምዐ ይነግር። ልኡኻት አምላኽ ክንክውን ሕሩያት ኢና። ነቲ አምላኽ ዝደልዮ መልሲ ክንህብ ፍቓደኛታት ክንከውን ይግብአና።

አምላኽ ኵሉ ጊዜ ናብ ህዝቡ ዝልአኹ ምስ ደለየ እዩ፡

“ሽዑ እግዚአብሔር ንመን ክንልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ ክብል ሰማዕኩ አነውን እኔዅ ልአኸኒ በልኩ” (ኢሳ 6፡8) ዝብል አምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ክልእኽ ከምዝደሊ ክአል ኩሉ እንከሎ ፍቓድ ወድሰብ ይሓትት። ንአምላኽ ሕራይ ኢሉ ዝኽአለ እሞ መልእኽቲ አምላኽ ዘብጽሐ ዝተባረኸ እዩ። ማርያም አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ምስ ሓተታ ሕራይ ኢላ አብ ግብሪ ክተውዕሎ ተበጊሳ። አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ክትገብር ጽን ክትብል ንርእያ። ቅ. ሉቃስ ነቲ አምላኽ ብዝተፈላለየ ዝገልጸላ ዝነበረ ኽገልጽ እንከሎ ንዅሉ አብ ልባ ትሕዞ ነበረት ይብለና። አምላኽ ዝገለጸልና አብ ልብና ሒዝና ክንክእል እንከሎና መገዲ ቅድስና ሒዝና አሎና።

ማርያም መልእክቲ አምላኽ ምስ ተቐበለት ንአገልግሎት ነቒላ። ነታ ካብ ትጸንስ ሻድሻይ ወርሓ ሒዛ ዝነበረት ኤልሳቤጥ ክትሕግዝ ነውሕ ጉዕዞ ገራ። በቲ እዋን ጓል አንስተይቲ እሞ መንእሰይን ነፍሰ ጾርን ካብ ቤታ ክትወጽኣ ነውሕ መገሻ ክትገብር ቀሊል አይነበረን ማርያም ግን ነቲ አምላኽ ዝሃባ አብ ግብሪ ክተውዕል አብ ቤት ዘካርያስ ከይዳ። አብዚ ክንሓስቦ ዘሎና ምስ ማርያም አብ ከርሳ ኢየሱስ ይጉዓዝ ነሩ። አምላኽ አብ ከርሳ ሒዛ ትጉዓዝ ነራ አብ ቤት ዘካርያስ ምስ በጽሐት ብዙሕ ተአምራት ተፈጺሙ፡

ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ፡ ሰላምታ ማርያም ማንም ሰላምታ ከምቲ ንሓደ ሰብ እንህቦ ሰላምታ ጥራሕ አይነበረን። ከምቲ ክርስቶስ ነርድእቱ ድሕሪ ትንሣኤ ደጋጊሞ ዝሃቦ ሰላምታ እዩ ነሩ። ዝልውጥ ዝሕድስ ሰላምታ እዩ ነሩ። ሎሚ እውን እዚ ሰላምታ እዚ አብ ቤትና ብማርያም አቢሉ ክመጽአና ንለምና። ንሳ ክትመጸና እንከላ ንበይና ዘይኮነ ምስ ወዳ እያ እትመጽአና። ክርስቶስ አባና አብ ልብና ክመጽእ እንከሎ ሰላሙ ሒዙ እዩ ዝመጽአና። ቅሳነት ሰላም ስኢኑ ንዘሎ ሕይወትና ክትቅይረልና ምስ ወድኺ ምጽእና ንበላ።
እቲ ሕፃን አብ ከርሣ ተሰራሰረ። ዮሓንስ መጥምቕ ድምጺ ማርያም አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ምስ ሰምዐ ተሓጒሱ፥ አምላኽ ብርእሱ ስለ ዝመጽኦ ሓጎሱ ብምስርሳር ገሊጽዎ። ሰላምታ ማርያም አብ ሕይወት የውሓንስ ፍሉይ ሓገስ አምጺኡ፥ መንፈስ አምላኽ ዝሓደሮ ሰብ ዝዓበየ ምልክት ዘርእዮ ሓጎስ ቅሳነት እዩ። ማርያም ንኢየሱስ ስለ ዘምጽአት አብ ቤት ዘካርያስ ሓጎስ ደስታ አምጺአ። ማርያም አብ ሕይወትና ክትመጽእ እንከላ ነዚ ሓጎስ እያ እተምጽአልና። አብዛ ሓዘን ዘይቅሳነት ዝመልአ ሕይወትና ምስ ወዳ ክትመጽእ ንለምና ሽዑ ነገራት ክቕየረልና እዩ።
ኤላሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ መልአ፡ ቃል ሰላምታ ማርያም ንኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ከምእትመልእ ገርዋ። ማርያም አብ እተምጽአሉ መንፈስ ቅዱስ አብኡ አሎ። አብ ጽርሓ ጽዮን ሓዋርያት ብሓባር ማርያም አብ ማእከሎም እንከላ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም። ማርያም ክትመጽአና እንከላ ንበይና አይ ኮነትን እትመጽአና ምስኣ ኢየሱስ ወዳ መንፈስ ቅዱስ ቀዳሲአ እግዚአብሔር አብ አለዉ። በዚ እና አባኺ ኵሉ አሎ እንብላ።
ንአምላኽ ክነለሊ ንኽእል። ኤልሳቤጥ ንማርያም ምስ ረአየት “አደ ጎይታይ” ኢላታ ብማርያም አቢላ ነቲ አብ ከርሣ ዘሎ ኢየሱስ ጎይታይ ትብሎ። ንመጀመርያ ጊዜ አደ አምላኽ ዝበለታ ኤልሳቤጥ እያ። አብ ሕይወትና ንአምላኽ አለሊና ክንክእል ንማርያም ክንጽውዕ ዝበለጸ እዩ። ንሳ ክትመጽአና እንከላ ንወዳ ሒዛ ስለ እትመጽአና ክነለልዮ አይከጸግመናን እዩ።
ካብ አምላኽ ዝመጸና ቃል አሚና ክንክእል እንከሎና አባና ዓቢ ነገራት ይፍጸም። ኤልሳቤጥ ዕብየት ማርያም ክትገልጽ እንከላ “ቃል አምላኽ ክትሰምዕ ምኽአላ” እዩ። ነቲ ብዓቕሚ ሰብ ክትርድኦ ክትበጽሖ ዘይክአል አሚንካ ምኽአል። አብ ገለ እዋን ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ፈሊጥና ክንአምን እንከሎና አባና ጸጋ ይበዝሕ። ማርያም ንአምላኽ ልዕሊ ኩሉ ገራ ስለ ዝኸአለት ክትአምን አየጸገማን። ንሕና እውን አብ ሕይወትና እምነት ክንገብር ንአምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ሰሪዕና ክንክእል ይግብአና። እምነትን ርድኢትናን ፈላሊና ክንርኢ አሎና። ነዚ ካብ ማርያም ንምሃሮ።

ማርያም አብ መንጎና ክትርከብ እንከላ ብዙሕ ነገራት ይፍጸም፡

ተአምራት ይፍጸም፡ አብ ቃና ዘገሊላ አብ ዝነበረ መርዓ ብልመና ማርያም “ማይ ናብ ወይኒ ተለዊጡ። ንሰብ መርዓ ካብቲ አንጸልልይዎ ዝነበር ከቢድ ሕፍረትን ውርደትን ዘናገፈት እሞ ወዳ ንሳ ዝለመነቶ ከምዝገብር ብግሪ ዘርአየትሉ አጋጣሚ እዩ ነሩ። ማርያም ሎሚ እውን ንወዳ ክትልምነልና አብ ሕይወትና ተአምራት ክተግብር ይክአል እዩ ሓንትስ ንዓድማ። ሰብ ቃና ዘገሊላ ንማርያም ምስ ወዳ ዓዲሞማ አብኡ ኽአ ተአምራት ተገሩ እዚ ማርያም ክትገብረልና እትኽእል ዝገልጽ እዩ። አብዚ ከቢድ ምድራዊ ሕይወትና ከጸግምና እንከሎ አብ ማርያም ክንከይድ ክንዕድማ ክንልምና የድሊ።
“ወደይ ዝበለኩም ግበሩ”። አብ መንጎና ተአምራት ክግበር ድላይ ወዳ ክንገብር የድሊ። እንታይ እዩ ድላይ ወዳ? ሎሚ ካብ ነፍሲ ወከፍና አምላኽ ዝደልዮ እንታይ እዩ?

