2015-06-06 15:59:00

ሳራየቮ፦ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሳራየቮ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ እስታዲዮም ኮሰቮ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ከምዘዕረጉ እንክሕበር፣ ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ነቢይ ኢሳያስ ምዕ. 32 ካብ ፍቕዲ 15 ክሳብ 20 ሰላም ናይ ፍትሒ ተግባርን ፍጻሜን ምዃኑ ዝገልጽን ካልኣይ ምንባብ መልኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 12 ክሳብ 15 ሰላመ ክርስቶስ ኣብ ልባትኩም ይንገስ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለን ከምኡ ድማ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 12 ገበርቲ ሰላም ውሉደ ኣምላኽ ክበሃሉ እያቶም እሞ ብጹዓን እያቶም ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦ ኣብቶም ዝተነቡ ናይ ዕለቱ ምንባባት ሰላም ዝብል ቃል ይቃላሕ፣ ሰላም ድላይ እግዚኣብሔርን መደብ እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብን ንታሪኽ ምስ ኩሉ ፍጥረት ዝዀነ ልዑል ነቢያዊ ቃል እዩ። እዚ መደብ እግዚኣብሔር’ዚ ድማ ካብ ሰብ ኰነ ካብቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ተቓውሞ ዘጋጥሞ እዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እውን እንተዀነ እቲ ድላይ ሰላምን ሰላም ንምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለዪ ኵርናዓት ዓለም ብዝካየዱ ማእለያ ዘይብሎም ብኵነታት ዓውሎማዊ መራኽቢ ብዙሃን ውግእ ከምዘሎ እተስተውዕሎን እናተዀላለፈ ዝካይድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ቢልካ ክትገልጾ ዝከኣል ብረታዊ ግጭት መሰናኽል የጋጥሞ ኣሎ።

እዚ ውጥረት ዝተመልኦ ሃዋሁ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ስልጣነታትን ግጭት ክህሉ ብዝደልዩን፣ ከምኡ እውን ንግድ ኣጽዋር ከሳልጡ ኣብ ውግእ ምጽንጻን ብዘካይዱ ድላይ ዝፍጠርን ኰነ ተባሂሉ ዝጐሃሃርን እዩ። ውግእ ሞት ሕፃናትን ኣንስትን ኣረጋውያንን ምዝብልናን ስደትን ዕንወት ኣባይትን መገድታትን ዕንወት ክፍሊ ኤኮኖምን ሕይውት ዝዀልፍን እዩ። እዚ ድማ ናይ ቀረባ ታሪኽ ተመክሮኹም እዩ። ፍቱዋተይ ሎሚ እውን ኣብዛ ከተማ ከቶ ውግእ ከይህሉ ዝብል ኣውያት ድምጺ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብ ሰማይ የእውይ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሃዋሁ ውግእ፣  ከም ጩራ ጸሓይ ደመና ዝፍንጽግ እቲ ናይ ኢየሱስ ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እያቶም (ማቴ.5.9) ዝብል ቃል የቃልሕ ኣሎ። እዚ ጻውዒት’ዚ ንዅሉ ወለዶ ዝምልከት ወትሩ እዋናዊ እዩ። ኢየሱስ ሰላም ዝሰብኵ ብፁዓን እያቶም ዘይኰነስ ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እያቶም እዩ ዝበለ። ምግባረ ሰላም ተምሳጥ ትዕግስቲ ተመኵሮን ጽንዓትን ዝሓትት ልክዕ ከም ናይ እደ ጥበብ ስራሕ እዩ። ብግብሮምን ብኣግባቦምን ብዘቕርብዎ ግብረ ኣገልግሎትን ሕውነትን ዘተን ምሕረትን ዕለት ብዕለት ሰላም ዝዘርኡ ብጹዓን እያቶም፣ እወ እዚኣቶም እያቶም ውሉደ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ዝጽውዑ። ስለምታይ ወትሩን ኣብ ኵሉን ልክዕ ከምቲ ምስ ጊዜ እናላዘበ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ሰላም መታን ክህልው ዝዘርኦ ሰላም ዘራእቲ ሰላም ስለ ዝዀኑ እያቶም። ሰላም ዕለት ብዕለት ብዘይምስልካይን ብዘይምድካምን ደረጃ ብደረጃ ንቕድሚት ዝስጉም መስርሕ እዩ።

እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ዝኸውን ሰላም ከመይ ገርካ ኢኻ እትሓንጻ? ነዚ ሕቶ ድማ ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕ. 32 ፍቕዲ 17 ፍትሒ ኣብ ግብሪ ምውዓል ሰላም የጸግው እንክብል ይምልሶ። እቲ ብላቲን ቋንቋ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ Opus iustitiae pax-ሰላም ናይ ፍትሒ ጻማ እዩ፣ ብዝብል ቃል ይትርጉም እዚ ትርጉም ላቲን’ዚ ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ብትንቢት ከም ጭርሖ ዝተጠቐምሉ ታሪኻዊ ቃል ኵይኑ እዩ። ኣብዚ እውን ሰላም ናይ ፍትሒ ውጽኢት እዩ ክብል እንከሎ ናይ ስምዒት መደረ ወይ ድማ ኣብ ጥረጴዛ ዝኽወን ህልዮን ሕንጻጸን ማለት ኣይኰነን። ፍትሒ ተግባራውን ተመክሮኣውን እዩ። ሓድሽ ኪዳን ምሉእ ፍጻሜ ፍትሒ ማለት ድማ ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ማለት ምዃኑ ይሕብረና (ማቴ. 22.39፣ ሮሜ. 13.9 ረአ)።

ንሕና ብጸጋ እግዚኣብሔር ነቲ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ክንስዕብን ክንፍጽምን እንከለና ኵሉ ነገር ይልወጥን ይሕደስን። ስለምታይ ንሕና ስለ እንልወጥን እንሕደስን እዩ። እቲ ከም ጸላኢ ዝርእዮን ዝሓስቦን ዝነበረ ሰብን ሕዝብን ብሓቂ ምስቲ ናተይ ዝጋጠም ገጽ ከምዘለዎ አስተውዕል። ነቲ ናተይ ዝመስል ልብን መንፈስን ከምዘለዎን ሓደ ሰማያዊ ኣቦ ከምዘሎና አስተውዕል። ስለዚህ እቲ እውነተይና ፍትሒ ማለት ድማ እቲ ንኣይ ክኽወን ዝደልዮ ንኻልእ ሰብን ሕዝብን ክኽወን ምድላይ ዝብልን ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓልን እዩ (ማቴ. ምዕ. 7፣ ፍቕዲ 12 ረአ)።

ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ምንባብ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ሰላም ንምግባር ክህልወና ዝግብኣና ጠባይ ምሕረት ልቢ፣ ለውሃት፣ ትሕትና፣ ዓቕሊ፣ ትዕግስቲ ልበሱ፣ ንሓድሕድኵም እናተጻዋወርኵም እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ክሲ እንተለዎ ይቕረ ተበሃሃሉ፣ ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለኵም ንስኻታኵም እውን ከምኡ ይቕረ በሉ (ቆላስያስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 12-13 ረአ) እንክብል ይሕብረና።

እምበኣርከስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ስራሕቲ ሰላም ንምዃን ክህልወና ዝግብኦ ጠባይ ተገሊጹ እዩ። ኩሉ ኣባና ዝውሰን እዩ ቢልና ገዛእ ርእስና ከይነታልል ንጠንቐቕ፣ ስለምንታይ ኣብ መሓልሞ ግብረ ገባውነት ስለ ዘጥሕለና እዩ። ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እምበር ሽሕራዊ ኣይኰነን፣ ንሱ እቲ ሰላም ንምግባር ክህልወና ዝግብኦ ጠባይ እግዚኣብሔር ብቕዱስ መንፍሱ ኣቢሉ ኣብ ልባትናን ኣካላትናን ሓቲሙ ንኣና እውነተይና ናይ ሰላም መጋበሪያ ይግበረና። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዑምቀት ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ ስለምታይ ናይቲ ናቱ ምሳና ምትዕራቕ ፍረ ምዃኑ ይነጽረልና። ምስ እግዚኣብሔር ክዕረቕ ገዛእ ርእሱ ዝፈቕድ ሰብ ጥራሕ እዩ ሰራሕ ሰላም ዝኸውን።

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሎሚ ሓቢርና ብኣማላድነት ድንግል ማርያም ገርሄይና ልቢ ክህልወናን ጸጋ ትዕግስትን ምእንቲ ፍትሒ ንኽንዓይን ክንቃለስን መሓርቲ ክንከውንን ናይ ሰላም መጋበርያ ንኽንከውን ሰላም እምበር ውግእን ዘይምስምማዕን ዝዘርኡ ከይንኸውን ዘብቅዓና ጸጋኡ ንለምን። እዚ እዩ እቲ ሕጉሳትን ብፁዓንን ዘብለና ጉዕዞ እንክብሉ ዝልገገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.