2015-06-11 15:21:00

ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ መዋቕር ሕዳሴ


እቲ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ መደብ ሕዳሴ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባባሪ ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ መዋቕር ዘጽንዕን ዘሳልጥን ብቕዱስነቶም ዝተመዘ ትሽዓት ብፁዓን ካርዲናላት ዝሓቁፍ ጉባኤ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመርሐ መደበይና ዓስራይ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እቲ መደበይና ዓስራይ ኣኼባ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት ሓደ ዛዕባ ሓላዋ መሰልን ክብርን ትሕቲ ዕድመን ሕዳሴ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃንን ዝምልከት ምዃኑ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ሎምባርዲ፦ እቲ ትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ሸለል ዝብል ብፁዕ ጳጳስን ጳጳሳዊ ቤት ምሕደራ ሓላፍነቱ ዘየኽብር ብዝብል ኣገላልጻ እዚ ድማ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ሰንኮፍ ዜጋታትን ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጳጳሳትን ጳጳሳዊ ቤተ ምሕደራ ናብ ዝምልከቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣካል ዘይምቕራብ ገበን እዩ ዝብልን፣ ነቲ ገበን እናፈለጠ ዝሓባብኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራን ንገዛእ ርእሱ ገበነ እዩ። ስለዚህ እዚ ካብ ብፁዓን ጳጳትሳን ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ቤተ ምሕደራ ዝቐርብ ክሲ ዝምርምርን ዝከታተልን ናብቲ ዝምልከቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣካል ናይ ክሲ ሰነድ ዘመሓላልፉን እቶም ገበን ዝሓባብኡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓላፍነቶም ዝጎድሉ ዝብል ናይ ገበን ክሲ ዝቐረበሎም ብፁዓን ጳጳሳትን ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራን ናብ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተመሓላሊፉ ፍርዲ ክወሃበሉ በቶም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበርን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ከምኡ ድማ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝመሓላለፍ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ከምዘጽደቕዎ ኣባ ሎምባር ሓቢሮም፣ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብዝምልክቱ ብኣኡ ዝመሓደር ቤት ፍርዲ መርሚሩ ናይ ፍርዲ ውሳኔ ክህበሉን ዝሃቦ ፍርድን ምጽዳቕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ገሊጾም።

ስለዚህ ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መዋቕር ነቲ ዝቐርብ ክሲ ብብቕዓት ዘጽንዕ ቀዋሚ ኣካል ማለት ንቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣብዚ ጉዳይ ዝሕግዝ ዋና ጸሓፊ ክቐውም ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኣብ ሕገ ቀኖና ብዛዕባ እቲ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ዝዛረብ ዓንቀጽ ኔሩ እዩ እቲ ኣብቲ ዓንቀጽ ዘይተመልከተ  ናይ ሓባሪ ኣገባብ ከይዲ እዩ ኔሩ፣ ስለዚህ እቲ ሓድሽ ውሳኔ ነቲ ኣብቲ ሕገ ቀኖና ዘሎ ዓንቀጽ ምሉእ ከምዝገብሮ ሓቢሮም።

ሕዳሴ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ቡዙሓን መዋቕር

ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን መዋቕር ሕዳሴ ዝምልከት ድርገት ኣቦ መንበርን ናይ ቫቲካን ተሌቪዥን ጣቢያ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ዳሪዮ ቪጋኖ ዝምራሕ ብዛዕባ ሕዳሴ መራኸቢ ብዙሓን ሃገረ ቫቲካን ዘቕረቦ ናይ ሕዳሴ መደብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ውሽጢ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ናይ ሰራሕተይናታትን ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ እውን ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሓብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ሓቢሮም።

እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን መዋቕር ሕዳሴ፦ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽርን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን፣ ራዲዮ ቫቲካንን፣ ናይ ቫቲካን ተለቪዥን ጣቢያን፣ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን፣ ናይ ኣገልግሎት ቤት ስእልን፣ ቤት ማሕተምን ቤተ መጻሕፍትን ቫቲካንን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ  ቫቲካንን ዝምልከት ምዃኑ ዝሓበሩ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ነዚ ዅሉ ዝሓቑፍ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ድዩ ገና ዝውሰንን ኰይኑ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኽቐውም ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ከምዘጽደቕዎ ኣመልኪቶም።

ኣብ መወዳእታ ኣባ ሎምባርዲ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ብዛዕባ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ስነ ምሕዳርን ዘተ ከምዘካይደ እንክገልጹ፣ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ሚካኤል ሲዘርንይ ኣብታ ኣብ ስነ ምህዳር ዘማከለት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ እትበቕዕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሎም መግለጺ እንክህቡ ቅድሚ ንንባብ ምብቃዓ ናብ ኩለን ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቁሩባት ኰይኖም ክጸንሑ ዝብል ናይታ ዓዋዲት መልኽቲ ጽማሪ ሓሳብ ዝሓቁፍ ሰነድ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካዲናል ቱርክሶን መእተዉ ጽሑፍ ዝተነብሮ ከይኑ ከምእተመሓላለፈ ኣመልኪቶም።

ኣብ መወዳእታ ኣባ ሎምባርዲ እቲ ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ መዋቕር ሕዳሴ ዝከታተል ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ቀጻሊ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 16 መስከረም 2015 ዓ.ም. ንምክያድ ከምዝወሰነ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.