ብኃጢአትና ተአሚና ክንሳሕ። አብ ውሽጢ ሕልናና አቲና ነቲ አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ከማና ዝበሉ ሰባት ፈላልዩና ዘሎ ብፍላይ ብናትና ክፍአት ተአሚና ምሕረት አምላኽ ክንልምን። በደልና ከይተአመና ጸጋ አምላኽ አባና ክወርድ አይክአልን እዩ እዚ እዩ ቀዳማይ ካባና ዝደልዮ።
ፍቕሪ አምላኽን ሰብን አብ ኵሉ ከምዝነግስ ክንገብር። ሰብ ካብቲ ዓቢ ጸገም ኮይንዎ ዘሎ አብ ኵሉ ፍቕሪ ጎዲሉ፥ ንክፍአት ክንገብር ዝተዓጠቕና ንመስል። ዝሓሚ ዝዕምጽ ዘጋጊ በዚሑ። አብ ህንጸት አሕዋትን ሕብረተ ሰብን አብ ኪንዲ ንወፍር አብ ምፍልላይ አብ ወገነይ ወገንካ አብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝወፈሩ ይበዝሑ ካብቶም ፍቕሪ ሰላም ሓድነት ዝገብሩ፥ ወዲ ማርያም ኢየሱስ ነዚ ክንቅይር ይደልየና።
ጽኑዕ እምነት ክህልወና የደሊ። አብ ኵሉ ጊዜን ቦታን አብ እምነትና ጽኑዓት ኮና ክንጉዓዝ ይደልየና። አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ጸኒዕና ክንጉዓዝ እሞ ንዝኾነ ዝጓነፍ ፈተና ካብ አምላኽ ከይፈልየና ካብ ፍቕሪ አሕዋት ከይፈልየና ክንጥንቀቕ አሎና። ዕለት ዕለት ብእምነትና ዝተሓደስና ኮና ክንርከብ ይደልየና ኢየሱስ።

መንፈስ ቅዱስ ይወርድ። አብ ጽራሓ ጽዮን ማርያም አብ መንግኦም እንከላ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም በዚ ኸአ ጨሪሾም ተለዊጦም፡አብ ሕይወቶም ፍሉይ ነገራት ተራእዩ፡

አብ ዅሉ ሓድነት ረኺቦም። አብ ኵሉ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ዝጠራጠሩ ዝነበሩ አብ ሓደ እምነትን መንፈስን አትዮም። ሓድነት አብ እምነትን አብ ስብከተ ወንጌልን ረኺቦም። መንፈስ ቅዱስ አብ ኵሉ ይመርሖም ነሩ በዚ ኸአ ሰባት ነቲ አብ መንጎኦም ዝነበረ ርእዮም “ሰዓብቲ እቲ መንገዲ” ይብልዎም ነሮም። አብኦም ፍሉይ ምልክት ሓድነት ይርአ ስለ ዝነበረ ብቐሊል ወንጌል ክስበኽ ተኻኢሉ።
ፍርሒ ተቐንጢጡ። እቶም ብፍርሒ ዝአክል አብ ሓደ ቤት ተሓቢኦም ዝነበሩ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም አብ እኩብ አብ አብያተ መቕደስን አብ ኵሉ ብድፍረት ክሰኩ ጀሚሮም ንዝወርዶም ውርደት መከራ ብፍቕሪ ክርስቶስ ክርእይዎ ጀሚሮም። እምነቶም ተሓዲሱ ተቐይሮም መብዝሕትኦም ከአ ብሰማዕትነት መይቶም።
መርሕነት ሓዋርያት ተቐቢሎም። መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም ቀዳማይ ነገር ዝተራእየ እታ ብክርስቶስ እትምራሕ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ከምዘለውዋ እሞ ብአኣቶም ከትምራሕ በት ጴጥሮስ ዘስምዖ መደረ አብ ክንዲ ኵሎም ተራእዩ። ዝኾነ ጸገም ክጛነፍ እንከሎ መምርሒ ካብ ሓዋርያት ይቕበሉ ነሮም።

