2015-06-09 16:14:00

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ናይ ኤውሮጳ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ


መሰልን ክብርን ሓልዮ ስድራ ቤት ናይ ሰብኣውነት መሰረት እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስሮዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ቸክ ረፓብሊክ ርእሰ ከተማ ፕራግ ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 9 ሰነ 2015 ዓ.ም. ከምእተኻየደ እንክምልከት፣ እቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉይ ጠቕላሊ ሲኖዶስ ንምስንዳውን ከምኡ ኣውን ብዛዕባ ኩነታት ኡክራይንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳን ርክባተን ምስ ሕዝብን ዝዳህሰሰ እውን ምንባሩ ድሕሪ እቲ ጉባኤ ዝወጸ ናይ ፍጻሜ ሰነድ የመልክት።

ስድራ ቤት ዓንዲ ሕብረተሰብ እዩ

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ዓንዲ ሕብረተሰብ ዝብል መርገጺ እወታኤን ዝህባሉ ከምዝዀናን ስድራ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ መደብ ዝረጋገጸሉ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ባህላውን ጥበባው ልቦናውን ማሕበራውን ዓውዲ ሕንጸት ምዃኑ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎን፣ ስድራ ቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን (ቍምስና) ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርትንን መሰረት ዝብል ዓሚዩቕ ትንተናን እምነትን ንናይ ሓባር ምንባር መሠረት ዝኾኑ ክብርታት ዝመሓለለፈሉን ከምዝኾነ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምተገለጸን ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ኣብቲ ጽንኵር እዋን ባህልን እምነትን ሃገራዊ መንነትን ኣብ ዝተደናገረሉ ኣዋን ነቲ እውንተይናን ባህልን እምነትን ሃገራዊ መንነትን ዓቂቡ ዘድሓነን እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ህያውን ተስፈይና ብሉጽ መጻኢ ክብሪ ዘመሓላለፈን ዘመሓላልፍ ዘሎ ስድራ ቤት ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ የስምሩሉ።

ቅኑዕ ሕጊ ዛዕባ ስድራ

እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ መንግስታት ስድራ ቤት ዘመሓድር ቅኑዕ ሕጊ ከረጋግጹ ጻውዒት ብምቕራብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት ቀዳምነት ብምሃብ ንስድራ ቤት ኣብ ሕንጸት ቅዱሳት ምስጢራት እተሰንይን ናይ ስድራ ቤት ኣበ ነፍስ ኰይና ሰብ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ናይ ምዃኑ ጽባቔን ውህበትን እትምስክረሉን እቲ ኣብ ጸገምን ድኽነትን ዝርከብ ስድራ ቤት ፍሉይ ደገፍ ቤተ ክርስቲያን እናቕረበት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጎድኒ ሕዙናትን ድኻታትን ዝተነጸሉን ስደተይናታትን ከምዝዀነት እትምስክር ምዃና ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት ኣረጋጊጾም ድጋፍን ቅርበትን ንሕዝቢ ኡክራይንን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዘተ ባህሊ ከነቓቕሓን ሓደራ ይብሉ።

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ተግባር ጸረ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ይርአ

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ኣድልዎ ከምዝፍጸመን ብፁዓን ጳጳሳት ኩነታት ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሰፊሕ ተንቲኖም ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝካይድ ሲኖዶስ ንሓልዮት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ እግዚኣብሔር ኣማዕቁይቦም፣ ናይ ምስራቕ ስራዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ቀጻሊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ፋቲማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተገሊጹ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.