2015-06-02 16:06:00

ንቕዱስ ኣቦና ሓደ ኣቡን ማለት ሓላዊ ሕዝቢ ናይ ሱታፌን ሓድነትን ሰብ እዩ


ብፁዕ ካርዲናል ቦርጐሊዮ ካብታ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ስም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ኣብቲ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ገዛእ ርእሶም ዘንበሩ ምዃኖም ኣብታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት ብማሕበር ኢየሱሳውያን እትዳለውን እትሕተምን ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ኣብዚ ሰሙን ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ሕታሙ፦ ተክለ ሰብነት ብፁዕ ኣቡን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ኣርጀንቲናዊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዲየጐ ፋረስ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ሰፊሩ ከምዝርክበ እንክምልከት፣ ኣባ ዲየጐ ብዛዕባ እቲ ዝደረስዎ ጽሑፍ ኣመልኪቶም

ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሓርዩ ብቐዳምነት ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል ዝመስከሩን ዝነብርዎ ዘለዉ ትሕትናን ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ክብሪ ኣልባሳት ኣይፋል ቢሎም ቅድሚ ንሶም ንሕዝቢ ቡራኬ ምሃቦም ሕዝቢ ስሌኦም ክጽልን ክባርዀምን ብትሕትና ሓቲቶም ርእሶም እዮም ዝድነኑ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘብሎም ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ክብሪ ልብሲ ዘይኰነስ ትሕትናን ኣገልጋልን ዝብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቃልሖ መለለዪ እዩ። ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ብርሃን ኣሕዛብ ኣብ ዝብል ድንጋገ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍቕዲ 8 ከምቲ ክርስቶስ ተግባር ድሕነት ኣብ ድኽነትን ዓጸባን ዝፈጸሞ ከምኡ ቤተ ክርስቲያን ጻማ ናይ ድሕነት ንውሉደ ሰብ ከተመሓላልፍ እንተዀይና በዚ መገድዚ ክትጐዓዝ ኣለዋ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብባህሪኡ ኣምላኽ እንከሎ መልክዕ ባርያ ለቢሱ ንርእሱ ኣሕሰረ (ፊሊ. 2፣ 6-7)። ሃብታም ኣንከሎ ምእንታና ድኻ ኮነ (ቆር. 8፣ 9) ብተመሳሳሊ መግዲ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ ንኽትፍጽም ሰብኣዊ መጋበሪኳ እንተድለያ ምድራው ክብሪ ከተናዲ ዘይኮነስ ብኣብነታ ከይተረፈ ትሕትናን ውርደትን ንኽትቅበል እያ ዝቖመት። ከምቲ ክርስቶስ ንድኻታት ጥዑም ዜና ንኸበስር ነቶም ልቦም ብጓሂ ዝቖሰለ ንኽፍውስ (ሉቃ. 4፣ 18) ነቲ ዝጠፍአ ንኸናድን ንኽድሕንን (ሉቃ፣19’10) ብእግዚኣብሔር ዝተላእከ ከማኡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብሰብኣዊ ድኻምነት ብዙሕ ዝተጨነቑ ብፍቕሪ ትከናኸኖም…. ዝብል ጸዋዕታ ዝነብር ተልኾ እዮም ብቓልን ሕይወትን ዘቃልሑ ዘለዉ።

እቲ በቢ ዕለቱ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ከመይ ሓደ ኣቡን ኣብ መንጐ ሕዝቡ ክኸውንን ንሕዝቡ ክሓልን ክከላኸልን ከምዘለዎ ዝነጽር እዩ። እዚ ኣብ ድንጋገ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብርሃን ኣሕዛብ ፍቕዲ 12 ትርጉም እምነትን ህያብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን፦ ሕዝብን ጳጳስን ብሓባር ዝጓዓዙ ምዃኖም ነቲ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 2 ፍቕዲ 20 ከምኡ እውን ፍቕዲ 27 ዘሎ ሕይወት ዘረጋግጽ እዩ።

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነዝሒ ናይ እምነት ሃምነነ ማለት ኣይኰነን፣ ንሊቃውንትን ናይ ሕጊ መምሃራን ዝብል ኣይኰንን፣ እቶም ናይ ሕጊ መምሃራንን ሊቃውንትን ኣእዳው ዘለዎም ክነሱ ንሕዝቢ ዘይትንፍኩ እያቶም ኔሮም። ጓሳ ግና ስለ ኣባጊዑ ዝስዋእ እዩ። ምስጢር ቅድስቲ ስላሴ ብረቒቕ ሓሳብ ምቕራብ ዘይኰነስ፣ ነቲ ናይ እምነት ትምህርቲ ዓንቀጽ ናብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝቕይር ኣገልግሎት እዩ። ብተግባር ዝግለጽን ብቅዱሳታ ምስጢራት ጸጋ እግዚኣብሔርን ምሕረት እግዚኣብሔር ምርኻብ ማለት እዩ። ብፍቕሪ ዝሰርሕ እምነት ምንባር ማለት እዩ ኢሎም።