ሰላም ይነግስ። ማርያም ንግስተ ሰላም ንብላ ምኽንያቱ እቲ ካብአ ዝተወልደ ክርስቶስ ሰላም ስለ ዘውረደልና። ንሱ ክውለድ እንከሎ መላኽቲ መጀመርያ ዝአወጅዋ ሰላም አብ ምድርን አብ መንጎ ደቂ ሰብን እዩ። ድሕሪ ትንሣኤ ንሓዋርያቱ ክበጽሖም እንከሎ “ሰላም ንአካትኩም ይዅን” እናበለ ገሊጽሎም። ማርያም አብቲ ምስ ወዳ ዘልአ ርክብ ተመስሪትና ንግስተ ሰላም ንብላ። “አንቲ ውእቱ ተስፍሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” ንብላ። አብ ኩሉ ዝተጨነቐ ህልናና ልብን ማርያም ክትቅይረልና ክትጽልየልና ድላይ አምላኽ እዩ። እታ ንሓዋርያት አብቲ ጽንኩር እዋን ተጸናንዕ ዝነበርት ሎሚ እውን ክተጸናንዓና ምሉአት እምነት ክንከውን ክትሕግዘና ፍቓደኛ እያ ንለምና።

ንሕና ደቂ ማርያም ኢና፡

ዝኾነ ሰብ ብመልክዑ ብሕብሩ ብግብሩን አካይድኡን ወዲ መን ምዃኑ ነለልዮ ስለምንታይ እቲ አብ ወለዱ ዘሎ አብኡ ስለ ዝርአ። ንኹስቶ ትምስል/ሊ እናበልና ንሓቶም። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ደቂ ማርያም ስለ ዝኾና ግብሪ ማርያም ሕብሪ ማርያም አባን ክርአ ይግባእ። መለልይና አብቲ መን ምዃና ከብጽሕ እሞ ብኡ አቢሎም ሰባት አብ ማርያም ክምለሱ ክንገብር ጉቡእና እዩ።

ሎሚ ንመን ንመስል አሎና? ሰባት ደቂ ማርያም ምዃና ከለዩ ይኽእሉ ዘለዉ? ሰባት ከለዩና እንታይ ክንገብር አሎና?

ሓድነት ክህልወና አለዎ። አብ መንጎና ዝኾነ ዝፈላሊ ነገር ክርአ የብሉን እንተሎ ክንፈትሖ አሎና። ደቂ ማርያም አይብአሱን አይፈላለዩን እዮም። ዓለምና ሎሚ ብፍልልይ እያ እትፍለጥ። ጽልኢ ወገንነት ዓሌትነት በዚሑ ብሰንኩ አብ ምሉእ ዓለም ሞት ውርደት ስደት በዚሑ። እዚ ነቲ ደቂ ማርያም ዘብለና አጥፊኡ ዘክታማት ገሩና ዝነፈሰ ይጽልወና ንበታተን አሎና። ማርያም ደቀይ እንተ ኾንኩም ከም ድላይ ወደይ ሓደ ኵኑ እያ እትብለና።
ፍቕሪ ክነንግስ አሎና። ወዲ/ጓል ማርያም መለልይኡ/አ ፍቕሪ እዩ። ዘፍቅር ንአምላኽ ይፈልጥ ከምዝብሃል ማርያም እታ ብዝልዓለ ፍቕራ ዝገለጸት ስለ ዝኾነት መምህር ፍቕሪ እያ። ንሕና አመንቲ ወዳ እምብአር ክንፋቐር ልዕሊ ኹሉ ዝስራዕ ጎዳይ እዩ። አብ ኵሉ ሰላም ክርከብ ነፍስወከፍና ክንወፍረሉ ዝግብአና ጉዳይ እዩ። ፍቕሪ እንተ ዘየሎ አምላኽ ምሳና የሎን ስለዚ አምላኽ ምሳና ክህሉ ፍቕሪ ሰላማ ምሕረት ነዘውትር።
ንሓቂ ክነብራ አሎና። ሰባት ፈሪሕና ወይ ጥቕሚ ዓዚዙና ንፍትሒ ንሓቂ ክንቀብር አይግባእን። አብ መንጎ ሰባት ፍትሒ ክጎድል እንከሎ ዓው ኢልና ክንዛረብ ክንምስክር ይግባእ። ሰብ እናተዓመጸ እናጠፍአ እንታይ ገደሰኒ ኢልና ሱቕ ክንብል እንከሎና አብቲ ክፍአተ ግብሪ ንተሓባበር አሎና። ዓመጽ ክጠፍእ ፍትሒ ክነግስ ናይ ነፍስወከፍና ደቂ ማርያም ተልእኮ እዩ። ሕይወትና ብምልኡ ፍቕሪ ዝዘርእ ክኸውን እንከሎ ዓለምና ትቕየር። ፍቕሪ አብ ቤትና ክንጅምራ እንከሎን አብኩሉ ክንዝርግሓ ቀሊል እዩ።

