2015-06-04 16:33:00

ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ፦ ሓልዮትን ቅርበትን ቤተ ክርስቲያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ኣብ ሊባኖስን ዒራቕን ንዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮትን ቅርበትን ንኽምስክሩን ከምኡ ድማ ኣብ ሊባኖስ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን ስድራ ቤትን ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣስተምርሆ ንኸቕርቡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 20 ሰነ 2015 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ብፁዕነቶም ዕለት 19 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሰሜናዊ ከባቢ ኣብ እትርከብ ከተማ ኤርቢል ዝተተኽለ ምዕቆቢ ተመዛበልቲ በጺሖምን ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቓውያንን ከምኡ እውን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ክበጽሑ ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ እቲ ምብጻሕ ነኸካይዱ ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካዲናል በቻራ ራይን ከምኡ ድማ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ አቡነ ሳኮ ብዘቕረብሎም ዕድመ ምኽንያት ዘካይድዎ ምዃኑን ኵላዊነት ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ሊባኖስ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ምዕራብ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ርክብ ዘነጽርን ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝጸንዔ ርክብ እውን ምዃኑን ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዕምቆት ንምትንታንን ሓድነት በመለኻኽታ ምዕራባዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝጸንዔ ቲዮሎጊያውን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ትንተና ከቕርቡን እቲ ዘቕርብዎ ትንተና ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ምብራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ዝንበር እዩ። ቀጺሎም ኣብ ናይ  ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ምስ ዘገልግሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክራኸቡ እውን ምዃኖም ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.