ምስ ሕዝቢ ዘካይድዎ ርክባት፣ ሓደ ኣቡን ምስ ሕዝቢ ክኸውንን ናይ ሕዝቢ ምዃን ክነበር ከምዘለዎ ዝምስክር ተግባር እዩ። ኣቡን ጓሳ ሕዝቢ ደኣ እምበር ንሕዝቢ ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ዝጠዋውይን ልክዕ ከም ሓደ ዘዋሪ መኪና ንሕዝቡ ነናብ ዝደልዮ ዝዝውር ሕይወት ከይህልዎ ዘተሓሳስብን ዝስውእን ዝግልገል ዘይኰነስ ዘገልግል ዝብል እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ብምዕዳንን ስብከትን ኣቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብን ነቐፌታን ከምቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ናይ ካልእ መሰል ንምግሃስን ንምውራድን ዘይኰነስ ብምሕረት ዝስነይ እዩ። ከምእቲ ኢየሱስ ንሕዝቢ ዝገንሕን ነቶም ናይ ሕግ መምሃራንን ሊቃውንትን ዝወቅስን ልክዕ ከምኡ እዩ። ኢየሱስ ክገንሕ እንከሎ ምስ ምሕረት እዩ። ኢየሱስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተቖጠዖ ኣብ ወንጌል ነንብብ፣ እዚ ቁጥዐ ኢየሱስ ግና ዝመርሕን ዝምሕርን ዝምህርን እዩ። ኩሉ ድማ ብቓልን ሕይወትን እዩ ዘቕርቦ።

ብፁዓን ጳጳሳት ጓሶት እምበር መኳንንትን መሳፍንትን ክዀኑ ዝተጸውዑ ከምዘይኰኑ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ንብፁዓን ጳጳሳት ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እዩ። ኣብ ምሕረት ዝቖመ ምዕዳን እዩ። ጨና ኣባጊዕ ይሃልኹም ዝብልዎ ምዕዳን ኣባ ፋረስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ቀደም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓላቓ እንከለዉ ዝብልዎን ዝነብርዎን ዝነበረ ቃል እዩ። ኣባጊዕካ እትከናኸንን እትሕብሕብን እተገልግልን እንተድኣ ኰይንካ ኣባጊዕካ ባዕለን የለልያኻን ባዕለን ይስዕባኻ ስለምታይ እቲ ንኣኤን ዘሎካ ፍቕሪ ስለ ዝስምዔን። ስለ እትእዝዘን ዘይኰነስ ስለ እትሕብሕበን ባዕለን ይስዕባኻን ይሰምዓኻን፣ እቲ እሙን ምእመን ጓሶትን ጳጳሳትን ካህናትን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ክብሉ ይድግፍ።

ጓሳ (ኣቡን ካህን) ሓላዊ ሕዝቡን ንሕዝቢ ዝሕለቕን ዝጣበእቕን እዩ። እዚ ድማ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ተልእኾን ጸዋዕታን ንበር ዝብል እዩ። ቅዱስ ዮሴን ንኢየሱስን ኣደ ኢየሱስን ሓላዊ፣ ኣብ ምሕላዎም ወትሩ ንቑሕ ምንባሩ ዘዘኻኽርን፣ ነዚ መንፈሳዊ’ዚ ዘድምዕ እዩ። ናይ ሓደ ኣቡን ጸዋዕታ ሓለዋ እዩ። ዘበዐይና ሕዝቢ ማለት ምዃኑ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምዕ. 5 ፍቕዲ 2 ተመልኪቱ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ብሓፈሻኡ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ስድራ ኣባይትን ክነብርዎ ዝግብኦም ሕይወት ቢሎም ዝገልጽዎ ኩሉ ወንጌላዊ እዩ።

እቲ ሓለዋ ድማ ናይ ምድሪ ጨውን ብርሃንን ብምዃኑ ዝምስከር እምበር፣  እቲ ሕቶ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዓንቀጸ እምነት ይነብርዶ ኣይነበርን ኣይኰነን። ኣቡን መስቀል ክርስቶስ ዘይዝንግዕ ተስፋ ኣብሳሪ እዩ። ናይ ሱታፌን ውህደትን ሰባት ምዃን ቤተ ክርስቲያናዊ ኣስተውዕሎ ይሓትት። እዚ እዩ እቲ ምሕላው ማለት ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ብቓልን ሕይወትን ዝነብርዎ ሕይወት እንታይ ተመስሎኡ ንምግላጽ ዘካይድዎ እውቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.