ማርያም ደዓሪት ዘኪርና ክነብዕል እንከሎና እምብአር ነዚ ኹሉ ዝተባህለ ክነስተንትን ንማለት እዩ። አብ ዓድና ማርያም ድዓሪት ብኹሉ ተኸቢራ ትውዕል ኵሉ አብአ ይመጽእ ይጽሊ ይምህለል ይመባጻዕ ከምኡ እምነቱ ይገልጽ። አብቲ ዕለቱ ዝመጸ ኵሉ ንአደ አምላኽ ዘልኦ አኽብሮትን ፍቕርን ይገልጽ፥ ብሓቂ ዳርጋ ምሉእ ሃገር መብጽዕኡ እምነቱ ይሕድስ። ንሕና እውን ነዚ ርድኢት ሒዝና ኢና ብዓልና እነብዕል ዘሎና። ሕይወትና ክንሕድስ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮና ክንርከብ እሞ ንቅድስና ንሰላም ንፍቕሪ ክንልአኽ።

መንፈስ ደቂ ማርያም አብ መንጎና ክርከብ ኵልና ክንተግሃሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። መሓሪትን  ርሕርሕትን አደ ከላትና ከም ዘኽታማት ኮና ክንርአ አይግባእን። ካብ ሓንቲ ወላዲት ዝውለዱ ሓደ ልብን መንፈስን እዩ መላለይኦም እሞ ንሕና እውን ሎሚ ብቅንዕናና ብሰናይ ግብርና ደቂ ማርያም ምዃና ክንልለ አሎና።

ሎሚ ልዕሊ ዅሉ ምእንቲ ሰላም ሃገርና ክንጽሊ ይግባእ። ዓድና ዝሓድጎ ዝጠፍእ በዚሑ ይባድም አሎ። ስድራታት ይጠፍአ ይበታተና አለዋ ዓዳት ይባድም ኵሉ ዓዲ ጓና ይናፍቕ ብሓቂ ሕልና ንዘለዎ ከሰክፈና ይግባእ። አብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ጠንቂ ጥፍአት ኮና ከይንህሉ ሕልናና ንሕተት። ገንዘብ ስለ ዝረኸብና ንመንእሰያት ወገና ካብ ዓዶምን ሰቦም ክወጽኡ ብምሕጋዝና ዝተዓወትና ዝመስለና ውሑዳት አይኮናን ሃገር ትጠፍእ አላ። ንሕና ሓዲግናይ ድአ መን ክሰፍራ እዩ። ኵነታት ብዘየገድስ ዓድኻ ምሕዳግ ዝገደደ ጥፍአት እዩ፥ ንዝገጥመና ጸገማት ብትዕግስትን ብልቦናን ክንርኢ እንተ ኸአልና ዘይልወጥ ዘይሓልፍ ጸበባ የለን ብፍላይ አብ አምላኽ አሚና አብ ትሕቲ አደና ማርያም ኮና ክንጽልን ክንምህለልን ከሎና ኵሉ ክሕደስ ክቕየር ይክአል እዩ እሞ ንጸሊ።

ኦ ማርያም አደና ንሓዋርያት አብቲ ጽንኵር እዋን ፍርሕን ጭንቅን ዘጸናናዕኪ ንአና እውን አብ እምነትና ጽኑዓት ንዅሉ ጸበባን ዋሕዲ እምነትን ቀይርና አብ ተስፋን ፍቕርን ክነብር ነቲ ምእንታና በጃ ክስዋዕ ፍቓደኛ ዝኾነ ወድኺ ልምንልና። ንኹሉ ቀይሩ ሰላም ፍቕሪ ነጊሱ ሰብ ዓዱን ወገኑ ዘፍቅረሉ ምሕረት ወድኺ ወሪዱ ዘርኢ ዘመን እንርእየሉ ሕይወት ሃብና ንበላ።

“ሰአሊ ለነ ማርያም ሃበወልድኪ መድኃኔ ዓለም”

ርሑስ ብዓል ማርያም ድዓሪት 2007 ዓ.ም.።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.